ትራምፕ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ዝነበሮ ርክባት 'ንከይወጽኡ ሓጊዘ' ዝበለ ኣሕታሚ እንታይ ምስክርነት ሂቡ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብቲ ሸውዓተ መዓልቱ ዝሓዘ መስርሕ ፍርዲ ገበን ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ጉዳይ “እቲ ሓለቓ” ወይ "the boss" ብዝብል ዝቐረበ ምስክርነት ኣዘራራቢ ኰይኑ።
ሓታሚ ‘ናሽናል ኢንኳየረር’ ዝተባህለ ጋዜጣ ኣመሪካ ነበር ዴቪድ ፔከር ንሰዓታት ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት ንትራምፕ ክብል ዝተፈለለዩ ሓበሬታታት ከይወጽኡ ከም ዝሓገዘ ተዛሪቡ።
ንሱ ምስ ጠበቓ ትራምፕ ነበር ሚካኤል ኮሀን ብምዃን ብዛዕባ ትራምፕ ዝወጽኡ ዝነበሩ ሓበሬታታትን ክስታትን ኣብ ምሕባእ ከም ዝሰርሐ ገሊጹ።
ፕረዚደንታዊ መረጻ “እቲ ሓለቓ” ንምክልኻል፡ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣፍ መዕበሲ 150 ሽሕ ዶላር ከም ዝኸፈለ ምስክርነት ሂቡ።
ትራምፕ፡ ኮኾብ ፊልም ‘ፖርኖግራፊ’ ዳንኤልስ ስቶርሚ ብዛዕባ ርክቦም ንኸይትዛረብ ገንዘብ ከም ዝኸፈላ ይኽሰስ።
ዳኒኤልስ፡ ቅድሚ መረጻ 2016 ብዛዕባ ርክቦም ንኸይትዛረብ 130 ሽሕ ዶላር ከም ዝተኸፈላ ትዛረብ። ትራምፕ ግን ምስኣ ዝዀነ ጾታዊ ርክብ ከም ዘይነበሮም ይገልጽ።
ትራምፕ፡ ንኻልኣይ ግዜ ፕረዚደንት ኣመሪካ ንምዃን ጐስጓስ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ ግዜ፡ ብዝቐረቡ 34 ክስታት ገበነኛ ኣይኰንኩን ብምባል ዝዀነ ጌጋ ከም ዘይፈጸመ ገሊጹ'ሎ።
ትማሊ ሓሙስ ዓቀብቲ ሕጊ ማንሃተን፡ ዴቪድ ፔከር፡ ትራምፕ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ዝነበሮ ርክባት ንምሽፋን እዚ ድማ ኣብ ውጽኢት ብ2016 ዝተኻየደ መረጻ ንምጽላው ገንዘብ ከም ዝኸፈለ ክምስክር ገይሮም።
በዚ መሰረት ኮሀን፡ እቲ “ሓለቓ” ዝብልዎ ትራምፕ 'ኣሉታዊ ዛንታታት እንተዘይሕተሙ ደስ ይብሎ’ ከም ዝበሎ ፔከር ተዛሪቡ።
ኣብ ካልእ ምስክርነት ድማ ፔከር ኣብ ዙርያ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ዘለው ርክባት ዝምልከቱ ኣሉታዊ ክስታት ናብ ኣደባባይ እንተወጺኦም “ሓለቓ” ከም ዝቑጣዕ ተነጊሩኒ ኢሉ።
ሓሓሊፉ ኮሀን “ሓለቓ ክውድኦ’ዩ” ይብሎ ነይሩ።
እዚ ክብሃል እንከሎ ከኣ ትራምፕ ኣብ ወንበሩ ኰፍ ኢሉ ይሰምዕ ነይሩ።
ፔከር፡ ንደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ድማ ዳኒኤላ ስቶርሚን ካረን ማክደጋልን ምስ ትራምፕ ብዛዕባ ዝነበረን ጾታዊ ርክብ ንከይዛረባ ገንዘብ ከፊሉ’ዩ ዝብሉ ክስታት ናብ ህዝቢ ንከይቀርቡ ብዛዕባ ዝተገብሩ ጉዳያት ብዝርዝር ተዛሪቡ።
ዓቀብቲ ሕጊ ብዛዕባ እታ ንሓደ ወርሒ፡ ምስ ትራምፕ ጾታዊ ምሕዝነት ነይርዋ’ዩ ዝተባህለት ካረን ዝኸፈቱዎ ክሲ'ኳ እንተዘይሃለወ፤ ንዳኒኤላ ስቶርሚ ከፊሉዎ እዩ ብዛዕባ ዝብሃል ገንዘብ ዘቕርቡዎ ዘለው መርትዖታት ንምጥንኻር ግን ተጠቒሞምሉ።
ጉዳይ ካረን “ንትራምፕ ኣዝዩ ዘሕፍሮን ኣብ ዘካይዶ ዝነበረ ጐስጓስ ጽልዋ ከሕድር ስለ ዝኽእልን” ትራምፕን ጕጅለኡን ክጠፋፋእ ገይሮም’ዮም ክብል ፔከር ተዛሪቡ።
ንሱ፡ እቲ ጐስጓስ ንኸይጽሎ ብዝብል ታሪኽ ካረን ንከይወጽእ ንምሕባእ 150 ሽሕ ዶላር ከም ዝኸፈለ ገሊጹ።
ድሕሪኡ፡ እቲ ገንዘብ ንክኽፈሎ ምስ ሓተተ ጠበቓ ትራምፕ ነበር ኮሀን “ሓለቓ ክቑጣዕ እዩ” ከም ዝበሎን ከይተኸፈለ ከም ዝተረፈን ተዛሪቡ።
ካልእ ስቴፋኒ ክሊፎርድ ዝተባህለት ተዋሳኢት ፊልም ‘ፖርኖግራፊ’፡ ምስ ትራምፕ ኣለኒ ዝበለቶ ጾታዊ ርክባት ዝምልከት ሓበሬታ ክሸጠልካ ኢላ ከም ዝሓተቶን ካብ ናቱ ሓገዝ ወጻኢ ጕጅለ ትራምፕ ክገዝኡዎ ከም ዝኽእሉ ከም ዝነገራን ገሊጹ።
“ናሽናል ኢንኳየረር፡ ምስ ኮኸብ ፖርኖፍራፊ ክተኣሳሰር ኣይደለኹን ነይረ። ነቲ መጽሄት ኣዝዩ ሓደገኛን ኣዕናውን ምዀነ ነይሩ” ኢሉ።
ኣብዚ ግዜ እቲ ሓበሬታ እንተወጺኡ “ሓለቓ ኵራኡ ምሳኻ እዩ ክኸውን” ክብል ንኮሄን ከም ዘጠንቀቘ ሓቢሩ።
ድሕሪኡ ኮሀን ንዳንኤልስ 130 ሽሕ ዶላር ከም ዝኸፈላ ዓቐብቲ ሕጊ ገሊጾም።
ጠበቓታት ትራምፕ ነቲ ፔከር ዝሃቦ ቃል ምስክር ተኸላኺሎም'ዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







