ጉዳይ ትራምፕን ኮኾብ 'ፖርኖግራፊ ፊልም' ስቶርሚን ስለምንታይ እዩ ዘዘራርብ ዘሎ?

ዶናልድ ትራምፕ፡ ኮኾብ ፖርኖግራፊ ፊልምታት ስቶርሚ ዳኒኤልስ ብዛዕባ ምስጢራዊ ርክቦም ንከይትዛረብ ገንዘብ ብምኽፋል ንዝቐረበሉ ክሲ ስዒቡ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ተገዲዱ'ሎ።
ንሱ፡ ኣብ ገበናዊ ፍርዲ ዝቐረበ ናይ መጀመርታ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር እዩ።
ስቶርሚ ዳኒኤልስ፡ ንሳን ትራምፕን ጾታዊ ርክብ ከምዝፈጸሙን ብዛዕባ እዚ ከይትዛረብ ድማ ቅድሚ መረፃ 2016 ካብ ጠበቓኡ ነበር 130 ሽሕ ዶላር ከምዝተቐበለትን ትገልጽ።
እቲ ማይክል ኮሄን ዝተባህለ ጠበቓ ድማ ድሒሩ ብተደጋጋሚ ክስታት ተኣሲሩ።
እዚ ጉዳይ ኣብ 2018 ካብ ዝለዓል ጀሚሩ፡ ዶናልድ ትራምፕ ምሳኣ ዝዀነ ፆታዊ ርክበ ከምዘይፈጸመ እዩ ዝሙጉት።
ስቶርሚ ዳኒኤልስ መን እያ?
ጓል 45 ዓመት ዳኒኤልስ፡ ትኽክለኛ ስማ ስቴፋኒ ክሊፎርድ ኮይኑ ኣብ ሉዊዚያና ዝተወልደት ብስራሕቲ ፊልም ፖርኖግራፊ ብዙሕ ሽልማት ዝረኸበት እያ።
ኣብ ዓበይቲ ፊልምታት ሆሊዉድ ድማ ተሳቲፋ።
ኣብ ፖለቲካ እውን ትነጥፍ ዝነበረት ኮይና፡ ቅድሚ ሕጂ ሪፓብሊካን ምዃና ተዛሪባ ነይራ።
ኣብ ሓምለ 2006 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ግብረ ሰናይ ውድድር ጎልፍ ምስ ትራምፕ ከምዝተራኸበት ኣብ ቃለ መሕትት ማዕከናት ዜና ወግዓዊ ምግባራ ይዝከር።
ንሳ፡ ኣብ መንጎ ካሊፎርንያን ኔቫዳን ዝርከብ- ሌክ ታሆ ኣብ ዘሎ ክፍሊ ሆቴሉ "ሓደ እዋን ጾታዊ ርክብ ፈጺምና" ትብል።
ኣብቲ እዋን ጠበቓ ትራምፕ ነዚ ክሲ "ብትሪ" ነጺግዎ።
ብዛዕባ'ቲ ብሓባር ኣሕሊፎምዎ ዝበሃል ለይቲ ስቕ ክትብል ነጊሩዋ እንተዀይኑ ኣመልኪቱ ንዝቐረበላ ሕቶ "ብዛዕባ እዚ ዝተጨነቐ ኣይመስልን ነይሩ። ብገለ መልክዑ ትዕቢተኛ እዩ ነይሩ" ክትብል ትራምፕ መሊሳ።
በዓልቲ ቤት ትራምፕ ሜላንያ ትራምፕ ኣብቲ ቦታ ኣይነበረትን፤ ገና ሓራስ እያ ነይራ።
ጉዳይ ክሲ ዳኒኤልስ
ብዛዕባ እቲ ኣጋጣሚ ከይትዛረብ ሕጋውን ኣካላውን ምፍርራሓት ከምዝበፅሐ እትዛረብ ሚስ ዳኒኤልስ፡ ንድሕነት ስድራኣ ክትብል እቲ ገንዘብ ከምዝተቐበለት ትገልፅ።
ቅድሚ 7 ዓመት ኣብ ላስ ቬጋስ ኣብ ዝርከብ መዕረፊ ኣውቶቡሳት ሓደ ዘይፍለጥ ሰብኣይ ንዓኣን ንዕሸል ጓላን ቅርብ ኢሉ "ካብ ርእሲ ትራምፕ ውረዲ" ከምዝበላ ትዝክር።
እዚ ዝኾነ ከኣ ብዛዕባ እቲ ዝተባህለ ርክብ ምስ መጽሄት 'ኢን ተች' ቃለ መሕትት ክትገብር ምስ ተሰማምዐት ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ከምዝኾነ ገሊጻ።
"እዚኣ ጽብቕቲ ንእሽቶ ቆልዓ እያ። ኣብ ልዕሊ ኣዲኣ ዝኰነ ነገር እንተዝፍጸም ሕማቕ'ዩ ነይሩ" ክትብል ብዛዕባ እቲ ዘይትፈልጦ ሰብ ምስ ሲቢኤስ መደብ '60 ሚኒትስ' ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ተዛሪባ።
እቲ ቃለ-መሐትት ቅድሚ ምዝርግሑ ምስ ጠበቓ ትራምፕ ዝኾነ ማይክል ኮሄን ዝተኣሳሰር ኩባንያ ሸል ንዳኒኤልስ ነቲ ናይ ዘይምዝራብ ስምምዖም (NDA) ወይ "ስምምዕ-ኣፍኣፍ ልጓም" ኣፍሪስኪ ብምባል ብ 20 ሚልዮን ዶላር ክሲ ኣፈራሪሑዋ።
ሚስ ዳኒኤልስ፡ ኣብ ሃገራዊ ተለቪዥን ወፂኣ ብዛዕባ እዚ ብምዝራባ ሚልዮናት-ዶላር መቕጻዕቲ ከምዘስዕበላ እኳ እንተስግአት "ንነፍሰይ ክከላኸል ምኽኣለይ ግን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ" ኢላ።
ከምዚ ገንዘብ ምኽፋል ዘይሕጋዊ ድዩ?
ንሓደ ሰብ ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ንኸይዛረብ ዝግበር ስምምዖም (NDA) ወይ "ስምምዕ-ኣፍኣፍ ልጓም" ካሕሳ ምኽፋል ዘይሕጋዊ ኣይኮነን።
ኣኽበርቲ ሕጊ ግን ምምላስ ገንዘብ ሚስተር ኮሄን [ጠበቓ ትራምፕ] ኣብ ሒሳባት እቲ ፕረዚደንት ነበር ብኸመይ ከምዝተመዝገበ ኣተኲሮም ኣለዉ።
ነቲ ክፍሊት ከም ሕጋዊ ክፍሊት ብምምዳብ ኣብ መዝገብ ንግዱ ምትላል ብምፍጻም ይኽሰስ።
እቲ ብተዘዋዋሪ ዝተገበረ ምዝውዋር ቅድሚ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብመዓልታት ቀዲሙ እዩ ተፈጺሙ።
ኣውራጃዊ ዓቃቢ ሕጊ ኣልቪን ብራግ፡ ሚስተር ትራምፕ "ነቲ ድምጺ ዝህብ ህዝቢ ዝጎድእ ሓደበሬታ ክሓብእ ፈቲኑ'ዩ” ክብል ይኸስስ።
ሚስተር ኮሄን ኣብ ነሓሰ 2018፡ ብኸፊል ምስቲ ንዳኒኤልስን ካልእ ኣፍቃሪት ትራምፕን ዝኸፈሎ ክፍሊት ብዝተኣሳሰር ግብሪ ብምሕባእን ንሕግታት ናይ ጎስጓሳት ፋይናንስ ብምጥሓስን ገበነኛ ኮይኑ ስለዝተረኸበ ተኣሲሩ እዩ።
ትራምፕ ኣብ መጀመርታ ምስቲ ክፍሊታት ዝኾነ ርክብ ከምዘይብሉ እኳ እንተገለጸ ጠበቕኡ ኮሄን ግን እቲ ፕረዚደንት ነበር ናይ 130 ሽሕ ዶላር ክፍሊት ክፍፅም ትእዛዝ ከምዝሃቦ ብማሕላ መስኪሩ።
እቲ ፕረዚደንት ገንዘብ ከም ዝመለሰሉ እውን ገሊጹ።
ትራምፕ እንታይ ኢሉ?
ትራምፕ ኣብ ቤት ፍርዲ ገበን ማንሃታን ንዝቐረበሉ 34 ክሲ ገበናት ምግጋይ መዛግብቲ ቢዝነስ ተሓታቲ ከምዘይኮነ እዩ ዝምጉት።
ንስቶርሚ ዳኒኤልስ ምስ ዝተፈጸመ ክፍሊት ብዝተኣሳሰር ግን ተኸሲሱ ኣሎ።
ብተወሳኺ ሓንቲ ሞዴል ‘ፕለይቦይ’ [ፆታዊ ርክብ ዘርእዩ ስእልታት] ነበር ምስኡ ብዛዕባ ዝፈጸመቶ ዝበሃል ጾታዊ ርክብ ‘ምስጢር ከይተውፅእ’ ምስ ዝኸፈላ ክፍሊት ብዝተኣሳሰር እውን መርመራ እናተኻየደ እዩ።
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ?
እዚ ጉዳያትቤት ፍርዲ ኣብ እዋን መረፃ እዩ ዝወካየድ ዘሎ።
ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ቤት ፍርዲ ውዒሉ ብለይቲ ድማ ጎስጓስ ከካይድ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ነይሩ።
ከም መጠን ገበናዊ ተኸሳሲ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ብሕጊ ዝግደድ ኮይኑ እንተዘይቀሪቡ ግን ማእሰርቲ ትእዛዝ ከምዘውጽእ ኣጠንቂቑ ኣሎ።
እዚ ድማ ንመደባት ጎስጓሱ ከምዘተሓላለኾ ይግመት።
ወኪል ቢቢሲ ሰሜን ኣሜሪካ ኣንቶኒ ዘርቸር ግን እዚ ገበናዊ ክስታት ንትራምፕ ንፕረዚደንታዊ ጎስጓሱ ካብ ምቕጻል ከምዘየተኣጓጕሎ ይገልጽ።
"ብርግጽ'ውን ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኸበ ሕጹይ ፕረዚደንት ጎስጓስ ከየካይድ ከምኡ'ውን ካብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ከም ፕረዚደንት ከየገልግል ዝኽልክለ ነገር ኣብ ሕጊ ኣሜሪካ የለን" ኢሉ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







