ሰባት ብኸመይ እዮም ብኦንላይን ስርቅን ምትላልን ዝፍጽሙ ዘለዉ?

ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ሪፖርተር ቴክኖሎጂ ቢቢሲ ጃኔ ዌክፊልድ፡ ዛንታ ፍሉጣት ሰባት ኣብ ምጽሓፍ ተጸሚዳ ከም ዝነበረት ዘርእዩ ብዙሓት ጸብጻት ይወጽኡ ነይሮም።
እዚኦም፡ ምስ ከም እንግሊዛውያን ጋዜጠኛታትን ፍሉጣት ሰብ ሞያ ሚድያ ዞዊ ባል፡ ጀርሚ ክላርክሰንን ክሪስ ታራንትን ዝበሉ ዓበይቲ ሰባት ቃለ መጠይቕ ከም ዝገበረት ዝሕብሩ'ዮም።
እዞም ቃለ መጠይቓት፡ ነፍሲ ወከፍ እዞም ፍሉጣት ሰባት ካብቲ ብኢንተርነት ኣብ ባጤራታት ክሪፕቶ ዝረኸብዎ ሰፊሕ ዕድል ወፍሪ ብኸመይ ብዙሕ ገንዘብ ክረኽቡ ክኢሎም ዝብል ትዅረት ዝገበሩ እዮም።
እዚ ኵሉ ቅሩብ ዘይእመን ክመስል ይኽእል፤ ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ጃኔ ዌክፊልድ፡ ንዋላ ሓደ እዞም ቃለ መጠይቓት ዘይገበረት ምዃና እዩ።
እቶም ብዛዕባኦም ዝተጽሓፉ ጽሑፋት’ውን ኣይጸሓፈቶምን።
ከምኡ’ውን ካብቶም ኣብዚ ጉዳይ ዝተጠቕሱ ፍሉጣት ሰባት፡ ወይ’ውን ንሱ ንዝዀነ ዓይነት ወፍሪ ክሪፕቶ ክድግፉ ከም ዘይክእሉ ይገልጽ።
እዞም ስኑዓታት ዛንታት፡ ኵሎም ብሰብ ሰርሖ-ብልሒ (ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ) ዝተፈጥሩን ኣርማ ቢቢሲን ሽም ጋዜጠኛን ሒዞም ኣብ ፌስቡክ ዝተሓትሙን እዮም።
እቶም ብድሕሪ እዞም ስኑዓት ዛንታት ዘለው መታለልቲ ሰባት፡ ኣብቲ ዝተዘርግሐ ውጥን ናይ ሓሶት ወፍሪ፡ ገንዘቦም ንኸውፍሩ ነቲ መላግቦ ክጥውቝ ይሓቱ።
እዞም ስኑዓትን መታለልትን ጽሑፋት ብኸመይ ኣብ ፌስቡክ ክዝርግሑ ክኢሎም?
ኣብ ትካል ድሕነት ሳይበር ፔን ቴስት ፓርትነርስ፡ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ዝዀነ ቶኒ ጂ፡ እቶም መታለልቲ ነቲ መላግቦታት መርበብ ሓበሬታ (URL) ክቕይርዎ ጥራይ ከም ዝኽኣሉ ይዛረብ።
ንኣድራሻ እቲ መርበብ ሓበሬታ ድሕሪ ምምርማር፡ ሓደ ካብቶም ብዙሕ ገንዘብ ዝተኸፍሎ ናይ ምትላል ገጽ፡ ናይ ፌስቡክ መወዓውዒ ምዃኑ ገሊጹ።
ጂ፡ እቲ ኣድራሻ መርበብ ሓበሬታ፡ ፌስቡክ ሰባት ክጥውቕዎ እንከለው ንምክትታል ዘኽእሎ ፍሉይ ኵነታት ከም ዘለዎ ክፈልጥ ክኢሉ።
እዚ፡ ንዋና ፌስቡክ ሜታ ወሲድናሉ።
“ኣብ መድረኻትና ዝዀነ ንጥፈታት ምትላል ኣይንፈቅድን ኢና፤ ናብ ኣቓልቦና ዝመጽኡ መወዓውዒታት ድማ ኣሊናዮም ኢና” ኢሉ።
እቶም መታለልቲ ግን ከመይ ገይሮም’ዮም ነቲ ናይ ሓሶት መወዓውዒታት ናብ ፌስቡክ ከእትውዎ ዝኽእሉ? ከመይ ገይሮምከ ንስርዓት ‘ኣውቶማቲክ ዲተክሽን’ ፌስቡክ ክሓልፉ ይኽእሉ?
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳሪ ተመራማሪ ኮምፒተር ፕሮፌሰር ኣላን ዉድዋርድ፡ እቶም ገበነኛታት ተጠቀምቲ ብቕልጡፍ ናብ ካልእ መርበብ ሓበሬታ ከቕንዑ ዝገብር መሳርሒታት ዝጥቀሙ ይመስሉ ይብል።
ስለዚ መጀመርታ እቲ መወዓውዒ ምስ ፌስቡክ ክራኸብ ምስ ተገብረ፡ እቲ መላግቦ ናብ ሓደ ዘይጓዳእ ወይ ከታልለካ ዘይፍትን ገጽ የምርሕ።
ድሕሪኡ ፌስቡክ ነዚ ምስ ኣጽደቘ፡ እቶም መታለልቲ ንሰባት ብቕጽበት ናብ ካልእ ቦታ ዝወስዶም - ናብቲ ክሳብ ሕሳብ ባንኪ ሰባት ብምእታው ውልቃዊ ሓበሬታ ክወስድ ዝኽእል - ሓደገኛ መርበብ ሓበሬታ ይመርሖም።
“ልክዕ ከምቲ ቅድሚ መርበብ ሓበሬታ ሓደ ሰብ ነቲ መበቆላዊ መርበብ ሓበሬታ ከርእዮ ዕድል ምርካቡ፡ መርበብ ሓበሬታኡ ናብ ኣማራጺ መርበብ ሓበሬታ ዝልኣኽ፡ ንሓደ ዌብሳይት እንተተቘጻጺርካዮ ናብ ካልእ ዘምርሕ ነገር ክትህቦ ብተዛማዲ ቀሊል እዩ” ይብል ፕሮፌሰር ዉድዋርድ።
ወሲኹ እቶም መታለልቲ፡ ብቕልጡፍን ብቐሊሉን መዕለቢ ናይቲ ኣንፈት ዝቕይር ክቐያይርዎ ከም ዝኽእሉ ይዛረብ። “ሓንሳብ፡ ሓቀኛ ባህሪ ሓደ መርበብ ሓበሬታ (URL) ከተደናግሮ ምስ ከኣልካ፡ እዚ ንመታለልቲ ማና እዩ” ይብል።
እዚ “ክሎኪን” ዝበሃል ዓይነት ምትላል ኦንላይን ኰይኑ፡ መታለልቲ ዕላማኦም ስለ ዝሓብኡ፡ እቶም መወዓውዒታት ካብ መስርሕ ገምጋም ሓደ ትካል ማሕበራዊ ሚድያ ተሓቢኦም ክሓልፉ እንከለው ማለት እዩ።
ሜታ፡ ብዛዕባ እዚ ሜላ ዝተማህሮ ነገር፡ ንኣውቶማቲክ ስርዓተ ምልላይ እቲ መድረኽ ንምምሕያሽ ይጥቀመሉ ከም ዘሎ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ማርጋሬት (ሓቀኛ ስማ ኣይኰነን) ኣብ ባኪንግሃምሻየር ብመልዕሎ እትናበር ጥሮተኛ እያ። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢንስታግራም ግዳይ ናይ ሓሶት መወዓውዒ ኰይና 250 ፓውንድ ተታሊላ።
ኣቕራቢ መደብ ሮበርት ፔስቶን (ወይ ብዝያዳ ንዕኡ ኣምሲሉ ዝሰርሕ መታለሊ)፡ ብዛዕባ ዝረኸቦ ናይ ወፍሪ ዕድል ዝነግር ስኑዕ ጽሑፍ ኣይቲቪ ዝሓዘ መላግቦ ክትጥውቕ ሰጋእ መጋእ ኢላ። ኣብ ልዕሊ ፔስቶንን ኣይቲቪን ልዑል እምነት ዝነበራ ማርጋሬት ወፍሪ ክትገብር ወሲና።
ማርጋሬት 250 ፓውንድ ክትከፍል እንከላ፡ ስእሊ ፓስፖርታ፡ ከምኡ'ውን ክልቲኡ ገጽ ክሬዲት ካርዳ ሰዲዳ። ብኡ ንብኡ ተሌፎን ክድውለላ ጀመረ።
“ኣመሪካዊ ላህጃ ዘለዎ ሰብ እዩ ተቐቢሉኒ፤ ገንዘበይ ድሮ ካልእ ገንዘብ የፍሪ ከም ዘሎ” ተዛሪቡኒ ትብል።
እቲ ጻውዒት ተሌፎን ከምኡ’ውን ብዙሕ ኢመይላት ብቐጻሊ ክመጽእ ጀመረ።
ማርጋሬት፡ ዝያዳ ገንዘብ ከተውፍር ኣብ እትሓስበሉ ዝነበረት እዋን፡ ብፍላይ ብዛዕባ ኣታዊኣን ዘለዋ ዕቝር ገንዘብን ክሓቱዋ ምስ ጀመሩ ጥርጣረ ሓዲርዋ።
“ንባንከይ ኣዘራሪበዮም፤ እቲ ገንዘብ ተመሊሱ፤ እቶም መታለልቲ ግን ደው ኣየበሉዎምን።”
ማርጋሬት፡ ሕጂ’ውን መዓልታዊ ተሌፎን ይድወላ። እቲ ዘጋጠማ ምትላል ዝምልከት ክሕግዛ ዝደሊ ሰራሕተኛ ኤጀንሲ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ከም ዝዀነ ድማ ይነግራ።
“ኣዕምሮኣዊ ጥዕናይ ተሃስዩ’ዩ፤ ኣብ ሓደጋ እየ ዘለኹ፤ ንስርቂ መንነትን ገንዘብን ተቓሊዐ ኣለኹ። ዝወተደቡን ሓደገኛታትን እዮም” ትብል።
“መታለልቲ መወዓውዒታት፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ‘ሪፖርት’ ካብ እትገብረሎም ስርዓታት ንምህዳም፡ ንናይ መርበብ ሓበሬታ ምትእስሳር ክሽፍኑ ወይ ከም ቢቢሲ ዝኣመሰሉ እሙናት ትካላት መሲሎም ክቐርቡ ይኽእሉ’ዮም። ሰባት ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ክሳብ ግዳያት ዝዀኑ ናይ ሓሶት ወይ ‘ዲፕፎክ’ ዝዀኑ ነገራት ይርእዩ ከም ዘለው ኣይግንዘቡን” ይብል ዳይሬክተር ፖሊሲን ኣድቮከሲን ሮሲዮ ኮንቻ።
ሰባት፡ ሓላፍነት ካብ ከምዚኦም ዝበሉ ምትላላት ኣብ ልዕሊ ተጠቀምቲ ጥራይ ክወድቕ የብሉን ዝብል እቲ ክኢላ፡ “ኦፍኮም ብመሰረት ሕጊ ድሕነት ኦንላይን [ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ብሪጣንያ ዝጸደቐ] ዘለዎ ስልጣን ተጠቒሙ፡ መድረኻት ኦንላይን ሕጋውነት መወዓውዒታቶም የረጋግጹ ከም ዘለዉ ንምርግጋጽ” ክሰርሕ ኣለዎ ኢሉ።
ኣብ ዙርያ ድሕነት ተጠቀምቲ ብሪጣንያ ዝሰርሕ ትካል ኦፍኮም ነዚ ቀዳምነት ሂቡ ከም ዝሰርሕ ይገልጽ።
“እቶም ሓደስቲ ሕጋጋት ድሕነት ኦንላይን ብሪጣንያ፡ መታለልቲ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ኣጸጋሚ ንክኸውን ኣብ ምግባር ኣገዳሲ ኣካል ክኸውን'ዩ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
“ብመሰረት እዚ ሓደስቲ ሕጋጋት፡ ኣገልግሎታት ኦንላይን፡ ተጠቀምቶም ኣብ መድረኻቶም ብዘይሕጋዊ ትሕዝቶታት - ምትላል ሓዊሱ - ክጐድእ ዝኽእል ሓደጋ ክግምግሙ፡ ተጠቀምቶም ንምክልኻል ድማ ግቡእ ስጉምቲ ክወስዱ፡ ከምኡ'ውን ዘይሕጋዊ ትሕዝቶ ምስ ኣለለዩዎም ወይ ምስተነግሮም ከወግዱ ክግደዱ እዮም።”
ዳይረክተር ፋይናንሳዊ መርመራ ትካል ስካዲ ኒኮላስ ኮሪ፡ ትካላት ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ነፍሲ ወከፍ መወዓውዒ ንምፍታሽ ዝያዳ ጻዕሪ ክገብራ ከም ዘለወን ይዛረብ።
ንሱ፡ ኣብ ፌስቡክን ካልኦት ማሕበራዊ መራኸቢታትን ብዝፍጠሩ ምትላላት “ተጸጊሙ” ከም ዝነበረ ይዛረብ።
“እዘን ኩባንያታት ሰፊሕ መኽሰብ ኣለወን፤ ንሰባት ድማ ንመታለልቲ የቃልዓ ኣለዋ። ድሕሪኡ ድማ፡ ኩባንያታት ፋይናንስ ወይ ግዳያት ባዕሎም ነቲ ዝሕተት ገንዘብ ይኸፍሉ።”
ኮሪ፡ ትካላት ማሕበራዊ መራኸቢታት ነፍሲ ወከፍ መወዓውዒ፡ ከምኡ'ውን ምትእስሳራቱ ብዝያዳ ብጽኑዕ ክምርምሩ ከም ዘለዎም ይዛረብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







