ዘይንቡር ምፍሳስ ደም ወርሓዊ ጽግያት እንታይ ጸገም ከስዕብ ይኽእል?

መብዛሕትና ብሰንኪ ፍርሒን ምግላልን ብዛዕባ ወርሓዊ ጽግያትና ኣይንዝትይን

ምንጪ ስእሊ, Science Photo Library

መግለጺ ስእሊ, መብዛሕትና ብሰንኪ ፍርሕን ምግላልን ብዛዕባ ወርሓዊ ጽግያትና ኣይንዝትን

መብዛሕትና ወርሓዊ ጽግያትና "ንቡር" ድዩ ኣይኰነን ኣይንፈልጥን።

እዚ ብኽልተ ምኽንያት ዘገርም ኣይኰነን። ቀዳማይ፡ ኵላትና ዝተፈላለና ስለ ዝዀንና ወርሓዊ ጽግያትና’ውን ይፈላለ እዩ።

ካልኣይ፡ መብዛሕትና ብሰንኪ ፍርሒን ምግላልን ብዛዕባ ወርሓዊ ጽግያትና ሕቶታት ኣይንሓትትን፤ ምስ መሓዙትናን ቤተሰብናን ብዛዕባ ዘጋጥመና ነገር ኣይንዝትን።

ከም ሓቂ፡ ኣስታት ርብዒ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምሒር ብዝሒ ጻግነ (menorrhagia) ተባሂሉ ዝፍለጥ ሕክምናዊ ኵነታት የጋጥመን።

ከቢድ ጽግያታዊ ደም ድማ ሜነረጂያ (menorrhagia) ከቢድ ወይ ንነዊሕ እዋን ዝፈስስ ዘይንቡር ወርሓዊ ጽግያት ዝገልጽ ሕክምናዊ ቃል እዩ።

ብዛዕባ'ዚ ኵነታት ክንፈልጦም ዘለና ነገራት ስዒቦም ቀሪቦም ኣለዉ።

ከቢድ ጽግያታዊ ደም እንታይ እዩ?

ኣብ "ንቡር" ወርሓዊ ጽግያት ካብ 70 ሚሊ ሊትር ክሳብ 80 ሚሊ ሊትር ፈሳሲ ይፈስስ። ካብዚ ፈሳሲ ኣስታት 50 ሚእታዊት ደም እዩ።

ኣብተን ከቢድ ጽግያታዊ ደም ዝፈሰን ደቂ ኣንስትዮ ግን ካብ ኣስታት 160 ሚሊ ሊትር ክሳብ 400 ሚሊ ሊትር ፈሳሲ ክህሉ ይኽእል።

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዛዕባ “ከቢድ ጽግያታዊ ደም” ዘለዎ ኣተሓሳስባ ስለ ዝፈላለ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ከቢድ ጽግያታዊ ደም ዝፈሳ እንተዀይኑ ምፍላጥ ቀሊል ኣይኰነን።

ይዅን እምበር ነቶም ዝተለምዱ ምልክታት ምፍላጥን ምስትብሃልን ኣገዳሲ እዩ።

ሓደ ካብቶም ከቢድ ጽግያታዊ ደም ዘስዕቡ ጠንቂታት ዘይምዕሩይነት ሆርሞናት እዩ

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

መግለጺ ስእሊ, ሓደ ካብቶም ከቢድ ጽግያታዊ ደም ዘስዕቡ ጠንቂታት ዘይምዕሩይነት ሆርሞናት እዩ

ስለዚ፡ እዞም ዝስዕቡ ምልክታት እንተርኢኺ ከቢድ ጽግያታዊ ደም ከም ዝፈሰኪ ክትጥርጥሪ የድሊ፡

  • እቲ ደም ክፈሲ እንከሎ ትጥቀምሉ ጨርቂ፡ መንዲል ንጽህና (ሞዴስ) ወይ ታምፖን ኣብ ነፍሲወከፍ ሓደ ወይ ክልተ ሰዓት ዝጥልቂ እንተዀይኑ፡
  • ዋሕዚ ወርሓዊ ጽግያትኪ ንምቍጽጻር ጨርቂ፡ መንዲል ንጽህና (ሞዴስ) ወይ ታምፖን ደሪብኪ ትጥቀሚ እንተዄንኪ፡
  • ጨርቂ፡ መንዲል ንጽህና (ሞዴስ) ወይ ታምፖን ንምቕያር ለይቲ ትትስኢ እንተዄንኪ፡
  • ልዕሊ 7 መዓልቲ ዝጸንሕ ወርሓዊ ጽግያት እንተሃልዩኪ፡
  • ልዕሊ 2.5 ሴንቲሜተር ርጋ'እ ደም ዝፈሰኪ እንተዀይኑ፡
  • ንቡር ተግባራት ንምፍጻም ዝዓግተኪ ከቢድ ዋሕዚ ወርሓዊ ጽግያት እንተሃልዩኪ፡
  • ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ከብዲ ቀጻሊ ቃንዛ ዝስምዓኪ እንተዀይኑ፡
  • ደኻም ዝስምዓኪን ጸዓትን ትንፋስ ዝሓጽረኪን እንተዀይኑ
  • ምልክታት ዋሕዲ ደም እንተሃልዩኪን።

ኣብ ትሕቲ 2 ሰዓታት ሞደስ ምቕያር ዘድልየኪን ልዕሊ 2.5 ሴንቲሜተር ርጋ'እ ደም ዝፈሰኪን እንተዀይኑ፡ ኣብ መንጐ ዑደት ወርሓዊ ጽግያት ወይ ዘይስሩዕ ምፍሳስ ደም ከምኡ’ውን ድሕሪ ንጽፈ-ጽግያት ዝዀነ ይዅን ፈሳሲ ርሕሚ እንተኣጋጢሙኪ ሓኪም እንተማኸርኪ ዝሓሸ ይኸውን።

ጠንቂ ከቢድ ጽግያታዊ ደም እንታይ እዩ?

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ጠንቂ ከቢድ ጽግያታዊ ደም ኣይፍለጥን፡ እንተዀነ ከቢድ ጽግያታዊ ደም ከስዕቡ ዝኽእሉ ብርክት ዝበሉ ኵነታት ኣለዉ።

ሓደ ካብቶም ከቢድ ጽግያታዊ ደም ዘስዕቡ ጠንቂታት ዘይምዕሩይነት ሆርሞናት እዩ።

ኣብ ጽግያት ትርከብ ጓል ኣንስተይቲ፡ ሓንቲ ዝኣኸለት እንቋቊሖ ኣብ ማህደር እንቋቊሖ ተፍሪ። ብተወሳኺ፡ መጽለልን መዐንገልን እታ ዝፈረየት እንቋቊሖ ዝኸውን ቀጸላ ወይ ሽፋን ማህጸን ይፍጠር።

ካብ ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ኣስታት ሓንቲ ከቢድ ጽግያታዊ ደም የጋጥማ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካብ ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ኣስታት ሓንቲ ከቢድ ጽግያታዊ ደም የጋጥማ

እዛ እንቋቝሖ እንተዘይፈርያ፡ እቲ ሽፋን ማህጸን ይፈርስ እሞ ምስታ እንቋቝሖ ተሓዊሱ ከም ደም ጽግያት ኰይኑ ይፈስስ።

ዘይምዕሩይነት ሆርሞናት እንተ ኣጋጢሙ፡ ሽፋን ማህጸን ካብ መጠን ንላዕሊ ይምዕብል እሞ ኣብ መወዳእታ ድማ ብኸቢድ ጽግያታዊ ደም ይፈስስ።

ዘይምዕሩይነት ሆርሞናት፡ ብሰንኪ ስብሒ፡ ተጻዋርነት ኢንሱሊንን ጸገማት ታይሮይድን ክመጽእ ይኽእል።

ካልእ ጠንቂ እቲ ኵነታት ምዝንባዕ ስራሕ ማህጸን እዩ። ኣብ እዋን ዑደት ወርሓዊ ጽግያት (anovulation) ማህጸን እንቋቝሖ እንተዘይፈቲሑ (ovulate)፡ ኣካላት ከምቲ ኣብ ንቡር ዑደት ወርሓዊ ጽግያት ዝገብሮ፡ ፕሮጀስትሮን ዝበሃል ሆርሞን ኣየፍሪን እዩ። እዚ ድማ ዘይምዕሩይነት ሆርሞናት ከስዕብ ይኽእል።

ከም ዘይተለምደ ኣቀማምጣ መዳሕንቲ ዝኣመሰሉ ኣብ እዋን ጥንሲ ዘጋጥሙ ጸገማት፡ መንሽሮ ማህጸን፡ ብውርሻ ዝመጽእ ጸገማት ምፍሳስ ደም፡ ሆርሞናዊ ዘይኮነ መከላኸሊ ጥንሲ ገለ ጸረ-ነድሪ መድሃኒታትን ካልኦት ጸገማት ጥዕናን ከቢድ ጽግያታዊ ደም ከስዕቡ ከም ዝኽእሉ ክኢላታት ይገልጹ።

ከቢድ ጽግያታዊ ደም ጸገም የስዕብ ድዩ?

ከቢድ ጽግያታዊ ደም ካብቶም ልሙዳት ጸገማት ደቂ ኣንስትዮ ኰይኑ፡ ካብ ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ኣስታት ሓንቲ ከጋጥማ ከም ዝኽእል መጽናዕቲታት ይሕብሩ።

እዚ ኵነታት ልሙድ'ኳ እንተዀነ፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ እዚ ሕማም ከም ዘለወን ግን ኣይፈልጣኦን እየን። መብዛሕትአን ድማ "ንቡር" ወርሓዊ ጽግያት ከም ዘለወን እዩ ዝስምዐን።

ዘይተሓከመ ከቢድ ጽግያታዊ ደም ኣብ ህይወትና ዘስዕቦም ጽልዋታት ኣለዉ።

እዞም ጽልዋታት ከም ዕድመን ሕክምናዊ ኵነታት ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ተመርኲሱ ክፈላለ ይኽእል።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብዙሕ እንተደሚኺ፡ ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ትስእኒ ኣለኺ ማለት እዩ።

ዋሕዲ ደም ንኽምዕብል ግዜ ዝወስድ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትኪ ግን ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ዝኽእል ዝተፈላለየ ምልክታት ከስዕብ ይኽእል’ዩ።

ዋሕዲ ደም ዘለዎ ሰብ ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ድኻም፡ ቁጥዐ፡ ምድንዛዝ፡ ምድንጋር፡ ሕማም ርእሲ፡ ምፍዛዝ ሓንጐል፡ ምውሳኽ ህርመት ልቢ፡ ዋላ’ውን ምቕናስ ክብደት ሰብነት ከስዕብ ይኽእል።

ከቢድ ጽግያታዊ ደም እንተ ኣጋጢሙኪ እንታይ ክትገብሪ ትኽእሊ?

ከቢድ ጽግያታዊ ደም ክህልወኒ ይኽእል እዩ ኢልኪ እንተጠርጢርኪ፡ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍኪ ምስ ሓኪም ክትዘራረቢ ኣገዳሲ እዩ።

ቅድሚ ናብ ሓኪም ምኻድኪ፡ ብመዓቀኒ ጽግያታዊ ደም ወይ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዑደት ክንደይ ፍርያት ጽሬት ከም እትጥቀሚ ብምክትታል ብዛዕባ መጠን ዝፈሰኪ ደም ሓበሬታ እንተሃለወኪ ይምረጽ።

መዓልታዊ መዝገብ ወርሓዊ ጽግያት መከታተሊ መተግበሪ ሞባይል ምጥቃም እውን ክሕግዝ ይኽእል እዩ።

ብዛዕባ መጠን ዝፈሰኪ ደም ሓበሬታ ንምርካብ መዓቀኒ ጽግያታዊ ደም ክትጥቀሚ ትኽእሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብዛዕባ መጠን ዝፈሰኪ ደም ሓበሬታ ንምርካብ መዓቀኒ ጽግያታዊ ደም ክትጥቀሚ ትኽእሊ

ከምኡ’ውን ከቢድ ጽግያታዊ ደም ኣብ ኣባላት ስድራቤትኪ ዘጋጥም እንተዀይኑ ምፍላጥ ጽቡቕ’ዩ።

ሓኪም ንሳዕቤናት ከቢድ ጽግያታዊ ደም ክቕንሱ ዝኽእሉ ዝተወሰኑ መድሃኒታት ክእዝዘልኪ ይኽእል እዩ።

ጠንቂ እቲ ኵነታት ከም ሕበጥ ዝኣመሰሉ ካልኦት ጸገማት እንተዀይኖም እውን ኣማራጺታት መጥባሕቲ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ዋሕዲ ደም ከም ዘለኪ እንተተረጋጊጹ ድማ፡ ኣካላትኪ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ንኸፍርዩ ዝሕግዝ መመላእታ መድሃኒታት ክእዘዘልኪ ይኽእል።

ከም ጸሊም ስጋ፡ ዓተር፡ ፋጆሊ፡ ቆጽሊ ዘለዎም ቀጠልያ ኣሕምልትን ፍረታትን ዝኣመሰሉ ብሓጺን ዝሃብተሙ መግብታት ዝሓዘ ጥዕናዊ ኣመጋግባ እውን ሓጋዚ እዩ።