ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ፡ ንጽፈ-ጽግያት ዘስዕቦ ኣካላውን ስምዒታውን ለውጢታት

ኣብ ጥቓ መስኮት ኮፍ ዝበለት ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ወይዘሮ ኣዲ ጉዮ ዕድሚኣ 50 ዓመት ምስ መልኣ ንኣስታት ክልተ ዓመት ዝጸንሐ ናይ ስሚዒት ምልውዋጥ ከም ዘጋጠማ ትዝክር።

ብዘይ ገለ ምኽንያት፡ ዝተፈለየ ስምዒት ክስምዓኒ ጀሚሩ ትብል ኣዲ፡ ነቲ ሃንደበታዊ ለውጢ ስሚዒታ ስዒቡ፡ "... ዝተጸለልኩ መሲሉ ተሰሚዑኒ ነይሩ” ትብል።

“ለይቲ ድቃስ ኣይነበረንን። ሸውሃተይ እውን ቐኒሱ። ኣካላተይ ይረስን ጥራይ ዘይኮነስ ብብዝሒ የርህጸኒ ነይሩ። ደሓር ድማ ይቖረኒ” ክትብል ንጽፈ ጽግያታ ስዒቡ ዘጋጠማ ለውጥታት ንቢቢሲ ገሊጻ።

ናብ ዝተፈላለዩ ሆስፒታላት ከይዳ እንተተሓከመት’ውን ዝኾነ ሕማም ከም ዘይብላ ተነጊርዋ።

እዚ ብግዲኡ ዝያዳ ብስጭትን ተስፋ ምቑራጽን ኣስዒቡላ።

ዝተፈላለዩ ሕክምናዊ መርመራታት ምስ ገበረት ባህላዊ መፍትሒ ክትደሊ ከም ዝጀመረት ትገልጽ።

"ዋላ'ኳ ቆጽላመጽሊ ባህላዊ መድሃኒታት እንተወሰድኩ፡ ንጸገመይ መፍትሒ ክረክብ ኣይከኣልኩን" ክትብል ወሲኻ ተዛሪባ።

ወይዘሮ ኣዲ ሕማማ ብዘይ ምፍላጣ ኣብ ልዕሊ ስድራኣ ዘስዓበቶ ጸቕጢ እናሓሰበት ኣዝያ ተጨነቐት።

“ጸረ-ጭንቀትን ከኒና ድቃስን ክወስድ ጀሚረ ነይረ። ከም ዘይድሕንን፡ ስድራይን ደቀይን ክስእን እየ ኢለ ስለዝሓሰብኩ ኣብ ዓቢ ስግኣት ኣትየ ነይረ።"

“በዓል ቤተይ እንተ ዘይዕገስ ነይሩ፡ ምተፈላለና ነይርና። ምኽንያቱ ጠባየይ ብንኣሽቱ ነገራት ይቀያየር ነይሩ። ጸገመይ ኣይተረድኡን ኢለ ይበክይ ነይረ።"

ድሒራ ግን እቲ ኣብ ጥዕናኣ ዘጋጠመ ለውጢ ካልእ ሕማም ዘይኮነስ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ እዋን ንጽፈ-ጽግያት ዘጋጥማ ኩነታት ምዃኑ ፈሊጣ።

ንጽፈ-ጽግያት እንታይ ማለት እዩ?

ንጽፈ-ጽግያት፡ ሓንቲ ጥዕይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ወርሓዊ ጽግያታ ደው ዝብለሉ ዕድመ ምስ በጽሐት ዝኽሰት ተፈጥሮኣዊ መስርሕ እዩ።

እዚ ማለት ካብ ምውላድ እትኽእለሉ ዕድመኣ ወጺኣ ሓድሽ ምዕራፍ ህይወት ትጅምረሉ እዋን ምዃኑ ክኢላታት ሕክምና ይገልጹ።

ብመሰረት እቶም ክኢላታት፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ንተኸታታሊ 12 ኣዋርሕ ጽግያታ እንተዘይመጺኡ፡ ወርሓዊ ጽግያት ደው ኢሉ ክበሃል ይከኣል።

ን37 ዓመታት ኣብ ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ ዝሰርሐ ፕሮፌሰር ጉዮ ጀልዴሳ፡ እዚ ኩነታት ኣብ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ካብ 40 ዓመት ዕድመአን ጀሚሩ ክረአ ከም ዝጅምር፡ ኣብ ገሊአን ድማ ክሳብ 60 ዓመት ዘይክረአ ከም ዝኽእል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን ኣብታ ጓል ኣንስተይቲ ብዙሕ ኣካላውን ስምዒታውን ለውጥታት ከም ዘጋጥም እቲ ሓኪም የረድእ።

"ወርሓዊ ጽግያት ጓል ኣንስተይቲ ተፈጥሮኣውን ስነ-ህይወታውን መስርሕ'ዩ" ይብል ፕሮፌሰር ጉዮ፡ ኣብቲ መስርሕ ዝፍጠር ስምዒታውን ኣካላውን ለውጢ ኣብታ ጓል ኣንስተይቲ ዓቢ ጽልዋ ከም ዘለዎ ይዛረብ።

"ማህጸን ንቡር ስራሕ ምስ ኣቋረጸ፡ እንቋቑሖ ምፍራይ የቓርጽ ጥራይ ዘይኮነስ፡ መጠን ናብ ደም ዝኣቱ ሆርሞናት'ውን ይንኪ።

ዘይንቡር ምቕናስ ሆርሞናት ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ጭንቀት ክስምዓ፡ ስሚዒታ ክቀያየርን ናይ ምዝካር ጸገም ከጋጥማን ይኽእል” ይብል።

ኣብ ማእከላይ ዕድመ እትርከብ ዝሓዘነት ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

"ንዑደት ወርሓዊ ጽግያት ዝቆጻጸር ኤስትሮጅን ብንቡር ምፍራይ ስለዘቋርጽ፡ ጓል ኣንስተይቲ ወርሓዊ ጽግያት ከይረኣየት ክትጸንሕ ትኽእል እያ፡ ወይ ድማ ከቢድ መድመይቲ ከጋጥማ ይኽእል'ዩ።"

ኣብ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ግን ወርሓዊ ጽግያት ሃንደበት ደው ክብል ከም ዝኽእል ፕሮፌሰር ጉዮ ይገልጽ።

ወሲኹ ድማ፡ "ኣብ መፍረ ኣካላተን ለውጢ ይረአ፡ ኣካላተንን ኣዕጽምተንን ድማ ይልስልስ። ከም ውጽኢቱ ድማ ሃንደበት እንተወዲቐን ብቐሊሉ ክስበራ ይኽእላ’የን" ክብል ነቲ ለውጢ ይገልጽ።

እዚ ኣካላዊ ለውጥታት ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ድቃስ ከም እትስእንን ዓቕሚ ከም ዝጎድላን፡ ከምኡ’ውን ንሕማም ልቢ ዝያዳ ክትቃላዕን ክገብር ከም ዝኽእል’ውን የረድእ።

እዚ ዓይነት ጸገም ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ማእከል ጥዕና እንተኸይደን፡ እቶም ምልክታት ምስ ምልክታት ካልኦት ሕማማት ስለዝመሳሰሉ ግቡእ ሕክምና ከይረኽባ ከም ዝኽእላ እቲ ክኢላ ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብ ገለ ደቂ ኣንስትዮ እዚ ዓይነት ምልክት ንዓመታት ክጸንሕ እንከሎ፡ ገለ ድማ ኣብ ምሉእ ህይወተን ሰዓልን ረሃጽን ከጋጥመን ከም ዝኽእል ፕሮፌሰር ጉዮ ይዛረብ።

ድሕሪ ንጽፈ-ጽግያት ዘጋጥም ጸገማት ብኸመይ ንቕንስ?

ኣብ ንጽፈ-ጽግያት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ነዚ ጸገም ንምንካይ ዝሕግዝ ውጽኢታዊ ሕክምና ክረኽባ ከም ዝኽእላ ክኢላታት ጥዕና ይገልጹ።

እዚ ድማ ካብ ለውጢ ኣነባብራ ጀሚሩ ብሆርሞን ፍወሳን መድሃኒትን የጠቓልል።

ዝተፈላለዩ ሕክምናታት እኳ እንተሃለዉ፡ ሆርሞናዊ ከኒና ምውሳድ ግን ኣይምከርን ይብሉ።

ብመሰረት ኣብ 2001 ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ መድሃኒታት ኤስትሮጅን ዝወስዳ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንመንሽሮ ጡብን መዓንጣን ናይ ምቅላዕ ተኽእሎአን ዝለዓለ እዩ።

ይኹን እምበር፡ ኣብ ክንዲ እዚ ናይ ኤስትሮጅን መድሃኒት፡ ካብ ሶያ (ኣዳጉራ) ዝተሰርሑ መግብታት ብብዝሒ ምብላዕ ኣገዳሲ ምዃኑ ፕሮፌሰር ጉዮ ይዛረብ።

ብተወሳኺ እዚ ብሰንኪ ንጽፈ ጽግያት ዝመጽእ ሕማም ካብ መድሃኒት ወጻኢ ኣብ ኣነባብራ ለውጢ ብምግባር ምክልኻል ከም ዝካኣል ይመክር።

ወሲኹ እዘን ደቂ ኣንስትዮ ብረስኒን ረሃጽን ዝሳቐያ እንተኾይነን ሽጋራ ምትካኽ ከቋርጻን ካፈይን ዘለዎም ምቁርን መግቢታትን መስተታትን ክቕንሳ ከም ዘለወን ሓቢሩ።

እኹልን መኣዛ ዘለዎ መግቢ ምብላዕን ምንቅስቓስ ኣካላት ምግባርን ነዞም ጸገማት ንምንካይ ከም ዝሕግዝ’ውን ገሊጹ።

ወይዘሮ ኣዲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሕክምናዊ ረድኤት ረኺባ ዝተውሃባ ምኽሪ ትኽተል ስለዘላ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ጥዕና ትርከብ።