ሰሜን ኮርያ፡ ንሩስያ ኣጽዋር ትሸጠላ ኣላ ዝብል ክሲ ነጺጋ

ፕረዚደንት ኪም ጆን ኡን ምስ ሩስያዊ መዘናኡ ቭላድሚር ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰሜን ኮርያ፡ ንሩስያ ኣጽዋር ሸይጣትላ ከም ዘይትፈልጥን ኣብ ቀጻሊ’ውን ንምሻጥ መደባት ከም ዘይብላን ገሊጻ።

ኣብ ቀረባ ሰሙናት፡ ሰብ መዚ ኣሜሪካ ሩስያ ሮኬታትን ከበድቲ ኣጽዋራትን ካብ ሰሜን ኮርያ ክትዕድግ ትኽእል እያ ኢሎም ነይሮም።

እዞም ስጕምታት፡ ምስቲ ሩስያ ዕድጊ ኣጽዋር ኢራን ፈጺማ’ያ ዝብል ክሲ ብዝተሓሓዝ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበራኦ እገዳታት ኣብ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ኲናት የዐንቅፎ ከም ዘሎ ይግለጽ።

ሩስያ፡ እቶም ጸብጻባት ነጺጋቶም’ያ። ይዅን’ምበር፡ ዝዀነ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝግበር ምንቅስቓስ ኣጽዋር ጥሕሰት እገዳታት ሕቡራት ሃገራት እዩ ክኸውን።

ማዕከን ዜና ሰሜን ኮርያ ኤሲኤንኤ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሽሙ ዘይተጠቕሰ በዓል ስልጣን፡ “ናብ ሩስያ ኣጽዋር ሰዲድና ኣይንፈልጥን፤ ክንልእኽ’ውን መደብ የብልናን” ኢሉ።

ኣሜሪካን ካልኦት “ተጻባእቲ ሓይልታትን” ግን “መሰረት ዘይብሎም ፖለቲካውን ወተሃደራውን ዕላማታት” ንምስኻዕ ሕሜት ይዝርግሑ ኣለው ክብል ከሲሱ።

ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ መስከረም፡ ኣሜሪካ ሩስያ ካብ ሰሜን ኮርያ ዝዓደገቶ ኣጽዋር፡ “ብሚልዮናት ዝቝጸር ዓረራት፡ ሮኬታት፡ ከቢድ ብረትን ክኸውን ይኽእል’ዩ” ኢላ ነይራ።

ጸኒሑ፡ ወሃቢ ቃል ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት ጆን ኪርቢ እቲ ዕድጊ ገና ኣይተወድአን፤ እቶም ኣጽዋር ክኣ ኣብ ኲናት ዩክረይን ዝውዕሉ ድዮም ዝብል ዘረጋግጽ መረዳእታ ኣይተረኽበን ክብል ተዛሪቡ።

ሃገራት ምዕራብ፡ ንዩክረይን ብርከት ዝበለ ሓገዝ ኣጽዋር ከም ዝገብራላ ይፍለጥ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ ድማ፡ ሰሜን ኮርያ ነተን ብሩስያ ዝድገፉ ተገንጸልቲ ሓይልታት ዝመሓደራ ሩስያ ኣፍልጦ ዝሃበተን ዞባታት ምብራቕ ዩክረይን ኣፍልጦ ሂባተን እያ።

ነዚ ስዒቡ፡ ዩክረይን ምስ ሰሜን ኮርያ ዝነበራ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት በቲኻ።

ኣብዚ ወርሒ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ናብ መዘናኡ ኪም ጆን ኡን ኣብ ዝልኣኾ ደብዳበ፡ ክልተኣዊ ርክብ እተን ሃገራት ንምስፋሕ ቃል ኣትዩ።