ጾታዊ ዓመጽ፡ ደቂ ተባዕትዮ ጾታዊ ህርፋኖም ክቈጻጸሩ ኣይክእሉን ድዮም?

ኣብ ሕብረተሰብ ዝንጸባረቝ ግጉያት ኣረኣእያታት ንጾታዊ ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ የጋድዶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዛንታ ናይታ ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ በዅሪ ጓላ ብዋና ገዛ ተዓሚጻ ናይ ዝተቐተለት ኣበቅየለሽ ኣደባ፡ ኣዘራራቢ ዛዕባ ብዙሓት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ተጠቐምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኰይኑ ቀንዩ ኣሎ።

ንጓል 7 ዓመት ሄቨን ዓወት ዓሚጹ ከምዝቐተለ ዝተነገረሉ ገበነኛ ጌትነት ባየ ናይ 25 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

እዚ ውሳነ ቤት ፍርዲ ምስ ሓለፈ ብዙሓት ሰባት እቲ ዝተዋህበ መቕጻዕቲ እኹል ከምዘይኰነ ተሰሚዕዎም።

ተጣበቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ሕብረተሰብ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዓመጽ ዝፍጽሙ ሰባት ዘለዎ ግጉይ ኣረኣእያ ኣብ ምስፍሕፋሕ እቲ ገበን ተራ ከምዘለዎ ይኣምኑ።

እስከ እዞም ተጣበቕቲ መሰላት ብዛዕባ ገበን ዓመጽ ዝፍጽሙ ሰባት ብሰፊሑ ዝእመኑ ግን ከኣ ሓቂ ዘይኰኑ ጉዳያት ኣለልዮም ዝሃብዎ ሓሙሽተ ነጥብታት ንርአ።

1ይ ግጉይ ኣረኣእያ፡ ዓመጽ ብዘይፍለጡ ሰባት እዩ ዝፍጸም

ጾታዊ ዓመጽ ብዘይፈለጡ ሰባት እሞ ድማ ኣብ ጸልማት ቦታን ጣሻን ዝፍጸም ገበን ምዃኑ ብሰፊሑ ይእመን።

ክኢላ ጾታዊ ማዕርነትን መሰል ደቂ ኣንስትዮን ሕሊና ብርሃኑ ደገፋ፡

እዚ ሓሳብ ግጉይ ምዃኑን ንምስፍሕፋሕ ገበንን ስእነት ፍትሕን ዘተባብዕ እዩ ኢላ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"እቲ ሕብረተሰብ ኣዋልድ ኣብ ዘዕብየሉ እዋን፡ በዚ መንገዲ ኣይትኺዳ፡ ኣብ ጸልማት ኣይትውጽኣ እዩ ዝብል። እዚ ድማ እቲ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ዓመጽን ጾታዊ ዓመጽን ከጋጥም ዝኽእል ኣብ ጸልማትን ጣሻን’ዩ ኢሉ ከምዝኣምን’ዩ ዘርእየና” ትብል።

ንሳ ወሲኻ፡ ብዛዕባ ገበናት ዓመጽ ዝፍጽሙ ሰባት ዝረአ ግጉይ ኣረኣእያ፡ ካብ ገዛ ክንወጽእ ከለና፡ ኣዕሩኽትና፡ ናብ ገዛና ክንከይድ ከለና ወይ ናብ መዘናግዒ ቦታ ክንከይድ ከለና እንረኽቦም ሰባት ጥራይ እዮም ዝብል እዩ።

ይዅን እምበር፡ ኣብ ሓቂ ገበነኛታት ዓመጽ፡ እቶም ግዳያት ብቐረባ ዝፈልጥዎም ውልቀሰባት እዮም።

"እዚ ገበን ዝፍጽሙ ኣቦታት፡ ኣኮታት፡ ጐረባብቲ፡ ሰብኣይ ኣደ ኮታስ ክከላኸሉልና ብዝበልናዮም ሰባትን ምዃኖም'ውን መጽናዕትታት ኣረጋጊጾም'ዮም።"

ሕሊና ኣስዒባ፡ “እዚ ገበን ኣብ ገዛውትና፡ ብኣዝማድናን ብእንፈልጦም ሰባትን ዝፍጸም'ኳ እንተዀነ፡ ዝዀነ ሰብ ኣብ ዘይብሉን ብሕቡእን ዝፍጸም'ዩ" ትብል።

ንምንታይ በዚ መንገዲ ከም ዝፍጸም ክትገልጽ እንከላ፡ ነታ ግዳይ ረዳኢ ዘይብላ ብምግባር፡ መንነታ ኣሕዲግካ ጉልበታን ልዕልናኣን ንምምንዛዕ ዝዓለመ ከምዝዀነ እያ ተብርህ።

"ንምንታይ በቲ ዝፍጸመሉ መንገዲ ከም ዝፍጸም ክትገልጽ ከላ፡ ባህሪ ናይቲ ገበን ነታ ግዳይ ረዳኢ ዘይብላ ምግባር፡ መንነታ፡ ጸዓታን ዓብላልነታን ምምንዛዕ'ዩ" ትብል።

መብዛሕትኡ ግዜ ገበናት ዓመጽ ንኣኽበርቲ ሕጊ ከይተሓበረ ይተርፍ፤ ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ድማ ግዳያት ሕነ ከይፍደየን ስለዝፈርሓን እቶም ገበነኛታት ብቐረባ ዝፈልጣኦም ስለዝዀና ድምጸን ስለዝዕፈን እዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራትን ካልእ ኣብዚ ጉዳይ ዝተገብረ መጽናዕትታትን 80 ሚእታዊት ግዳያት ዓመጽ ብዝቐርብኦም ሰባት ዝተፈጸሙ’ዮም።

2ይ ግጉይ ኣረኣእያ፡ ‘ገበነኛታት ዓመጽ፡ ሕሙማት ኣእምሮ’ዮም’

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ወይ ህጻናት ጽዩፍ ገበን ዓመጽ ክፍጸም ከሎ፡ ሕብረተሰብ ንኣእምሮኣዊ ጥዕና ናይቲ ገበነኛ ኣብ ሕቶ የእትዎ።

ሃገራዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ሕክምና ዝተበሃለ መጽሄት ኣብ ግዳያት ዓመጽ ኣድሂቡ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ መብዛሕትኦም ጾታዊ ዓመጽ ዝፍጽሙ ሰባት ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ከምዘይብሎም ኣረጋጊጹ።

"እዞም ሰባት ጸገም ጥዕና ኣእምሮ'ኳ እንተሃለዎም፡ ጸገም ጥዕናኦም ዓመጽ ዝመልኦ ገበናት ክፍጽሙ ምኽንያት ኰይኑዎም’ዩ ዝብል ግምት የለን" ይብሉ እቶም ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ።

ተግባራት ጾታዊ ዓመጽን ጸገማት ጥዕና ኣእምሮን ብቐጥታ ዝተኣሳሰር ከምዘይኰነ ይገልጹ።

ክኢላ ጾታዊ ማዕርነት ሕሊና፡ "ከም ሕብረተሰብ ሓላፍነት ክንወስድ ስለዘይንደሊ ኢና ነዚ ጉዳይ ምስ ሕማም ኣእምሮ ነተሓሕዞ" ትብል።

ናይዚ ምኽንያት ድማ እቲ ገበን ዝፈጸመ ውልቀ ሰብ ገበን ክፍጽም ዘንቀዶ ውሳነ ምቕባል ከም ሕብረተሰብ ኣብ ኵላትና ተሓታትነት ስለዘምጽኣልና ምዃኑ ትገልጽ።

ነዚ ገበን ዝፍጽም ሰብ፡ "ሓደ ካባና" ከምዘይኰነን፡ እቲ ገበነኛ ካባና ነጺልና ንገዛእ ርእስና ጥዑይ ኣእምሮ ከምዘለና ጌርና ብምቕባል ብዛዕባ እቲ ገበን ንርእስና እንነግሮ ድማ "ሓሶት" እዩ ብምባል ሓሳባ ተራጕድ።

ግጉይ ኣረኣእያ 3ተ - ደቂ ተባዕትዮ ጾታዊ ህርፋኖም 'ክቈጻጸርዎ' ኣይክእሉን እዮም

እዚ ኣረኣእያ እዚ ብዛዕባ ዓመጽ ዝፍጽሙ ሰባት ካልእ ብሰፊሑ ዝርአ ግጉይ ኣረኣእያ እዩ። ሕሊና "ብግዴታ ወይ ብዘይ ፍቓድ ጾታዊ ርክብ ብምፍጻም ክዓግብ ዝኽእል ጾታዊ ፍትወት የለን" ትብል።

ናይዚ ምኽንያት ክትገልጽ ከላ፡ ዓመጽ ኣካል ውልቀ ሰብ ምቕንጣጥን ምግዛእን ብፍላይ ድማ ኣካላት ጓል ኣንስተይቲ ምቍጽጻር ምዃኑ ትዛረብ።

ጾታዊ ርክብ ኣብ መንጐ ክልተ ዝተሰማምዑ ሰባት ብፍቶት ዝግበር ጉዳይ ምዃኑ ትገልጽ። ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ዘጋጠመ ጉዳይ ዓብላልነትን ቍጽጽርን ምዃኑ ከም መርትዖ ትጠቅስ።

"ክልተ ተዋጋእቲ ወገናት ኣንጻሮም ንዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ብምዕማጽ ኮነ ኢሎም መልእኽቲ የሕልፉ ነይሮም። ናተይ ንዝብላ ጓል ኣንስተይቲ ከም ድላየይ ክገብራ እኽእል እየ፣ ኣቕሓ እያ፣ ክጥቀመላ እየ ዝብል መልእኽቲ ከሕልፉ ይፍትኑ። ኣብ እዋን ኲናት ድማ ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀሙላ።”

ብተወሳኺ ሕሊና፡ "ኣብ 'ግዜ ሰላም' ብፍላጥ ይዅን ብዘይፍላጥ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ብዝተፈላለየ መንገዲ ብቋንቋና እነመሓላልፎ መልእኽትታት፡ ንትሕትና ደቂ ኣንስትዮ ዝሰብኽን ልዕልና ደቂ ተባዕትዮ ዘርኢን'ዩ" ትብል።

ብኻልእ ኣዘራርባ ሕብረተሰብ፡ እምነት፡ ሃገር ከይተረፈ ብኣካላት ደቂ ኣንስትዮ ኣቢሉ ክቈጻጸር ይደሊ። በዚ መንገዲ ነቶም ገበን ዓመጽ ዝፍጽሙ ደቂ ተባዕትዮ ‘ዋላ ሓንቲ ኣይኰንክን፣ ናይ ማንም ኣይኮንክን፣ ናተይ እንተዘይኴንኪ ልክዕ ከም ኣቕሓ ምዃንኪ ብምዝኽኻር ክዕብልሉኪ እዮም ዝደልዩ" ትብል።

ሕብረተሰብ ኣከዳድናኣ፡ ኣካይዳኣ፡ ኣበይ ከም ዝነበረትን ዝበለቶን፡ እዩ ነቲ ሰብኣይ ከጥቅዕ ዘበገሶ፤ ኣብዚ’ውን እንተዀነ ድሌቱ ካብኣ ከም ዝዓቢ ንምግላጽ ከም ዝዝረብ ትምጕት።

"ሰብኣይ ከም እንስሳ ጾታዊ ድሌቱ ክቈጻጸሮ ኣይክእልን'ዩ" ዝብል ኣረኣእያ ብሰፊሑ ከምዝእመንን፡ "እንተዀነ ግን ደቂ ተባዕትዮ ጾታዊ ስምዒታቶም ከምኡ'ውን ንዅሉ ስምዒታቶም ከምቲ ሕርቃንን ሓጐስን ክቈጻጸሩ ይከኣሎም'ዩ" ኢላ።

ግጉይ ኣተሓሳስባ 4- ንሳ እያ 'ኣጋጊያቶ'

ኣብቲ ሕብረተሰብ ንሓደ ግዳይ ናይ ምኹናንን ምውቃስን ተግባር ከምዘሎ እትገልጽ ሕልና፡ ቀንዲ ዕላማኡ ነቲ ገበነኛ ናይ ምህዳም ሓሳብ እዩ።

“ንሱ ከምዚ ዝበለ ተግባር ዝፍጽም ሰብ ኣይኰነን፣ ክቡርን ጽቡቕ ጠባይ ዘለዎን እዩ 'ኣጋጊያቶ እያ እምበር'" ከምዝበሃል ትዛረብ ሕሊና፡ ይዅን እምበር ዓመጽ ምስ መንፋዕትን ክብርን ሓደ ሰብ ዝተኣሳሰር ኣይኰነን” ትብል።

ደቂ ተባዕትዮ ከነዕብዮም ከለና፡ ኣይትስረቑን ኣይትሓስዉን ኢልና ንምህሮም። ከምዚ ክገብሩ እንተተረኺቦም ድማ ከምዝቐዕጽዑ ንነግሮም ኢና። ንጓል ኣንስተይቲ ካብ ፍቓዳ ወጻኢ ምትንኻፍን ካብ ሰብ ንታሕቲ ጌርካ ምቝጻርን ድማ መግለጺ ሕማቕ ስብእና ከምዝዀነ ኣይንምህሮምን” ኢላ።

ብኻልእ ሸነኽ ድማ ውሽጣዊ ሰብነታ ዘርኢ ክዳን ተኸዲና፡ ናብ ገዛኡ ከይዳ፡ ጽብቕቲ ስለ ዝዀነት ክሓልፍ ኣይክእልን እዩ፤ ደቂ ኣንስትዮ እውን ዘይንጹር መልእኽቲ ይህባ’የን ከምኡ’ውን ቃል-ዓለመኛታት እየን ተባሂሉ ብዛዕባ ዝዝረብ ሓሳባት መብርሂ ሂባትሉ።

"ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ክመጽእ ከሎ፡ እቲ ጾታዊ ርክብ እንፍጽመሉ ዘለና ሰብ ብዛዕባ እቲ ዝበለቶ ጥራይ ኢና ክንቅበል ዘለና እምበር ‘ከምዚ ዝበለትስ ከምዚ ማለታ እዩ’ ኢልና ክንትርጕሞ የብልናን” በሃሊት እያ።

ንሳ ኣስዒባ፡ "ከምኡ'ውን፡ ፍቓድ ምስተዋህበ፡ ኣብ ዝዀነ እዋን፡ ኣብቲ ግዜ ጾታዊ ርክብ ‘እምብለይ’ እንተይላ ክኽበር ኣለዎ" ኢላ።

‘ንሳ ኣጋጊያቶ’ ዝብል ጉዳይ ከነጠቓልል ከለና፡ እቲ ገበን ዓመጽ ብሰብኣይ፡ ኣፍቃሪ፡ ኣቦ ወዘተ ዝፍጸም እንተዀይኑ፡ ኣጋጊያቶ ዝብል ኣረኣእያ ንባዕሉ ጌጋ እዩ።

ግጉይ ኣረኣእያ 5- ገበን ዓመጽ ዝፍጽሙ ሰባት ካብ ሕጊ ወጻእ ስጕምቲ ይወሰደሎም

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ብኣባላት ስድራአን ከምዝተዓመጻ ዝሕብር ጸብጻባት ነይሩ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እውን እንተዀነ ነዚ ተግባር ዝፍጽሙ ሰባት ክስቀሉ ኣለዎም ዝብል ጐስጓስ ተጀሚሩን ብሰፊሑ ተዘርጊሑን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ህጻን ሄቨን ዝተፈጸመ ዓመጽን ቅትለትን ዝምልከት ውሳነ እኹል ኣይኰነን ካብ ምባል ብተወሳኺ፡ ነቲ ዓማጺ እንተረኺብናዮ ክንቀትሎ ኢና ዝበሉ ውልቀሰባት እውን ነይሮም።

“ከምዚ ዓይነት ሓሳብን ርእይቶን ዝህቡ ሰባት፡ እቲ ዘስካሕክሕ ዛንታታት ምስ ሰምዑ መዓት ከምዝወረደ ገይሮም ከምዝሓስቡን ቅድሚ ሕጂ ተመሳሳሊ ፍጻመታት ከምዝነበሩ ሓበሬታ ስለዘይነበሮምን እቲ ጸገም ካብ ሕጊ ወጻኢ ብዝውሰድ ስጕምቲ ክፍታሕ ከምዝኽእል’ዮም ዝሓስቡ” ትብል።

በዚ ሕጂ ዝተፈጸመ ነገር ከምዘሕዘና'ኳ እንተገለጸት፡ ነቲ ጉዳይ ከም ጐስጓስ ርኢኻ ከም ፍሉይ ጉዳይ ዓመጽ ጌርካ ክትሕዞ ግን ልክዕ ከምዘይኰነ’ያ እትዛረብ።

ከምቲ ንሳ እትብሎ "እዚ ጸገም ካበይ መጺኡ? ከመይ ጌርና ካብ ሱሩ ከነጥፍኦ ንኽእል?" ክስርሓሉ ይግባእ። ምኽንያቱ "ገበን ዓመጽ ናይ ሓደ መዓልቲ ጉዳይ ዘይኰነስ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ዝጸንሕ ነገር እዩ።"

ምኽንያቱ፡ "ተግባራት ጾታዊ ዓመጽ ናይ ሓደ መዓልቲ ጉዳይ ዘይኮነስ እቲ ሕብረተሰብ ኵሉሻብ ዝነብሮ ህይወት ስለዝኾነ’ዩ፤ ነዚ ገበን ብእኹል መልክዑ ክቐጽዕ ዝኽእል ሕጊ እንተሃለወና፣ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣባላት እቲ ሕብረተሰብ ስለዝዀኑ ንሳቶም’ውን ናይ ኣረኣእያ ጸገም ኣለዎም" ክትብል ገሊጻ።

ንፖሊስ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ "መጀመርታ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብሰብኡተን ከምዝተሃረማ ወይ ብኻልኦት ጾታዊ ዓመጽ ከምዝተፈጸመን ምሕባር ልሙድ ስለዝኾነ፡ ነቲ ጉዳይ ከም ገበን ዘይምቕባል ክፍተት ኣሎ። ኣኽበርቲ ሕጊን... ዳያኑ እውን ኣብ ጾታዊ ኣቃውማ ስለዝሰርሑ ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ ዘንጸባርቑ እዮም" ትብል።

"ነዚ ብሓፈሻ መዓልታዊ ዝፍጸም ዓይነት ገበን፡ ምኽባር ሕጊ ከነሐይል፡ ኣብ ፍቓድ ዝኣምን ሕብረተሰብ ክንፈጥር፡ ኣንጻር ጾታ ዝምልከት ኣተሓሳስባን መሓውራትን ክንቃለስ፡ ትካላት ሕጊ ብግቡእ ንደቂ ኣንስትዮ ከም ዘገልግላ ክንገብር ኣለና" ትብል።

ሕሊና ኣጠቓሊላ ክትገልጽ እንከላ፡ ነዚ ገበን ዝፍጽሙ ሰባት እንተቐቲልና፡ ኣብ መወዳእታ ነቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት፡ ኣባላት ስድራቤትና ንቐትል ማለት ምዃኑን፡ ኣብቲ ጉዳይ ሱር በተኻዊ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ዘይጠቅም ምዃኑን ትገልጽ።