ንምንታይ’ዩ እቶም ንሕብረተሰብ ብዙሕ ዘበርክቱ ብዙሕ ዘይክፈሎም?

ኣብ መብዛሕትኡ ክፋላት ሕብረተሰብ ከም ወተሃደራት ነበር፡ ኣጥፋእቲ ሓዊ፡ ሰራሕተኛታት ትካላት ጥዕናን መምሃራንን ንሕብረተሶም ውሕስት ኣብ ምርግጋጽ፡ ጥዕና ኣብ ምውሓስ፡ ህይወትን ኣብ ምድሓንን ቀጻልነት ሕብረተሰብ ኣብ ምርግጋጽን ብዝጻወትዎ ተራ ወትሩ ከም ጀጋኑ ምስ ተገለጹ’ዮም።

እዞም ‘ጀጋኑ’ እናተባህሉ ብዅሉ ዝውደሱ ሞያውያን ግን ከምቲ ዝድለ ኣታዊታት ከምዘይብሎም ዝተኻየደ ሰፊሕ መጽናዕቲ የረጋግጽ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ዱክ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተመራማሪ ዝዀነ ማትዩ ስታንሊ “ብዙሕ ሰብ እዞም ሰባት [ወተሃደራት ነበር፡ ኣጥፋእቲ ሓዊ፡ ሰራሕተኛታት ትካላት ጥዕናን መምሃራንን] ኵሉ እቲ ዝሰርሕዎ ከም ግቡኦም ወሲድዎ ናይቲ ዝያዳ ዝሰርሕዎ ካሕሳን ማዕረ እቲ ዝሰርሕዎ መሃያን ከምዝግባኦም ዝረስዖ ይመስል” ይብል።

ማትዩ ስታንሊ ነቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ምርኩስ ብምግባር፡ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገለጹ ኣርባዕተ ሞያታት ነቶም ሞያውያን “ጀጋኑን ድኻታትን ገይርዎም ኣሎ” ድሕሪ ምባል፡ “እቲ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ነዞኦም ሰባት እዚኦም ዝምልከት ዝወጽእ ፖሊሲታት’ውን ነቲ ጸገማቶም ዝያዳ ዘጋድድ’ዩ፤ ካብ ጽቡቕ ዘይክፈል ሰራሕተኛ ጥዕና ከመይ ገይርና ኢና ጽሩይን ብሉጽን ሕክምና ንጽበ” ይብል።

ኣስዒቡ፡ “ካብ ጽቡቕ ዘይክፈል መምህር ከመይ ገይርና ኢና ብሉጻት ተምሃሮ ንጽበ? ነዞም ሰባት ጀጋኑ ኢልና ስለዝጸዋዕናዮም ገንዘብ ኣይኰኖምን’ዩ” ይብል።

ክልተ ስሕለቱ ሴፍ

ስታንሊ ሰራሕተኛታት ጥዕና ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝነበሮም ኣበርክቶ ከም ኣብነት ብምልዓል ብዘይ ብኣኦም ዓለም እንታይ ክትምስል ከምእትኽእል ይገልጽ።

በዓልቲ ቤቱ ንስታንሊ ሰራሕተኛ ጥዕና ኰይና ኣብ እዋን እቲ ለበዳ ብዘይ እኹል ሓገዝ ካብ ግቡኣ ንላዕሊ ትሰርሕ ከምዝነበረት ንሱ ባዕሉ ምስክር ከምዝዀነ’ዩ ዝገልጽ “ፖለቲከኛታት ኣፎም ንኸጸብቑ ጀጋኑ ኢሎም’ኳ ይጽውዕዎም እንተነበሩ ክንዮኡ ሓሊፉ ግን ዝተገበረሎም ነገር ኣይነበረን” ይብል።

ተመራማሪ ማትዩ ስታንሊ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘሕተሞ ሰፊሕ መጽናዕቲ ዝተኻየዶ ጽሑፍ ኣብ ዝበዝሐ ክፋላት እዛ ዓለም መብዛሕትኦም እቶም ብሕብረተሰብን ብመንግስታትን ጀጋኑ እናተባህሉ ዝግለጹ ሞያውያን ኣዝዩ ትሑት ናብራ ከምዘሕልፉ የርኢ።

ኣብቲ መጽናዕቲ ብዙሓት መምሃራን፡ ደሞዝ ጐዲሉና ኢሎም እንተተቓዊሞም ካብ ደሞዞም ከይቍረጾም ከምዝፈርሑ ይሕብሩ።

ስታንሊን ጕጅለኡን ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ መጽናዕቲ፡ ኣብታ ሃገር ወተሃደራት ዝነበሩ ሰባት ካብቶም ዝበዝሑ ኣመሪካውያን ጀጋኑ ተባሂሎም ከምዝግለጹ ከረጋግጹ ክኢሎም’ዮም፡ “ህዝቢ ብእወታ’ዩ ዝርድኦም፤ ክላለዮም፡ ከዕልሎምን ክተዓራረኾምን ይደሊ’ዩ” ይብል።

እቶም ወተሃደራት ዝነበሩ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ውትህድርና ድሕሪ ምፍናዎም ኣብ ስርሓት ህንጻ፡ ሕክምናን ትካላት ወሃብቲ ረድኤትን ከምዝሰርሑ እቲ መጽናዕቲ የረድእ። እንተዀነ እቶም ዘስርሕዎም’ውን እንተርፎ ውትህድርና ካልእ ሞያ ኣለዎም ኢሎም ስለዘይሓስቡ ውሑድ ሰልዲ ከምዝኸፍልዎም እቲ መጽናዕቲ የረድእ።

ብዙሓት ወተሃደራት ዝነበሩ ኣመሪካውያን፡ ካብ ውትህድርና ምስ ተፋነዉ ኣብ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤትን ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝን ክሰርሑ ከምዝደልዩ ይሕብሩ።

ንምዝመዛ ዝተቓልዑ

ስታንሊን ጕጅለኡን ኣብ ዝካየድዎ መጽናዕቲ፡ መምሃራን፡ ነርስታትን፡ ፖሊስን ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ድሕነትን ንምዝመዛ ዝተቓልዑ ከምዝዀኑ’ዮም ከረጋግጹ ክኢሎም።

እቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ብሕብረተሰብ ‘ጀጋኑ’ ተባሂሎም ዝግልጹ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት፡ ኣብ ስራሕ ምዝመዛ፡ ክፍሊት ዘይብሉ ዝያዳ ሰዓታት ክሰርሑ ይግደዱ እንተዀይኖም ኣብ ዝተሓተትሉ፡ ኣብቲ ሞያኦም ክሳብ ህይወቶም ከበጅዉ ትጽቢት ከምዝግበረሎም ብምግላጽ ብዙሕ ምዝመዛታት ከምዘጋጥሞም’ዮም ሓቢሮም።

መምህራን’ውን እንተዀነ ብመንጽር እቲ ንሕብረተሰብ ዝህብዎ ኣገልግሎት፡ “መምህር ከም ሽምዓ እናመኸኸ ንሕብረተሰቡ ዘብርህ’ዩ” ዝብል ምስላ ኵሉ ርዒምዎ፤ እናተወጽዑ ንሕብረተሰብ ከገልግሉ ንቡር ከምዝውሰድን፡ ግቡኦም ገይርካ ከምዝሕሰብን’ዮም ዝገልጹ።

ብዙሓት ሰባት እቶም ንሕብረተሰብ ኣብ ምግልጋል ዝሰርሑ ሰባት፡ ብውሕዱ መንግስቲ ካብ ቀረጽ ነጻ ዝዀነ ርብሕ ዝበለ ደሞዝ ክኸፍሎም ከምዘለዎም’ዮም ዝገልጹ።

ብኣንጻሩ ግን ደሞዞም ትሑት ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ብዘይ ክፍሊት ዝያዳ ሰዓታት እናሰርሑ መንግስቲ’ውን ብግብሪ ልቦም ከምዘጥፍኣሎም’ዩ እቲ መጽናዕቲ ዝሕብር።

ባዶ ዝዀነ መብጽዓታት

ስታንሊ ዘዘራረባ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሁል ነርስ ክፍሊ ውጹዓት ዝዀነት ኒክ ክረድላንድ እቲ ጅግና ዝብል ትረኻ ንኽእለትን ትምህርትን መሳርሕታ ከዳኽም ከም ዝኽእል ትምጕት።

ንሳ፡ "ንሕና ንሰርሕ ሞያና ዝደረኾ ሰባት ንምሕጋዝን ባህርያዊ ድሌትን ስለዘለና እዩ - እዚ ግን ኣብ ‘ነርሲን’ ካብቲ ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሞያታት ዝረአ ንላዕሊ ሓቂ ኣይኰነን" ድሕሪ ምባል፡ "ብዘለና ክእለትን ተመኵሮን ብግቡእ ክንቍጸር ምስ እንደሊ ድማ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ፡" ትብል።

እዚ ሓድሽ መጽናዕቲ ካብ ብዙሓት ናእዳ ከረክብ እንከሎ፡ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ ከምእተሰማማዕ ብምግላጽ፡ እቲ መጽናዕቲ እቲ ብሞያኻ ዝገበርካዮ ኣበርክቶ ዝፈጥረልካ ሓጐስ ዘየስተብሃለ’ዩ ብምባል ኣብ ዩኒቨርስቲ ስያትል ፕሮፌሰር ዝዀነት ሳፕና ቸርያን ትቃወሞ።

ንሳ “ድኻን ሕጕስን ኴንካ’ኮ ይንበር’ዩ፡ ውሑድ ዝኽፈሉ ሰባት ቀሊልን ሕጕስን ህይወት ከምዘሕልፉ ዘየርኢ መጽናዕቲ’ዩ” ትብል።

ብዙሓት፡ ህዝቢ ይዅን መንግስቲ ንገለ ሞያውያን ‘ጀጋኑ’ ኢሉ ዝህቦ መግልጺ ነቶም ሰባት ኣብ ኣእምሮኦም ብዙሕ ትጽቢት ንኸሕድሩ ከምዝድርኾም ብምሕባር እቲ ከምኡ ኢልካ ምግላጽ ክተርፍ ከምዘለዎ’ዮም ዝገልጹ።

ስታንሊ ግን እዚ ነዊሕ ሱር ስለዘለዎ ብቐሊሉ ክእለ ከምዘይክል’ዩ ዝሕብር።

የግዳስ፡ እቲ መልሲ፡ ሓደ ሰብ "ጅግንነታዊ" ሞያ ክመርጽ ዝኽእለሉ፡ ብዘይካ'ቲ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ዝህልዎ ሓፈሻዊ ድሌት፡ ብዙሕ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ክህልዎ ስለዝኽእል ዝያዳ ንቕሓት ኣብ ምዅስኳስ ክስራሕ ከምዘለዎ ስታንሊ ይኣምን።

ስታንሊ ዝገበሮ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ነዞም ድራኸታት ንምግላጽ፡ “ሰባት ብዛዕባ ስዒቡ ዝመጽእ ናይ ሞያ ምርጫታቶም ድኹም ግምታት ከይገብሩ ክኽልክሎም ይኽእል’ዩ፤ እዞም ሰባት ብጭቡጥ ዝደልይዎ እንታይ ምዃኑ ንህዝቢ ክንምህሮ ይግባእ፡ ነቶም ሞያውያን ግን ባዶ መብጽዓታት ክእተወሎም የብሉን” ይውስኽ።