እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣኼባታት ክትክኣኩም ዝኽእል ሓድሽ ኪነታዊ ብልሒ ማይክሮሶፍት
ብኩባንያ ማይክሮሶፍት ዝማዕበለን ብቅዲ ቻትጂፒቲ ዝሰርሕን ሓድሽ ኪነታዊ ብልሒ (ኣርተፊሻል ኢንተሊጀንስ) ድሕሪ ተደጋገሚ ፈተነታት ካብ 1 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ረብሓ ከውዕል ተወጢኑ ኣሎ።
ማይክሮሶፍት 365 ኮፓይለት፡ ንዝኾነ ኣብ ሓደ ኣኼባ ክሳተፍ ዘይደለየ ሰብ ተኪኡ ኣብ ኣኼባታት ክኣቱ ከምዝኽእል ይንገር።
ብተወሳኺ ኢመይላት ከርቅቕ፣ ሰነዳት መዝጊቡ ክሕዝን ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ፓወርፖይንት ኣሰናዲኡ ከቕርብን ይኽእል።
ማይክሮሶፍት፡ እቲ ምህዞ፡ ድኻም ሰባት ክንኪ ተስፋ ከምዘለዎ እኳ እንተገለጸ፡ ገለ ግን ከምዚ ዓይነት ቴክኖሎጂ ንሰራሕተኛታት ክትእክ እዩ ዝብል ስክፍታ ከምዘለዎም ይግለጽ።
ትካላት ንግዲ ድማ፡ ኣብ ኪነታዊ ብልሒ ክምርኮሳ ከምዝኽእላ’ውን ስክፍታታት ኣሎ።
በዚ ሕጂ ዘለዎ መልክዕ፡ እቲ ትሕዝቶ ብደቂ ሰባት ከምዘይተሰናድአ ብንጹር ክገልጽ ዘይምኽኣሉ፡ ነቲ ቴክኖሎጂ ዝምልከት ሓድሽ ሕግታት እውን ክጥሕስ ይኽእል እዩ።
ኣብ ጉዳይ ሰብ-ሰርሖ-ብልሒ፡ ሕግታት ኣውሮጳ ኮነ ቻይና፡ ሰባት ምስ ኪነታዊ ብልሒ ይራኸቡ እንተሃልዮም ክፈልጡ ኣለዎም ይብል።
ሓላፊት ማይክሮሶፍት 365 ኮሌት ስታልባውመር፡ ነዚ ምንጻር፡ ናይቲ ኮፓይሎት ዝጥቀም ውልቀሰብ ዕማም ምዃኑ ገሊጻ።
"መሳርሒ'ዩ፡ ሰባት ድማ ብሓላፍነት ክጥቀሙሉ ግዴታ ኣለዎም" ትብል።
ይኹን እምበር፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ እዚ ብሓላፍነት ናይ ምጥቃም ግዴታ ናይቶም ኤ.ኣይ. ዘፍረዩ ኩባንያተታት ግዴታ ከምዝዀነ ይገልፅ።
ቅድሚ ብስፍሓት ምጅማሩ፡ ንኮፓይሎት ክፍትኖ ፍሉይ ዕድል ተዋሂቡኒ።
ንሱ ድማ ነቲ ብ OpenAI ዝተፈጥረ ቻትጂፒቲ - ማይክሮሶፍት ቢልዮናት ዶላር ዘውፈረሉ ኩባንያ - ዝድግፍ ቴክኖሎጂ እዩ ዝጥቀም።
ኮፓይሎት ኣብ ናይ ሓደ ውልቀሰብ ኣካውንት ኰይኑ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ - ወይ ናይ ሓደ ኩባንያ ናይ ገዛእ ርእሱ - ሓበሬታ ክረክብ ይኽእል።
ማይክሮሶፍት፡ እቲ ሓበሬታ ብውሑስ መንገዲ ከምዝመሓደርን ነቲ ቴክኖሎጂ ንምስልጣን ከምዘይውዕልን ገሊጹ።
"ብኻልእ ኣገባብ ክትሪኦ ዝፍቀደካ ሓበሬታ ጥራይ ኢኻ ትረክብ" ትብል ሚስ ስታልባውመር።
ቀዳማይ ጦብላሕታይ፡ ኮፓይሎት ጠቓሚ መሳርሒ ክኸውን እዩ ዝብል እዩ።
ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ቤት ጽሕፈት ዝሰርሑ - ብፍላይ ግዜን ሃብትን ክቑጥቡ ንዝደልዩ ኩባንያታት ተወዳዳሪ መሳርሒ ክኸውን እዩ።
ብዛዕባ እቲ ንይምሰል ዝተሰናደአ ‘ፍርያት ምጅማር’ መደብ ነዊሕ ኢመይላት፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ካልኢታት ብርእሰ ምትእምማን ክድምድም ተዓዚበዮ።
ቀጺሉ ሓጺር መልሲ ክወሃቦ ሓሳብ ኣቕረበ። ነቲ መልሲ ነዊሕን ዕለታዊን ንምግባር ዘቕረቦ ሰፊሕ ዝርዝር መዘከርታ ተጠቒምናሉ። ቻትቦት ድማ ፡ ነቲ ዝቐረበ ሓሳባት ፅቡቕ ምላሽ ኣዳልዩሉ። ኣድናቖት ብምግላጽ፡ ኣብቲ ፕሮጀክት ብምስታፉ ሓጎስ ከምዝተሰመዖ ሓቢሩ።
ብድሕሪኡ ነቲ ኢመይል ቅድሚ ምልኣኽና ክንእርሞ ንኽእል ኢና፡ ወይ ድማ ነቲ ብAI ዝፍጠር ቅዳሕ ብምልኡ ክንሰዶ ንኽእል ኢና።
ኣብ ውሽጢ እቲ ኢመይል ካብ ኮፓይሎት ዝመጸ ትሕዝቶ ከም ዘለዎ ዝሕብር ነገር ኣይነበረን።
እቲ መሳርሒ ኣብ ትሕዝቶ ናይ ሓደ ሰነድ መሰረት ብምግባር ኣብ ከባቢ 43 ካልኢት ብዙሕ ገፃት ዘለዎ ፓወርፖይንት ክፈጥር ርእየዮ።
ኣብ ውሽጢ እቲ ሰነድ ዝተኻተቱ ምስልታት እንተሃልዮም ክጥቀም ይኽእል፤ ወይ ድማ ብገዛእ ርእሱ ነጻ ዝኾነ ስእሊ ክእልሽ ይኽእል።
ቀሊል ግን ከኣ ውጽኢታዊ ትሕዝቶ ኣሰናዲኡ - ኣብ ጎድኑ ንኽንበብ ዝቐረበ ሓሳብ እውን ጽሒፉ።
ነቲ ኣቀራርባ ዝያዳ "መሳጢ" ንኽኸውን ዝሓተትክዎ ሕቶ ስለዘይተረድኦ ናብ ማንዋል ፓወርፖይንት መሳርሒታት ክውከስ መሊሱኒ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ናይ ማይክሮሶፍት ቲምስ ኣኼባ ርኢና።
ኮፓይሎት ቴማታት ኣለልዩ ኣብቲ ዘተ ዝሓለፉ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ጽማቕ ኣቕሪቡ።
ብተወሳኺ ሓደ ሰብ ዝበሎ እንተድኣ ተደልኡ፡ ንበይኑ ክስንዶ ይኽእል እዩ።
ዘይምርድዳእ እንተኣጋጢሙ ድማ፣ ብመልክዕ ሰንጠረዥ፣ ነቲ ዝካታዕ ዝነበረ ረብሓን ጉድኣትን ከቕርብ ክኢሉ። እዚ ኩሉ ንምግባር ሒደት ካልኢታት ጥራይ እዩ ወሲዱሉ።
ብዛዕባ ኣቀራርባ ውልቀሰባት - ከም መን ዝበለጸ ተዛራባይ ወይ ዝሓመቐ ነይሩ ዝብሉ ነቲ ኣኼባታት ኣመልኪቶም ዝቐርቡ ሕቶታት ከምዘይምልስ ተገይሩ እዩ።
ንሚስተር ስናይደር ብሓቂ ኣብ ኣኼባታት ምክፋል ዝሽገር ሰብ ኣሎ ድዩ ኢለ ሓተትክዎ፣ ኮፓይሎት ግዜን ጻዕርን ክንክየሎም ከም ዝኽእል ምስ ኣረድአ።
"ኣብ መጻኢ ዝበዝሑ ኣኼባታት ብማንዛ ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም" ክብል ብዋዛ መሊሱ።
ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ቴክኖሎጂ፡ ኣብ ኣኼባ 'ቲምስ' ብሓባር ኮፍ ኢሎም ሓንቲ መሳርሒ ንዝጥቀሙ ሰባት፡ ባዕላቶም መግለጺ እንተዘይሂቦም፡ ክፈላልዮም ኣይክእልን እዩ።
ኮፓይሎት ወፃኢኡ ንወርሒ 30 ዶላር ክኸውን እዩ፤ እቲ ስራሕ ምስ ኢንተርነት ዝተኣሳሰረ ኮይኑ፡ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ኣብ ዘይብሉ ከባቢ [ኦፍ ላይን] ኣይሰርሕን እዩ።
ነቐፍቲ፡ እዚ ዓይነት ቴክኖሎጂ ዓቢ ምዝንባዕ ከስዕብ ተኽእሎ ከምዘሎ ይዛረቡ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ኢንስቲትዩት ስነ-ምግባር ኪነታዊ ብልሒ፡ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ካሪሳ ቬሊዝ፡ ሰባት ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መሳርሒታት ልዕሊ መጠን ፅግዕተኛታት ምዃኖም'ውን ከምዘተሓሳስባ ገሊጻ።
"እቲ ቴክኖሎጂ እንተፈሺሉ፡ ወይ ብሰርሰርቲ እንተተጠቒዑ እንታይ ይኸውን? ብልሽት ክህሉ ይኽእል'ዩ፡ ወይ ድማ ዘይትሰማምዓሉ ሓደስቲ ፖሊሲታት ከተኣታትው ይኽእሉ። ደሓር ድማ፡ ኣብቲ ስርዓት ጽግዕተኛ እንተኴነካ፡ 'ድሕሪ ሕጂ ብዘይ ብእኡ ዝኰነ ክገብር ኣይክእልን እየ' ዝብል ስምዒት ይፈጥረልካ፤ ሽዑ እንታይ ይኸውን?" ክትብለ ትሓትት።