እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትጽቢት ዝተገበረሉ ሓድሽ መጽናዕቲ ናሳ ብዛዕባ ዩፎ እንታይ ይብል?
‘ዩፎ’ ተራእዮምሎም ዝተበሃሉ ኣማኢት ኣጋጣሚታት ዝመርመረ ትካል ምርምር ጠፈር ኣሜሪካ - ናሳ፡ ኣብቶም ዘይተገለጹ ክስተታት ሰብኣዊ ዘይኰኑ ፍጡራት ምህላዎም መረጋገጺ ከምዘይረኸበን፡ እንተዀነ እቶም ፍጡራት የለዉን ኢልካ ምድምዳም ከምዘይከኣልን ገሊጹ።
እቲ ነዊሕ ትጽቢት ዝተገበረሉ ጸብጻብ ብዛዕባ እቲ ክውንነት መደምደምታ ኣይሃበን።
እንተዀነ ናሳ፡ ነቶም ዘይተፈለጡ ዘይንቡር ክስተታት (ዩኤፒ) ብዝተመሓየሸ ቴክኖሎጅን ሰብሰርሖ ብልሕን ክምርምሮም ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ኣመሓዳሪ ናሳ ቢል ነልሰን፡ ኤጀንሲ ጠፈር ኣመሪካ ኣጋጣሚታት እቶም ዘይንቡር ክስተታት ንምፍላጥ ኣብ ዝግበር ምርምር፡ መሪሕ ተራ ከምዝወስድን ዝረኽቦም ሓበሬታታት ብግልጺ ከካፍል ምዃኑን ተዛሪቡ።
እቲ 36 ገጽ ዘለዎ ጽብጻብ፡ ብዙሕ ቴክኒካውን ሳይንሳዊ ትዕዝብትን ዝሓዘ ኰይኑ፡ ገለ ቀንዲ ነጥብታት እዞም ዝስዕቡ እዮም።
ጓና ፍጡራት ንምህላዎም መረጋገጺ የለን፤ ክህልዉ ግን ይኽእሉ
ኣብ መጠቓለሊ እቲ ጸብጻብ ብድሕሪ እቶም ዘይተፈለጡ ዘይንቡር ክስተታት ካብ ካልእ ዓለም ዝመጹ ፍጡራት ኣለዉ “ኢልካ ንምድምዳም ምኽንያት የለን” ይብል።
“እንተዀነ እዞም ነገራት ኣብዚ ንምብጻሕ ብስርዓተ ጸሓይ ኣቢሎም ዝተጓዕዙ ክዀኑ ኣለዎም” ኢሉ።
ዋላ'ኳ እቲ መጽናዕቲ ካብ መሬት ወጻኢ ህይወት ብዛዕባ ምህላዉ ዘይደምደመ እንተዀነ፡ ናሳ “ኣብ ከባቢ ኣየር መሬት ዝንቀሳቐስ ዘይተፈለጠ ቴክኖሎጂ” ክህሉ ከምዝኽእል ኣይከሓደን።
ብዛዕባ እቶም ዘይተፈለጡ ዘይንቡር ክስተታት እኹል ሓበሬታ የለን
“ዩኤፒ ካብቶም ኣብዛ ፕላነት ዘለዉ ዓበይቲ ምስጢራት ሓደ እዮም” ዝብል ተሓጋጋዚ ኣመሓዳሪ ዳይረክቶሬት ልእኽቶ ናሳ ኒኮላ ፎክስ፡ ምኽንያቱ ሕጽረት ጽጹይ መረዳእታ ከምዝዀነ ይዛረብ።
ዋላ'ኳ ብዛዕባ እቶም ዘይተፈለጡ ዘይንቡር ክስተታት (ዩኤፒ) ብዙሓት ጥቆማታት እንተሃለዉ፡ ኒኮላ ፎክስ ግን “ብዛዕባ ተፈጥሮን መበቆልን ዩኤፒ ንጹር ሳይንሳዊ መደምደምታ ንምግባር ዘኽእል” እኹል መረዳእታ የለን ኢሉ።
ንሱ ኣብ ቀጻሊ መረዳእታታት ዘጻሪ ሓድሽ ዳይሬክተር ዩኤፒ ናሳ ከምዝሸመ እውን ጠቒሱ።
እቲ ዳይሬክተር ሓበሬታ ንምእካብን ንምምርማርን ሰብሰርሖ ብልሕን (ኤኣይ) ማሽን ለርኒንግን ክጥቀም እዩ።
ናሳ ኣብቲ ኣብ ሜክሲኮ ተረኺቡ ዝተባህለ ጓና ፍጡር ዘካየዶ ምርመራ
ብዛዕባ እቲ ካብ ካልእ ዓለም ናይ ዝመጸ ፍጡር ሬሳ ተባሂሉ ኣብዚ ሰሙን ካብ ሜክሲኮ ብስፍሓት ክንገር ዝቐነየ ምስሊታት፡ ቢቢሲ ንጕጅለ ምሁራት ናሳ ሓቲቱ ነይሩ።
ሊቅ መጽናዕትታት ዩፎ ከምዝዀነ ዝገልጽ ጅሚ ማውሰን፡ መረዳእታ ናይ ክልተ “ሰብ ዘይኰኑ” ጥንታዊ ጓና ፍጥረታት ሬሳ ናብ ባይቶ ኣቕሪቡ ነይሩ። እቶም ኣካላት ኣብ 2017 ኣብ ፔሩ ከምዝተረኸቡን ብዝተገበረ መጽናዕቲ ክሳብ 1800 ዕድመ ከምዘቝጸሩን ገሊጹ።
ተመራመርቲ፡ ሓቅነት ናይቲ ናሙና ዝተጠራጠሩ ኰይኖም፡ ማውሳን ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ኣብ ካልእ ዓለም ዝነብሩ ፍጡራን ዘቕረቦ ሓሳብ እውን ሓቂ ዘይምዃኑ ተረጋጊጹ ነይሩ።
ተመራማሪ ናሳ ዶ/ር ደቪድ ስፐርገል ግን “መረዳእታታትኩም ናብ ማሕበረሰብ ተመራመርቲ ኣቕርቡ፡ ሽዑ እንታይ ከምዘሎ ክንርኢ ኢና” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ብሰንኪ ስግኣት መንነት ዳይረክተር ዩፎ ኰይኑ ዝተመረጸ ሰብ ኣይተፈለጠን
ሓድሽ ዳይረክተር ምርምር ዩኤፒ ክህሉ እዩ፤ መንነቱ ግን ሚስጢር እዩ።
ዝህልዎ ተራን መሃያኡን እውን ኣይተገለጸን። ሓደ ምኽንያት እቲ ዳይረክተር ካብ ህዝቢ ምድሃል ከይወርዶ ክኸውን ይኽእል።
ሓጋዚ ምኽትል ተሓባባሪ ኣመሓዳሪ ምርምር ዶ/ር ዳኒኤል ኢቫንስ፡ ኣባላት መጽናዕቲ ዘይተፈለጡ ዘይንቡር ክስተታት (ዩኤፒ) “ጭቡጥ ምፍርራሕ” ከምዝወርዶም ይገልጽ።
ንሱ፡ ናሳ ንድሕነት ናይቲ ጕጅለ ቀዳምነት ከምዝህብ ብምግላጽ፡ እቶም ስግኣታት ሽም እቲ ዳይረክተር ኣብ ጽብጻብ እቲ መጽናዕቲ ከይሕተም ንምግባር ኣብ ዝተወሰነ ውሳነ ተራ ከምዝነበሮም ተዛሪቡ።
ናሳ፡ ተጠቃምነት ሰብሰርሖ ብልሒ ይመክር
ሰብሰርሖ ብልሕን ማሽን ለርኒንን ዩኤፒ ኣብ ምልላይ ጠቐምቲ መሳርሒታት ከምዝዀኑ እቲ ጸብጻብ የመልክት።
ማሕበረሰብ እውን ኣብ ምርዳእ ዩኤፒ ወሳኒ ግደ ከምዘለዎ ይጠቅስ።
ዩኤፒታት ኣብ ምርዳእን ምልላይን ሕጽረት መረዳእታ ዕንቅፋት ከምዝዀኖ ዝገልጽ ናሳ፡ ነዚ ክፍተት ንምምላእ ኣብ ተሌፎናት ብዝጸዓኑ መተግበሪታትን ካብ መላእ ዓለም ካብ ህዝቢ ዝርከቡ መረዳእታታት ክጥቀም ምዃኑ ሓቢሩ።