ኣመሪካ፡ ኣብ ክሊ ኣየር ዋሽንግተን እንታይ'ዩ ተፈጢሩ?

ትማሊ ሰንበት ኣብ ልዕሊ ርእሰከተማ ዋሽግንተን ዲሲ ትበርር ዝነበረት ሓንቲ ነፋሪት ናብ ኣብ ኣዝዩ ዝተገደበ ክሊ ኣየር ክትኣቱ ተራእያ።

ሰበስልጣን ምስታ ነፋሪት ብሬድዮ ክራኸቡ ፈቲኖም።

እንተዀነ ካብታ ነፋሪት ምላሽ ኣይረኸቡን፤ ስለዝዀነ ድማ እቲ ኵነታት ዓቢ ስክፍታ ከም ዝፈጠረ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣብ ሜሪላንድ ኣብ ዝርከብ 'ጆይንት ቤዝ ኣንድሪውስ' ጎልፍ ይጻወት ነይሩ።

ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ባይደን ብዛዕባ እቲ ኵነታት መብርሂ ከም ዝተዋህቦ እዮም ዝገልጹ።

ብድሕሪኡ ነቲ ስግኣት ንምዕጋት ክልተ ኤፍ-16 ዝተበሃላ ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ካብቲ ባይደን ዝነበረሉ ሜሪላንድ ተዋፊረን።

እተን ጀታት፡ እታ ነፋሪት ናብቲ ህንጻ ባይቶ እታ ሃገር ካፒቶል ሂል ዝርከበሉ ኣዝዩ ዝተገደበ ክሊ ኣየር እታ ሃገር ብምእታዋን ከምኡ’ውን ንሰበስልጣን ምላሽ ብዘይምሃባን ክጠልፍኣ ተዋፊረን።

እተን ነፈርቲ ውግእ ኣብ ልዕሊ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝበራሉ ዝነበራ እዋን ዘስምዕኦ ልዑል ድምጺ ድማ ኣብ ገለ ነበርቲ እታ ከተማ ካልእ ስክፍታ ከም ዝፈጠረ’ዩ ዝሕበር።

ብድሕሪኡ ግን እታ ነፋሪት ኣብ ገጠር ቨርጂንያ ከም ዝተሓምሸሸት ተገሊጹ።

ድሕሪ ሰዓታት ፖሊስን ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወትን ኣብቲ ከባቢ ተረኺቦም።

ኣብታ ነፋሪት ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝነበሩን ካብቲ ሓደጋ ዝደሓነ ሰብ ከም ዘይተረኽበን ድማ ገሊጾም።

እቲ ፓይለት ንምንታይ ምላሽ ከም ዘይሃበ ወይ ድማ እታ ነፋሪት ንምንታይ ከም ዝወደቐት ዛጊት ንጹር ኣይኰነን።

ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ወተሃደራዊ ሰበስልጣን፡ ኣብ ልዕሊ'ታ ነፋሪት ከም ዘይተተኮሰን እቲ ሓደጋ'ውን ብሰንኪ እተን ነፈርቲ ዘጋጠመ ከም ዘይኰነን ገሊጾም ኣለዉ።

ብመሰረት ሰበስልጣን ኣቬሽን ኣመሪካ፡ እታ ነፋሪት ትማሊ ሰንበት ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ 13:14 ካብ ከተማ ኤልዛቤትታውን ዝተበገሰት እያ። መዓርፎኣ ድማ ኣብ ሎንግ ኣይላንድ፡ ኒውዮርክ እዩ ነይሩ።

እንተዀነ እቲ ፓይለት ኣብ ሎንግ ኣይላንድ ምስ በጽሐ ኣንፈቱ ንደቡብ ሸነኽ ቀይሩ ኣብ ልዕሊ ዋሽንግተን ከም ዝበረረ ሓበሬታ ምክትታል በረራታት የመልክት።

እቲ ሓበሬታ ግን ኣብ ከባቢ 15፡30 እዩ ዘብቅዕ፤ እታ ነፋሪት ኣብ ጥቓ ሞንተቤሎ ቨርጂንያ ካብ እትበጽሕ ንደሓር ዝዀነ ናይ በረራ ሓበሬታ የለን።

እታ ናይ ብሕቲ ነፋሪት፡ ኣብ ፍሎሪዳ ዝመደበሩ ኩባንያ ኤንኮር ሞተርስ ኦፍ መልበርን ኢንክ ዝተመዝገበት ምዃና ይንገር።

ወናኒ እቲ ትካል ጆን ሩምፐል ንኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ካብቲ ፓይለት ብተወሳኺ ጓሉ፡ ጓል ክልተ ዓመት ወዲ ጓሉን ሞግዚታን ኣብታ ነፋሪት ከም ዝነበሩ ተዛሪቡ።

ኣብ ክፍለሃገር ሰሜን ካሮላይና ካብ ዝርከብ ገዝኡ ናብ ኒውዮርክ ይምለሱ ምንባሮም’ውን ጠቒሱ።

"ኣብ ደቒቕ 20 ሽሕ ጫማ'ያ ተንቆልቁል ነይራ፡ ካብቲ ፍጥነት ድማ ክድሕን ዝኽእል ሰብ ኣይነበረን" ኢሉ።