እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብናይ ሓሶት ዲግሪን ታሪኽን ኣብ መረጻ ዝተዓወተ ሪፓብሊካን ጆርጅ ሳንቶስ ተኸሲሱ
ናይ ሓሶት ዲግሪን ታሪኽን ሒዙ ኣብ መረጻ መፋርቕ ኣሜሪካ ዝተዓወተ ሪፓብሊካን ጆርጅ ሳንቶስ ብምጥፍፋእን ዘይሕጋዊ ገንዘብ ብምስግጋርን ተኸሲሱ።
ጆርጅ ሳንቶስ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ፡ ስርቂ ህዝባዊ ገንዘብ፡ ንባይቶ ተወከልቲ ናይ ሓሶት ቃል ምሃብ ብዝብሉን ብካልኦት 13 ገበናትን እዩ ተኸሲሱ ዘሎ።
ንገለ መዳያት ድሕረ ባይታኡ ሰኒዑ፡ ከምኡ'ውን ንናይ ሓሶት ትካላት ግብረ ሰናይ ገንዘብ ንክህቡ ሰባት ኣታሊሉ ዝብሉ ክስታት’ውን ይምርመሩ ኣለዉ።
ቅድሚ ሕጂ እቲ ወዲ 34 ዓመት ሳንቶስ፡ ብዛዕባ ኣብ ኮለጅ ምምሃሩን ብዛዕባ ታሪኽ ህይወቱን ከም ዝሓሰወ ተኣሚኑ ነይሩ።
ኣደኡ ግዳይ መጥቃዕቲ 9/11 ከም ዝዀነት ዝገልጽ ሓሶት ብምዝርጋሕ’ውን ይኽሰስ።
ሳንቶስ ኣብ 2020 ብጭቡጥ ኣብ ሓደ ናይ ኢንቨስትመንት ትካል ተቖጺሩ ይሰርሕ እኳ እንተነበረ፡ ናይ ኮቪድ-19 ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ክረክብ ከም ዘመልከተ ሰነዳት ቤት ፍርዲ ይሕብሩ። ንኣስታት ሓደ ዓመት ድማ ብሓሶት ደገፍ ከም ዝተቐበለ’ውን ኣኽበርቲ ሕጊ ይገልጹ።
ሰነዳት ቤት ፍርዲ ከም ዝሕብርዎ፡ ሳንቶስ ኣብ ናይ ቲቪ ጎስጓስ መወዓውዒታት ሓሲዩ'ዩ።
ኣኽበርቲ ሕጊ፡ እቲ ኣባል ኮንግረስ ሪፓብሊካን ንመወዓውዒታት ቲቪ ገንዘብ ይእክብ ከምዘሎ ንደገፍቱ ብሓሶት ከም ዝነገረን ኣብ ክንድኡ፡ ነቲ ገንዘብ ንውልቃዊ ረብሓ ከም ዘውዓሎን ይገልጹ፤ ልቓሕ መኪናን ካልኦት ውልቃዊ ዕዳታትን ከም ዝኸፈለሉን ልዑል ዋጋ ዘለዎም ክዳውንቲ እውን ከም ዝገዝእ ይሕብሩ።
እቲ ኣባል ኮንግረስ ሪፓብሊካን ትማሊ ረቡዕ ኣሰር ኣጻብዕቲ ሂቡን ናይ ፖሊስ ስእሊ ተሳኢሉን ኣብ ኒውዮርክ፡ ሎንግ ኣይላንድ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ፌደራል ከም ዝቐረበ ኣሜሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሩ።
እቲ ብጸለመ ዝተመልአ ኣባል ኮንግረስ ሪፓብሊካን ጆርጅ ሳንቶስ ግን ገበነኛ ከም ዘይኰነ ንቤት ፍርዲ ገሊጹ'ሎ።
ሳንቶስ መንነቶም ብዘይተገልጸ ሰለስተ ውልቀሰባት ውሕስና ተገይሩሉ ብ500 ሽሕ ዶላር ዋሕስ ከም ዝተፈትሐ'ውን ተፈሊጡ ኣሎ።
እንተዀነ ቤት ፍርዲ ገበነኛ ኰይኑ እንተረኺብዎ፡ ክሳብ 20 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ክፍረዶ ይኽእል እዩ።
ኣብ ፖለቲካ ኣሜሪካ ብተዛማዲ ሓድሽ ዝዀነ ጆርጅ ሳንቶስ፡ ኣብ ሕዳር ብዘመዝገቦ ዓወቱ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ መንበር ዝዓወተ ፈላማይ ሕደጾታዊ ሪፓብሊካን ተባሂሉ ተናኢዱ ከም ዝነበረ ይዝከር።
ብ19 ታሕሳስ ንትምህርቱን ተመኵሮ ስራሕን ሓዊሱ ንብዙሕ ክፋል ሲቪኡ (ማህደር ስርሑ) ኣብ ሕቶ ዘእተወ ዛንታ ኣብ ኒውዮርክ ታይምስ ካብ ዝሕተም ንደሓር ካልኦት ማዕከናት ዜና ብዛዕባ ህይወቱ ሓበሬታ ክፍልፍላ ጀሚረን።
ኣቐዲሙ ሳንቶስ ኣይሁዳዊ ምዃኑ፡ ኣያታቱ ኣብ ኣውሮጳ ዝነበረ ጸረ-ሴማውነት ከም ዝሃደሙን ንሱ’ውን "ኣሜሪካዊ ኣይሁዳዊ" ብምዃኑ ከም ዝሕበንን ተገሊጹ ነይሩ።
ኣቦሓጎታቱን እነሓጎታቱን፡ ኣብ ዩክረይን ካብ ዝነበረ ስደት ኣይሁድ ሃዲሞም፡ ኣብ ቤልጅየም ሰፊሮም፡ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ድማ መሊሶም ናብ ስደት ሃዲሞም ኣብ ብራዚል ከም ዝተቐመጡ ተገሊጹ ነይሩ።
እንተዀነ እተን ማዕከናት ዜና ነዚ ዝሕብር መርትዖ ኣይረኸባን።
ጆርጅ ሳንቶስ ምስ ‘ቶክ ቲቪ’ ኣብ ዘካየዶ ሓድሽ ቃለ መሐትት እውን፡ ‘ኣዝዩ ዕሉል ሓሳዊ’ ምንባሩ ተኣሚኑ።
ሓደ ካብቲ "ኣብ ህይወቱ ዝዓበየ ጣዕሳ" ናይ ኮሌጅ ትምህርቲ ከም ዘለዎ ምሕሳው ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።
ሳንቶስ ንምንታይ ከምኡ ክገብር ከም ዝመረጸ ምስ ተሓተተ፡ "ትጽቢት ካብ ሕብረተሰብ ዝመጽአ ጸቕጢ ክጻወሮ ኣይከኣልኩን" ኢሉ መሊሱ ነይሩ።
ካብቲ ናይ መጀመርታ ጸብጻባት ጀሚሩ፡ ጆርጅ ሳንቶስ ድሕረባይታኡ ከም ዘጸበቐ ተኣሚኑ እዩ። ኣደኡ’ውን ኣብ መጥቃዕቲ 9/11 ዘይኰነስ ድሕሪ ዓመታት ኣብ 2016 ከም ዝሞተት ተቓሊዑ።
ነዚ ነቐፌታታት ስዒቡ፡ ጆርጅ ሳንቶስ፡ ካብ ውሽጢ ውድቡን ካብ ካልኦትን ስልጣኑ ክለቅቕ ጻውዒት ቀሪቡሉ'ኳ እንተነበረ ንሱ ግን ክሳዕ ሕጂ ከይተቐበለ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።