መረጻታት መፋርቕ ኣሜሪካ፡ ሚዛን ሓይሊ ባይቶ ናብ መን የብል ይኸውን?

ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ዘሎ ሚዛን ሓይሊ ናብ መን የብል ይኸውን ዝብል ሕቶ ኣዘራራቢ ኰይኑ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣሜሪካውያን ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝካየድ ናይ መፋርቕ መረጻ ድምጾም ክህቡ እዮም።

መናብር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምልኡ፡ ሓደ ሲሶ ኣባላት ባይቶን፡ ኣመሓደርቲ ኣገደስቲ ግዝኣታትን ክምረጹ እዮም።

ፕረዚደንት ጆ ባይደንን (ደሞክራትስ)፡ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕን (ሪፓብሊካን)፡ ክገብርዎ ዝቐነዩ መደረታት ጐስጓስ ወዲኦም ኣለው።

ከምቲ ብዙሓት ተንተንቲ ዝብልዎ ሪፓብሊካን ነቲ ባይቶ እንተተቘጻጺሮም፡ ባይደን ሕግታት ኣብ ምጽዳቕ ከቢድ ብድሆ ክገጥሞ እዩ።

ኣብዚ እዋን ደሞክራትስ ንቤተ መንግስቲ (ዋይት ሃውስ) ክብሕትዎ እንከለው፡ ኣብ ኮንግረስ’ውን ብጸቢብ ጸብለልታ ኣለዎም።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ መፋርቕ ኣብ ዝካየድ መረጻ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ከባቢ 20 መናብር ይስእን እዩ።

መረጻታት መፋርቕ ኣሜሪካ ኣብ ፍርቂ እብረ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት (ኣብ ክልተ ዓመቱ) እዩ ዝካየድ።

ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣብቲ ሎሚ ሰሉስ ዝካየድ መረጻታት መፋርቕ፡ ዋላ’ኳ ንውድድር እንተዘይቀረበ፡ መሪሕነቱ ብድምጺ ህዝቢ ዝግምገመሉ ኣጋጣሚ ከምዝዀነ ይግለጽ።

እቲ ፕረዚደንት ምጕዳል ዋጋታት ብሓኪም ዝተኣዘዘ መድሃኒታት፡ ምስፋሕ ጽሩይ ጸዓትን ምሕዳስ ትሕተ ቅርጽን ክገብር ምዃኑ ተመባጺዑ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ዘመነ ስልጣኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ኣርብዓ ዓመታት ዝኸፍአ ዝቕባበን ብዝሒ ብዶብ ሜክሲኮ ዝሰግሩ ዘይሕጋውያን ስደተኛታትን ብምርኣዩ ህቡብነቱ ክብሕጐግ ተራእዩ።

ኣብ ሰልፊ ደሞክራትስ’ውን ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዝቕጽል መረጻ 2024 ደጊሙ ክምረጽ ኣለዎ ዶ? ዝብል ሕቶታት ይለዓል ኣሎ።

ፕረዚደንት ባይደን ብሰኑይ ናብ ሜሪላንድ ብምኻድ ንዌስ ሙር ብምድጋፍ ጐስጓስ ኣካይዱ።

ዌስ ሙር እንተተዓዊቱ ንሳልሳይ እብረ ዝተመረጸ ጸሊም ኣሜሪካዊ ኣመሓዳሪ ብምዃን ታሪኽ ክሰርሕ እዩ።

ኣብ ኣሜሪካ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ብዝገበሮ ዳህሳስ፡ ካብ ሪፓብሊካውያን ተወዳደርቲ መረጻታት መፋርቕ፡ እቶም ልዕሊ ፍርቂ ነቲ ትራምፕ ብዘይ ጭብጢ ከቕርቦ ዝጸንሐ ጥርዓን ብምድጋፍ፡ ኣብ መረጻ 2020 ጥርጣረታት ኣሎዎም።