ናይ ሓሶት ዲግሪን ታሪኽን ሒዙ ኣብ መረጻ መፋርቕ ኣሜሪካ ዝተዓወተ መን እዩ?

ናይ ሓሶት ዲግሪታት፡ መዝገብ ዘየለ ዘይተንቀሳቓሲ ንብረት፡ ከምኡ'ውን ኣይሁዳዊ ድዩ ኣይኮነን ዝብል ምድንጋርን ገለ ካብቶም ሪፓብሊካን ጆርጅ ሳንቶስ ስልጣን ቅድሚ ምሓዙ ሒደት መዓልታት ዝለዓሉ ዘለዉ ክትዓት እዮም።

ንሱ፡ ኣብ 3 ጥሪ ቃለ መሓላ ክፍጽም እዩ።

ኣብ ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ መረጻ መፋርቕ ቅድሚ ምዕዋቱ፡ እዚ ወዲ 34 ዓመት መንእሰይ ንነብሱ "ምሉእ ኣካል ናይቲ ኣሜሪካዊ ሕልሚ" ኢሉ ገሊጹ ነይሩ፤ ብግልጺ ሰዶማዊ ውላድ ብራዚላውያን ስደተኛታት እዩ።

ጕዕዞ ዓወቱ ግን ንሓጺር እዋን ጥራይ እዩ ጸኒሑ።

እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ስልጣን ክሕዝ ዝኽእል ጆርጅ ሳንቶስ፡ ብዛዕባ ህይወቱ ዝገለጾ ዛንታ፡ ዓቢ ክፋሉ ምሉእ ብምሉእ ሓሶት ከም ዝዀነ ተኣሚኑ።

ሕጂ ፌደራላውን ከባብያውን መርመራታት ስዒቡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ።

ኣብ 3 ጥሪ ኣብ ካፒቶል ሂል ስርሑ ክጅምር ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን፡ ሓደስቲ ክስታት ይቕልቀሉ ኣለዉ።

እቲ ክሳዕ ሕጂ ዝፈለጥናዮ ኸኣ ነዚ ዝስዕብ ይመስል።

ጆርጅ ሳንቶስ መን እዩ?

እቲ ዳግማይ ዝተጻሕፈ ብጕጅለ ጐስጓሱ ብኢንተርነት ዝተዘርግሐ ታሪኽ ህይወቱ፡ ጆርጅ ሳንቶስ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ኲንስ እዩ ተወሊዱ።

እቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣያታቱ፡ ቅድሚ ኣብ ብራዚል ምቕማጦም፡ "ኣብ ዩክረይን ካብ ዝነበረ ስደት ኣይሁድ ሃዲሞም፡ ኣብ ቤልጅየም ሰፊሮም፡ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ድማ መሊሶም ናብ ስደት ሃዲሞም" ይብል።

ኣብ ብራዚል ዝተወልዱ ወለዱ ኣብ መወዳእታ "ሕልሚ ኣሜሪካ ንምድላይ" ናብ ኣሜሪካ ተሰዲዶም።

ጆርጅ ሳንቶስ ብተወሳኺ፡ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ባሩች-ኮለጅ ተማሂሩ፡ ኣብ ጎልድማን ሳክስን ሲቲግሩፕን ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ትካላት ተመኵሮ ስራሕ ኣዋህሊሉ፡ ደሓር "ወሓለ ፋይናንሲያዊ ኣውፋርን ዎል ስትሪት" ከም ዝዀነ ይገልጽ።

ጆርጅ፡ "ኣበርቲዐ ዝሰርሓሎም" ዝብሎም 13 ንብረታት ከም ዝውንን ከምኡ'ውን ኣደኡ፡ ኣብ እዋን መጥቃዕቲ 9/11 ኣብ ማእከል ንግዲ ዓለም ኣብ ዝርከብ "ቤት ጽሕፈታ" ከም ዝነበረትን ገሊጹ።

ክሳዕ ጥቅምቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ጎስጓሱ ዝነበረ ጽሑፍ፡ ኣደኡ ካብቲ መጥቃዕቲ ከም ዝደሓነት፡ ድሕሪ ገለ ዓመታት ግን ከም ዝሞተት ይገልጽ ነይሩ።

ኣብ ፖለቲካ ኣሜሪካ ብተዛማዲ ሓድሽ ዝዀነ ጆርጅ ሳንቶስ፡ ኣብ ሕዳር ብዘመዝገቦ ዓወቱ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ መንበር ዝዓተረ ፈላማይ ሰዶማዊ ሪፓብሊካን ተባሂሉ ተናኢዱ።

ሳንቶስ እንታይ ደኣሉ ሓስዩ?

ብ19 ታሕሳስ ንትምህርቱን ተመኵሮ ስራሕን ሓዊሱ ንብዙሕ ክፋል ሲቪኡ (ማህደር ስርሑ) ኣብ ሕቶ ዘእተወ ዛንታ ኣብ ኒውዮርክ ታይምስ ተሓቲሙ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ካልኦት ማዕከናት ዜና፡ ኣያታቱ ካብ ኣብ ኣውሮጳ ዝነበረ ጸረ-ሴማውነት ከም ዝሃደሙ ወይ ንሱ’ውን ኣይሁዳዊ ምዃኑ ዝሕብር መርትዖ ኣይረኸባን፤ ዋላ'ኳ ኣቐዲሙ "ዝሕበን ኣሜሪካዊ ኣይሁዳዊ" ምዃኑ ይምካሕ እንተነበረ።

ካብቲ ናይ መጀመርታ ጸብጻባት ጀሚሩ፡ ጆርጅ ሳንቶስ ድሕረባይታኡ ከም ዘጸበቐ ተኣሚኑ እዩ።

ካብ ዝዀነ ዩኒቨርሲቲ ኣይተመረቐን፤ ኣብ ጎልድማን ሳክስን ሲቲግሩፕን ሰሪሑ ኣይፈልጥን።

ኣብ መላእ ኒውዮርክ ዝውንኖ ንብረት የብሉን፤ የግዳስ ምስ ሓፍቱ ኣብ ሎንግ ኣይላንድ እዩ ዝነብር።

ኣደኡ ድማ ኣብ 2016 ከም ዝሞተት ተቓሊዑ።

ብተወሳኺ ንእምነቱ ብጌጋ ከም ዝገለጾ ኣሚኑ፤ ንጋዜጣ ኒውዮርክ ፖስት ካቶሊክ ምዃኑን ኣደኡ ኣይሁዳዊ ድሕረ ባይታ ከም ዘለዋ ምስ ፈለጠ "ኣይሁዳዊ" ምዃኑን ገሊጹ ነይሩ።

ጆርጅ ሳንቶስ ነቲ ጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብዚ ዝገብርክዎ ሓጢኣት ንሲቪየይ (ማህደር ስርሐይ) ምትዕርራየይ'ዩ" ኢሉ። ስለ ዝዀነ ደማ "እሓዝን" ክብል ወሲኹ።

እቶም ዳሕረዎት ክሲታት እንታይ እዮም?

ኣብ ልዕሊኡ ዝቐርቡ ክስታት ግን እናወሰኹ ይመጽኡ ኣለዉ።

ንኣብነት፡ ብ29 ታሕሳስ፡ ኒውዮርክ ታይምስ ከም ዝጸብጸቦ፡ ጎስጓስ ጆርጅ ሳንቶስ ንሓደ ናይ ጽሬት ኩባንያ "ንሰራሕተኛታት ክራይ ኣፓርታማ" 11 ሽሕ ዶላር ከም ዝኸፈለ ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ክፍሊታት ብ199.99 ዶላር ፈጺሙ እዩ፤ እዚ ድማ ካብቲ ሕጊ ፌደራል ሰነድ ቅብሊት ዝሓተሉ መጠን ልክዕ ብሓደ ሳንቲም ዝተሓተ’ዩ።

ዝዀነ ሕጊ ዝተጣሕሰ እንተዀይኑ ንጹር'ኳ እንተዘይኰነ፡ ሰበስልጣን ፌደራልን ከባብያውን ግን ፋይናንሱ ክምርምሩ ቃል ኣትዮም ኣለዉ። ንኣብነት ኣኽባሪት ሕጊ ዞባ ናሳው፡ ኣብ ጎስጓሱ "ብዙሓት ምፍብራኽን ዘይቃደውን" ነገራት ይምርምር ከምዘሎ ገሊጻ።

"ልዕሊ ሕጊ ዝዀነ ሰብ የለን፡ ኣብዚ ኣውራጃ ገበን እንተተፈጺሙ ድማ ክንከሶ ኢና" ኢላ ኣኽባሪት ሕጊ እቲ ዞባ ኣን ዶነሊ።

ሳንቶስ ስልጣን ክርከብ ድዩ?

ዋላ'ኳ ነቐፌታታት እናወሰኸ እንተመጸ፡ ጆርጅ ሳንቶስ ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ ዝቐረበሉ ጻውዒታት ክሳዕ ሕጂ ኣይተቐበለን።

ፍሉጣት ሪፓብሊካን ድማ ብዓቢኡ ድምጺ ኣልቦ ኰይኖም ኣለዉ።

ተጻብኦኡን ስቕታ ናይቲ ሰልፍን ግን ንነቐፍቱ ስቕ ኣየብሎምን።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ጥምረት ኣይሁድ ሪፓብሊካን ማት ብሩክስ፡ "ኣታሊሉና፡ ንውርሻኡ ድማ ብጌጋ ኣቕሪቡ" ኢሉ።

"ኣብ ህዝባዊ ርእይቶታትን ብውልቅን ኣይሁዳዊ እየ ኢሉና ነይሩ። ናይ ኮንግረስ ስልጣኑ ብኣዝዩ ግጕይ ነጥቢ እዩ ጀሚሩ።"

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ብቐጥታ ብፎክስ ኒውስ ኣብ ዝተፈነወ ወጥሪ ዝመልኦ ዝርርብ፡ ቅድሚ ሕጂ ተወካሊት ዝነበረትን ኣብ ጥቅምቲ ካብ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ዝወጸትን ቱልሲ ጋባርድ፡ ንጆርጅ ሳንቶስ ብ"ቅሉዕ ሓሶት" ብትሪ ኮኒናቶ እያ።

"እዚ ዅሉ ዝሓሰብካዮ ሓሶት - ሓንቲ ንእሽቶ ሓሶት ወይ ሓንቲ ንእሽቶ ምትዕርራይ ጥራይ ዘይኮነስ - እዚኦም ቅሉዕ ሓሶታት እዮም። ሕቶይ ሕፍረት የብልካን ድዩ?" ኢላ ሓቲታ።