እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓንጎልና ብሓጺር ድቃስ ቀትሪ ከም ዝጽሎ ትፈልጡ ዶ?
ቀትሪ ብቐጻሊ ንሓጺር እዋን ናይ ምድቃስ ባህሊ እንተኣማዕቢልና፡ሓንጎልና ብዓቐን እናገዘፈ ከምዝኸይድ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን ይገልጹ።
እቲ ጕጅለ ተመራመርቲ፡ ሓንጎል ናይቶም ውሑድ ዝድቅሱ ሰባት ብ15 'ኪዩቢክ ሴንቲሜተር' ከም ዝወሰኸ ኣርእዩ - እዚ ድማ ንእርጋንካ ካብ ሰለስተ ክሳዕ ሽዱሽተ ዓመት ከተደናጕዮ ከምዝሕግዝ'ዮም እቶም ተመራመርቲ ዝሕብሩ።
ይዅን እምበር፡ እቶም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ እቲ ናይ ሓጺር እዋን ድቃስ ንትሕቲ ፍርቂ ሰዓት ጥራይ ዝጸንሐ ክኸውን ከምዘለዎ'ዮም ዝመኽሩ።
ግን ንብዙሕ ሞያታት ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ቀትሪ ድቃስ ከቢድ ምዃኑን፡ ባህሊ ስራሕ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ልምዲ ከም ዝጸልውን ይገልጹ።
ዶክተር ቪክቶርያ ጋርፊልድ፡ "ኵሉ ሰብ ካብ ድቃስ ገለ ረብሓ ክረክብ ከም ዝኽእል ንእምት ኣለና" ትብል። ንሳ ነቲ ርኽበታት "ኣዝዩ መበቆላውን መሳጥን" ብምባል ትገልጾ።
ብፍላይ ከምዚ ዓይነት ድቃስ ንዕብየት ዕሸላት ወሳኒ ምዃኑ ተረጋጊጹ ኣሎ፤ ዕድመ እናወሰኸ ምስ ዝኸይድ ግን ረብሓኡ ይንኪ’ሞ ኣብ ኣጋ እርጋን ድማ መሊሱ ይውስኽ።
27 ሚእታዊት ካብቶም ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድመኦም ሰባት፡ ቀትሪ ሓጺር ድቃስ ከም ዝድቅሱ ይሕብሩ።
ዶክተር ጋርፊልድ፡ ምስ ምንካይ ክብደት ወይ ምንቅስቓስ ኣካላት ክነጻጸር እንከሎ፡ ሰባት ክድቅሱ ምኽሪ ምሃብ "ኣዝዩ ቀሊል ነገር" ምዃኑ ትዛረብ።
ሓንጎል ብተፈጥሮኡ ምስ ዕድመ ይሽምረር እዩ፤ ድቃስ ግን ከም ኣልዛይመርስ [ሕማም ረሲዕ] ዝኣመሰሉ ሕማማት ንምክልኻል ክሕግዝ ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ገና ተወሳኺ መጽናዕቲ ከድሊ እዩ።
ሓፈሻዊ ጥዕና ሓንጎል ካብ ሕማም ረሲዕ ንምክልኻል ኣገዳሲ’ዩ። ሕማም ረሲዕ ድማ ብኣውራኡ ምስ ምዝባዕ ድቃስ ዝተኣሳሰር ከም ዝዀነ ይግለጽ።
እቶም ተመራመርቲ፡ ድኹም ኣደቃቕሳ፡ ነድሪ ብምፍጣርን ኣብ መንጐ ዋህዮታት ሓንጎል ዘሎ ምትእስሳር ብምጽላውን ምስ ግዜ ንሓንጐል ከምዝጎድኦ ይሕብሩ።
"በዚ ድማ ስሩዕ ናይ ቀትሪ ሓጺር ድቃስ ንሕጽረት ድቃስ ብምክሕሓስን ካብ ምብስባስ መትኒን ክከላኸል ይኽእል'ዩ" ትብል ተመራማሪት ቫለንቲና ፓዝ።
ይዅን እምበር ዶክተር ጋርፊልድ ኣብ ስራሕ ንኽትድቅሰሉ ምቹእ ቦታ ክትረክብ ስለዘይትኽእል፡ ካልእ ኣገባብ ክንክን ሓንጎላ ትመርጽ።
"ብቕንዕና ክዛረብ እንተዀይነ ካብ ሓጺር ድቃስ ን30 ደቓይቕ ኣብ ምንቅስቓስ ኣካላት እንተሕለፍኩ እመርጽ” ትብል።
ኣብ ልምዲ ሓጺር ድቃስ ምጽናዕ በዳሂ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ሓጺር ድቃስ ጥዕና ከዕቢ ይኽእል እዩ፤ ብኣንጻሩ ረሸሽታ ፈጢሩ ዝያዳ ድቃስ ክትድቅስ’ውን ከድልየካ ይኽእል'ዩ።
ስለዚ እቶም ተመራመርቲ፡ ድቃስ ጠቓሚ ምዃኑ ንምርግጋጽ ውሕሉል ሜላ፣ ኣብቲ ምሳና ዝውለድ ዲኤንኤ ዝተመርኮሰ ሰፊሕ ተፈጥሮኣዊ ፈተነ ተጠቒሞም።
ቅድሚ ሕጂ ዝተገብሩ መጽናዕትታት፡ 97 ቁንጣሮ ዲኤንኤና ኣለልዩ፤ እዚኦም ወይ ሓጺር ድቃስ ክንድቅስ ወይ ድማ መዓልቲ ምሉእ ክሰርሑ ሓይሊ ናይ ምርካብ ተኽእሎና ዝለዓለ ይገብሩ።
ስለዚ እቲ ጕጅለ ኣብ ፕሮጀክት ባዮባንክ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ዝተሳተፉ 35 ሽሕ ሰባት፡ ካብ 40 ክሳብ 69 ዓመት ዝዕድመኦም ሰባት ሓበሬታ ወሲዱ፡ ነቶም ጀነቲካዊ "ሓጺር ድቃስ ዝድቅሱ"ን "ዘይድቅሱን"ን ጥራይ ኣነጻጺሩ።
እቲ ኣብ መጽሔት ስሊፕ ሄልዝ ዝተሓትመ ውጽኢት፡ ናይ 15 ኪዩቢክ ሴንቲ ሜተር ፍልልይ ኣርእዩ። እዚ ድማ ምስ ካብ 2.6 ክሳብ 6.5 ዓመት ዕድመ ምድፋእ ዝመጣጠን እዩ። ኣብቲ መጽናዕቲ ጠቕላላ መጠን ሓንጎል ኣስታት 1,480 ኪዩቢክ ሴንቲ ሜተር እዩ ነይሩ።
"ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ሓጺር ድቃስ የሐጉሰኒ'ዩ፡ እዚ መጽናዕቲ ድማ ሓጺር ድቃስ ስንፈት ክስምዓኒ ከም ዘይብሉ ኣእሚኑኒ'ዩ፡ ንሓንጎለይ'ውን ዝከላኸል ክኸውን ይኽእል'ዩ" ትብል ፕሮፌሰር ታራ ስፓይረስ-ጆንስ፡ ንሳ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኤዲንበርግን ኰይና ፕረዚደንት ማሕበር ኒውሮሳይንስ ብሪጣንያን እያ።
እቲ "ንኡድ" ርኽበታት እቲ መጽናዕቲ "ንእሽቶ ግን ከኣ ርኡይ ወሰኽ መጠን ሓንጎል" ከም ዘርኣየን "ድቃስ ንጥዕና ሓንጎል ኣገዳሲ ምዃኑ ዝሕብር ርድኢት ከም ዝወሰኸን" ገሊጻ።
እቶም ተመራመርቲ፡ ኣብ ፍርቂ መዓልቲ ነዊሕ ድቃስ ምድቃስ ብኸመይ ከም ዝጸልው ብቐጥታ ኣየጽንዑን፡ እንተዀነ ግን ልዕሊ ፍርቂ ሰዓት ከኸውን ከምዘይብሉ የመልክቱ።