እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'እዚ ስራሕ ኣየሕፍረንን እዩ' ናብራ ንኽቃለስ ኣብ ምልሓም ሓጺን ዝተዋፈረ ፕሮፌሰር
ከቢር ኣቡቢላል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዝምህር ፕሮፌሰር ጥራይ ኣይኰነን፤ ኣብ ዛርያ - ሰሜናዊት ከተማ ናይጀርያ ኣብ ምልሓም ሓጺን ዝወፈረሉ ካልኣይ ስራሕ ኣለዎ።
ምልሓም ሓጺን ኣብ ናይጀርያ ከም ትሑት ስራሕ እዩ ዝርአ። ፕሮፌሰር ካቢር ግን ናይ ባዕሉ ትካል ምልሓም ሓጺን ምኽፋቱ ንብዙሓት ብፍላይ ድማ ንመሳርሕቱ ኣሰንቢድዎም ኣሎ።
ንሱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት "ፕሮፌሰር ኰይነ ነዚ ስራሕ ብምስርሐይ ኣይሓፍርን እየ። ካብ ምልሓም ሓጺን ዝያዳ ገንዘብ እረክብ" ክብል ተዛሪቡ።
ወዲ 50 ዓመት ካርቢ ኣቡቢላል፡ ኣብ ናይጀርያ እቲ ዝዓበየን ካብ ዝኸበሩን ዩኒቨርሲቲታት ሓደ ኣብ ዝዀነ ዩኒቨርሲቲ ኣሕማዱ ቤሎ - ፋካልቲ ምህንድስና ይምህርን ተምሃሮ ዝሰርሕዎም መጽናዕቲታት ይቈጻጸርን።
ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ን18 ዓመታት ዝሰርሐ ኰይኑ ኣብ ፊዚክስን ኤሌክትሪካል ኢንጅነሪንን ዘተኰሩ ብዙሓት መጻሕፍቲ’ውን ኣሕቲሙ።
ብጻዩ ዝዀነ ፕሮፌሰር ዩሱፍ ጅብሪል፡ ንመሳርሕቶም ዝገርም ኰይኑ ከም ዝረኽብዎ ብምግላጽ፡ "ሕብረተሰብና ሓደ ሓደ ሰባት ገሊኡ ዓይነት ስራሕ ዘይግብኦም ኮይኑ ክስምዓና እዩ ገይሩና፤ እዚ ግን ሓቂ ኣይኮነን" ኢሉ።
"እዚ ዝገብሮ ዘሎ ዘዋርድ ዘይኮነስ ዝነኣድ'ዩ። ካልኦት ድማ ካብኡ ክመሃሩ ተስፋ እገብር" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ካብ ምውህሃድ ዝረኽቦ ኣታዊ፡ እቲ ፕሮፌሰር መርሰድስ-በንዝ ክገዝእ ኣኽኢልዎ።
ፕሮፌሰር ካቢር ኣቡቢላል ሰባት ብፍላይ ድማ ሓደስቲ ተመረቕቲ መነባብሮኦም ብኸመይ ክመርሑ ከምዘለዎም ዝያዳ ክፉት ዝኾነ ኣተሓሳስባ ክህልዎም ከምዘለዎ ይዛረብ።
"ትምህርቲ ንዝዀነ ሰብ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ካብ ምስራሕ ክዓግቶ የብሉን። ቀዳማይ ዲግሪ ሒዞም ከምዚ ዓይነት ስራሕ ዘዋርድ ኮይኑ ዝስምዖም ሰባት ምህላዎም ይገርመኒ" ይብል።
እዚ ሓሳቡ ጭብጢ ኣለዎ። ስቱተርን ዝተብሃለ ጸብጻብ ምሩቓት ናይጀርያ ዘዳሉ ትካል ከምዘመልክቶ፡ ልዕሊ 40 ሚእታዊት ተመረቕቲ እታ ሃገር ስራሕ ዝረኽቡ ኣይኰኑን።
ፕሮፌሰር ካቢር ኣቡቢላል ቅድሚ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቢሉ እዩ ኣብ ከተማ ዛርያ ንእሽቶ ትካል ሓጺነ መጺን ከፊቱ።
ናብ መዓርግ ፕሮፌሰርነት ካብ ዝዓቢ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ 2022 ከኣ ኣብታ ዩኒቨርሲቲ ዝርከበላ ከተማ ብዙሕ ዕድላት ስራሕ ብምርካቡ ንትካሉ ከዕብዮ ክኢሉ።
እዚ ድማ ዝያዳ መሳርሒታት ክገዝእን ዝዓበየ ዕድል ስራሕ ክፈጥርን ኣኽኢልዎ። ዓማዊል እናመጽኡ ከም ብሓጺን ዝተሰርሐ ፍሬም ማዕጾን መስኮትን ዝኣመሰሉ ነገራት ክሰርሓሎም ይሓትዎ።
"እቲ ስራሕ ዋላ ንእሽቶ ይዅን ብዘየገድስ እቕበሎ፤ ዋላ ሓደ ማዕጾ ይዅን ኣታዊ ንምርካብ ኢለ ብሓጎስ ተቐቢለ እሰርሖ" ይብል።
እቲ ፕሮፌሰር፡ ካብ ግዜ ንእስነቱ ኣትሒዙ ከም ራድዮ ዝኣመሰሉ ነገራት ምፍታሕን ዳግማይ ምጽጋንን ከም ዝፈቱ፡ እዚ ድማ ናብቲ ሞያኡ ከም ዝሰሓቦ ይዛረብ።
"እቲ ዘሕዝን ግን ኣብዚ [ኣብ ዩኒቨርሲቲ] ዘሎ ምህንድስና ዝያዳ ኣብ ክልሰ-ሓሳብ ዝተመርኮሰ ኰይኑ ረኺበዮ፤ ስለዝዀነ ክእለተይ ዝገልጸሉ ቦታ የድልየኒ ነይሩ" ክብል ይዛረብ።
ኣስዒቡ፡ "እዚ ድሌተይ ከኣ ነዚ ትካል ምልሓም ሓጺን ንምጅማር ኣበጊሱኒ" ኢሉ። ፋይናንሳዊ ዓቕሙ ኣብ ምድላው ከኣ ሓጊዝዎ።
ኣብ ናይጀርያ ዝርከቡ ምሁራት ብሰንኪ ዝኽፈሎም ትሑት ደሞዝ ምስ ናብራ እዮም ዝቃለሱ። መብዛሕትኦም ኣብ ወርሒ ካብ 350 ሽሕ ናይራ ($390፤ £305) ክሳብ 500,000 ናይራ ($555፤ £435) ይረኽቡ። ብዙሕ ግዜ ድማ ወሰኽ ደሞዝ ንምርካብ ምስ መንግስቲ ይጓነጹ።
ፕሮፌሰር ካቢር ኣቡቢላል፡ እቲ ሓጺን ናይ ምልሓም ስርሑ ዝሓሸ መነባብሮ ክመርሕ ዋላ'ውን ዝሓሸት ዝበላ ዓይነት መኪና - መርሰድስ - ክገዝእ ከም ዝኸኣሎ ይዛረብ።
ነቶም ኣብ ተደራቢ ሞያኡ ዘባጭዉ ዝነበሩ እውን ከይተረፈ ይሕግዝ’ዩ።
"ኣብ 2022 መምህራን ዩኒቨርሲቲ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ኣድማ ምስ ገበሩ ደሞዝ ኣይተኸፈልናን። ኣነ ግን ብሳላ እዚ ስራሕ ገንዘብ ነይሩኒ፤ ሽዑ ገለ መሳርሕተይ ሓገዝ ክሓቱኒ ይመጽኡ ነይሮም" ክብል የረድእ።
ካልኦት ሰባት ኣብ ከምቲ ናቱ ዓይነት ስራሕ ንኽወፍሩ ከም ዘነቓቕሖም ተስፋ ኣለዎ።
ኣብ ትካሉ ክእለት ናይቲ ሞያ ዝምህሮም ካብ 12 ክሳብ 20 ዓመት ዝዕድመኦም 10 ተለማመድቲ ኣለዉዎ።
እቲ ስልጠና ኣስታት ሓደ ዓመት ዝወስድ ኰይኑ፡ ድሕሪኡ ክእለት ምስ ረኸቡ ወጺኦም ናይ ገዛእ ርእሶም ትካል ከቝሙ ይኽእሉ።
ወዲ 18 ዓመት ጅብሪል ኣዳም "ኣብቲ ስራሕ ብምውዓለይ ብዙሕ ተማሂረ እየ። ብዙሓት ናውቲ ክሰርሕ እኽእል" ይብል።
ወሲኹ፡ "ዋላ ከም ተለማማዲ ወርሓዊ 10 ሽሕ ናይራ መሃያ ከምኡ’ውን መዓልታዊ ንመግቢ ዝኸውን ገንዘብ ይህበና" ክብል ተዛሪቡ።
ሓሙሽተ ደቁ’ውን ኣብቲ ትካል መጺኦም ስራሕ ክለምዱ ይገብር።
"መብዛሕትኡ እዋን ኣብ መዛዘሚ ሰሙን ከመይ ከም ዝስራሕ ንኽርእዩ ናብዚ የምጽኦም። ኣብ ዝዀነ እዋን ንኽሰርሕዎ ምእንቲ ክመሃርዎ እደሊ" ይብል እቲ ፕሮፌሰር።