ወጥሪ ትግራይ፡ 'ካልእ ኲናት ክንፃወር ኣይንኽእልን'

ኣብ ሕዳር 2022 ኣብ ትግራይ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ዝቐዘፈ ኣረሜናዊ ኲናት ሓድሕድ፡ እቶም ኣብቲ ኵናት ዝዋግኡ ዝነበሩ ሓይልታት ስምምዕ ሰላም ምስ ፈረሙ ኣብቂዑ።

ካብ ናይ ኵናት በሰላ መሊኦም ዘይሓወዩ ነበርቲ ከተማ መቐለ ዳግማይ ናብ ኵናት ተጎቲቶም ከይኣትዉ ተሻቒሎም ከምዝርከቡ ንቢቢሲ ገሊጾም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ህዝቢ ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ዝኸፍአ ነገር ምድላዋት ይገብር'ሎ።

ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት እናወሰኸ ስለዝመጽአ፡ ዓደግቲ ሕማቕ ኣሎ ጽቡቕ ኣሎ ኣገደስቲ ነገራት ገዚኦም ይኽዝኑ ኣለዉ። ሰባት ገንዘብ ንምውጻእ ኣብ ባንክታት ኣብ ነዊሕ ሪጋ ጠጠው ኢሎም ይረኣዩ።

እቶም ናይ መገሻ ዓቕሚ ዘለዎም ድማ ናብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ይኸዱ ኣለዉ። ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝግበር በረራታት ምሉእ እዩ።

"እዚ ዝኸውን ዘሎ ጭንቀት ዘንቀዶ'ዩ" ክብል ሓደ ነባሪ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ትግራይ ማእኸል ናይቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ኣረሜናዊ ኲናት ሓድሕድ እያ ነይራ፣ ህይወት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ከምዝቐዘፈ ድማ ይግመት።

ኣብ መወዳእታ 2022፡ ክልተ ካብቶም ቀንዲ ተዋጋእቲ ሓይልታት፡ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ቀንዲ ፖለቲካዊ ውድብ ናይቲ ክልል ዝኾነ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ስምምዕ ሰላም ምስ ፈረሙ፡ ተኹሲ ደው ኢሉ።

እንተኾነ ነቲ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ዝቐዘፈ ኵናት ደው ዘበለ ውዕል ፕሪቶርያ ምስተፈረመ ነዊሕ እንከይጸንሐ፡ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ክልተ ተመቒሎም ነንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም ኣለዉ።

ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ዝተወሰኑ መራሕቲ ህወሓት፡ ስልጣን ብሓይሊ ክሕዙ ይፍትኑ ኣለዉ ክብል ይኸስስ። ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ሓደ ክፋል ህወሓት ድማ ነቲ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ሓይሊ ብክድዓት ይኸሶ።

ሕጂ እቲ ናይ 2022 ስምምዕ ሰላም ከይጥሓስ ኢሉ'ውን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ጎረቤታ ኤርትራን ኵናት ከየልዓል ስግኣታት'ሎ።

ኣብ ግዜ ኲናት ትግራይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኤርትራ ይድገፍ ከምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ ድሕሪ እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ውዕል ሰላም ግን ዝምድና ክልተኤን ሃገራት እናተበላሸወ መጺኡ።

ኣብ ትግራይ ዝነብር ማሕበረሰብ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኵናትን ወረ ኵናትን ኣምሪሩ ይጸልእ።

"መናእሰይ ብዅናት ሰልክዮም'ዮም" ይብል ጫማ ብምውልዋል ዝመሓደር ተስፋይ ገብረኣብግዚ።

ተስፋይ ኣስዒቡ "ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ኲናት ብዙሓት ሰባት ናይ ምቅላስ ድሌት ነይርዎም። ሕጂ ግን ከምኡ ኣይኮነን ዘሎ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ 50ታት ዕድመ እትርከብ ኣሕምልቲ ብምሻጥ እትመሓደር ሃይማኖት ገብረማርያም፡ ኣብ 2020 ኲናት ምስተላዕለ፡ ክልተ ደቃ ናብ ሓይልታት ትግራይ ከምዝተጸምበሩ ትገልጽ።

ጓላ ብሰላም ክትምለስ ከላ ወዳ ግን ሰንኪሉ ተመሊሱ። ናብ ናይ ደልሃመት ግዜ ተመሊሳ ክትሪኢ ከምዘይትደሊ ትዛረብ። ሕጂ ዘሎ ኩነታት "ኣዝዩ ዘተሓሳስብ'ዩ" ክትብል ንቢቢሲ ትገልጽ።

ወ/ሮ ሃይማኖት "ክሳብ ሕጂ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ኲናት ዝነበረ ስንባደን በሰላን ኢና ንነብር ዘለና። ዳግማይ ክንነብዕ ኣይንደልን ኢና" እውን ኢላ።

ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ተወሊዳ ከምዝዓበየት እትገልጽ ጸጋነሽ ካሳ ብወገና ኣብቲ ናይ ሕሉፍ ኵናት ምስ ሓይልታት ትግራይ ተሰሊፋ ዝተዋግአት ኮይና ኣብ እግራ ብኸቢድ ቆሲላ። ሕጂ ብምርኩስ ትጉዓዝ ኮይና ስሩዕ ሕክምናዊ ናብዮት ድማ የድልያ።

ጸጋነሽ ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት "ኲናት ህይወት ስድራይ ኣናጊዕዎ'ዩ፤ ሕጂ ጉድእቲ ኣካል ኮይነ ስድራይ ድማ ብቑጠባ ተሃስዮም ኣለዉ። ዳግማይ ከምኡ ክርኢ ኣይደልን። ኣብ ቴንዳታት ዝነብሩ ተመዛበልቲ ናብ ገዝኦም እኳ ኣይተመለሱን" ክትብል ኵናት ኣምሪራ ትጽየፍ።

ትግራይ ካብቲ ኲናት ዘስዓቦ ኣዕናዊ ፅዕንቶ ሙሉእ ብሙሉእ ኣይሓወየትን። ዳርጋ ሓደ ሚልዮን ዝተመዛበሉ ሰባት ክሳብ ሕጂ ናብ ዓዶም ከምዘይተመልሱን ገለ ወሰንቲ ትሕተ ቅርጺ - ኣብያተ ትምህርትን ትካላት ጥዕናን ሓዊሱ ዳግማይ ኣይተሃንጹን።

ዋላ'ኳ ጭንቀት እንተሃለወ፡ ኣብ መቐለ ንቡር ህይወት ዝቕጽል ዘሎ'ዩ ዝመስል። ትካላት ንግድን ድኳናትን ብቐጻሊ ይሰርሓ ኣለዋ። ኣብ ጎደናታት ድማ ከቢድ ህላወ ሓይልታት ጸጥታ የለን።

እንተኾነ፡ ከም መጠን ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝኸፍአ ኵናት ዘሕለፉ ሰባት ንነፍሲ ወከፍ ንእሽቶ ምዕባለ ብቐረባ ይከታተልዎ ኣለዉ።

ኣብ ሓደ እንዳ ቡን፣ መንእሰያት ኣብ ቴሌፎኖም ተጸሚዶም፣ ኣብዚ እዋን ምስ ሰበስልጣን ፌደራል ክማኸር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ዝርከብ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ካብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ቪድዮ ይዕዘቡ።

ኣብ ካልእ ካፈ፡ ካልእ ሓደ መንእሰይ፡ እቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክፋል ህወሓት ዝተመዘዘ ሓድሽ ከንቲባ ከተማ መቐለ ህዝቢ ንምህዳእ እንታይ ከም ዝገብር ክሰምዕ ይጽበ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ኩሉ ሰብ፡ ዝቕጽል መዓልታትን ሰሙናትን እንታይ ክኽሰት ከምዝኽእል ኣዕኒቱ ሊሔ ኣምሲሉ ይጽበ ከምዘሎ ትዕዝብቲ ናብ መቐለ ዝተጉዓዘ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ'ዩ።