እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዛንዚባር፡ ንበጻሕቲ ሃገር ብሰንኪ ኣከዳድና ዝፃረፉን ዝዕምፁን ከምዘይትምሕር ኣጠንቂቓ
ታንዛኒያ ኣብ ደሴታት ዛንዚባር ንበፃሕቲ ዓዲ (ቱሪስት) ብሰንኪ ንኣካላትካ ዘርእይ ኣከዳድንኦም ዝፃረፉን ዝዕምፁን ዜጋታታ ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ኣተሓሳሲባ።
ሚንስተር ቱሪዝም ዛንዚባር ሲማይ ሞሓመድ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ንቑጠባ እታ ደሴት ወሰንቲ ዝኾኑ በፃሕቲ ዓዲ ጥቕዓት ዝፍጽሙ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣጠንቂቑ'ሎ።
ነቶም "ዘይእሩም ኣከዳድና" ዘዘውትሩ፡ ክእረሙ ከምዝምዕድ ዝገለፀ እቲ ሚንስትር፡ "ነዚ ብእወንታ ብምውሳድ ነቲ ጌጋ ክእርምዎ እዮም" ኢሉ።
"ግን ድማ እዚ ንወጻእተኛታት ናይ ምፅራፍ ልምዲ ደው ክብል ኣለዎ" ክብል ነቲ ኣዝዩ ልሙድ እናኾነ ዝመፅእ ዘሎ ተግባር ኮኒኑ።
ብፍላይ 'ስቶን ታውን' ኣብ ዝብሃል ጥንታዊ ክፋል ከተማ ዛንዚባር ብፍሉይ 'ኬንያታ ሮድ' ኣብ ዝብሃል ከባቢ እቲ ተግባር ብስፍሓት ከምዝረኣይ ይግለፅ።
ሚንስተር ቱሪዝም ዛንዚባር "ንበፃሕቲ ዓዲ ዝተጻረፈ ዝኾነ ይኹን ሰብ ከምኡ ድማ 'ናብ ዓድኹም ኪዱ' ዝበለ፡ ኣነ ባዕለይ ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ስጉምቲ ክወስደሉ እየ" ክብል ኣጠንቂቑ።
ካብ ቱሪዝም ዝርከብ ኣታዊ፡ ኣብ ቁጠባ እታ ብኽፋል ርእሰ-ምምሕዳር ዝኾነት ዛንዚባር ዝለዓለ ቦታ ዘለዎ ኮይኑ ቀንዲ ምንጪ ሸርፊ ወጻኢ ከምዝኾነ'ውን ይግለፅ።
እቲ ዓውዲ ኣብ 2020 ካብ ጃምላ ሃገራዊ ፍርያት ኣስታት 28 ሚኢታዊት ብፅሒት ዝነበሮ ኮይኑ፡ 82 ሚኢታዊት ሸርፊ ወጻኢ ድማ ካብኡ ረኺባ።
ዝበዝሑ ነበርቲ ዛንዚባር ዓቃባውያንን ተኸተልቲ እስልምናን እዮም።