ዛንዚባር ቅጥዕን ስነምግባርን ዝጎደሎ ኣከዳድና ንዝኽተሉ በጻሕቲ ዓዲ ክትቀጽዕ እያ

ሰበ ስልጣን ናይታ ክፋል ታንዛንያ ኮይና ርእሰ-ምምሕዳር ትኽተል ዛንዚባር ናብታ ሃገር ዝመጽኡ በጻሕቲ “ቅጥዕን ስነ ምግባርን ዘለዎ ኣለባብሳ ተኸቲሎም ባህልን ክብርን ናይቲ ከባቢ ከኽብሩ” እንተዘይኮይኑ ግን ክቕጽዑ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቖም።

ሚኒስተር ቱሪዚም ዛንዚባር ሌላ መሓመድ ሙሳ ንቢቢሲ ስዋሂሊ ከምዝሓበረቶ ገለ ገለ በጻሕቲ ዓዲ “ጥራይ ነብሶም እዮም ኢልካ ክተዛረበሉ ትኽእል ኣገባብን ኣከዳድና እዮም ዘዘውትሩ” ኢላ።

እተን ኣብታ ሃገር ዝርከባ ኣጄንሲታት ናይ ቱሪዝም’ውን ዓማዊለን ቅጥዕን ስነ ምግባርን ዘለዎ ኣለባብሳ ክኽደኑ እንዘይኣገዲደነኦም ክሳብ 700 ዶላር ዝኸውን መቅጻዕቲ ይጽበየን ምህላዉ ሚኒስተር ቱሪዚም ዛንዚባር ሌላ መሓመድ ሙሳ ንቢቢሲ ስዋሂሊ ሓቢራ።

ኣብያተ መግብን ሆቴላትን’ውን በጻሕቲ ንኽብርን ባህልን እቲ ከባቢ ዘይብልል ኣገባብን ኣከዳድና ክኽተሉ ምኽረን ክልግሳ ምሕጽንታ ቀሪብለን ኣሎ፡ እዚ ሕጊ እዚ ምስ ዝጥሓስ ግን “ከም መጠን ውሃብቲ ኣገልግሎት ነቶም ዓማዊለን እቲ ቅኑዕ ኣገባብ ኣለባብሳ ክሕብራ ግዴታ ስለዘለወን ነዚ ምስ ዘይገብራ ክቅጽዓ እየን” ትብል ሚኒስተር ቱሪዚም ዛንዚባር ሌላ መሓመድ ሙሳ።

ሚኒስተር ቱሪዚም ዛንዚባር ሌላ መሓመድ ሙሳ ብምስዓብ “ዕላማና ነቶም በጻሕቲ ንምቅጻዕ ዘይኮነስ ንባህልና ቀዳምነት ሂብና እቶም በጻሕቲ ግቡእ ኣለባብሳ ንክኽተሉ እዩ” ኢላ።

ዛንዚባር ዓመታዊ ማእለያ ዘይብሎም በጻሕቲ ዝበጽሕዋ መስሕብ ቱሪዝም እያ።