ኣስታት 4 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ኣብ ምስግጋር ዝተሳተፈ ገፋፊ ዓሳ

ኤቢድ ምስ ቴሌፎናቶም ንዝተረኸቡ ስደተኛታት ዓማዊሉ ናብ ባሕሪ ክድርበዩ ትእዛዝ ይህብ ከምዝነበረ ይግለጽ

ምንጪ ስእሊ, NCA

ሓደ ኣካል ናይቲ ብ12 ሚልዮን ፓውንድ ዝግመት ዘይሕጋዊ ስርሒት ምስግጋር ልዕሊ 3 ሽሕ ስደተኛታት ዝሓገዘ ግብጻዊ ገፋፊ ዓሳ ን25 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ወዲ 42 ዓመት ኣሕመድ ኤቢድ፡ ኣብ መንጎ ጥቅምቲ 2022ን ሰነ 2023ን ኣስታት 3,800 ሰባት ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ኢጣልያ ኣብ ምስግጋር ከምዝተሳተፈን፡ ገሊኦም ድማ ናብ ብሪጣንያ ከምዝኸዱን ሃገራዊ ትካል ገበን ዓዲ ኢንግሊዝ ገሊጹ።

ኤቢድ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ኣፍሪቃ ናብ ጣልያን ብኮንትሮባንድ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ዘሰጋግሩ ሰባት ተሳቲፉ ተባሂሉ ዝተፈርደ ፈላማይ ሰብ እዩ።

ኣብ ኢጣልያ ብፈተነ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ ንሓሙሽተ ዓመታት ተኣሲሩ ዝነበረ እቲ ግብጻዊ ኣሰጋጋሪ ሰብ፡ ኣብ 2022 ብንእሽቶ ጃልባ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዩ ዑቕባ ሓቲቱ'ኳ እንተነበረ ውሳነ ግን ኣይረኸበን ጸኒሑ።

እዚ ማለት ድማ ፍርዱ ምስ ተፈጸመ ዳርጋ ክስጎግ እዩ ማለት እዩ።

በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ኤቢድ፡ ብፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ዝኣተወሉ ግዜ፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ለንደን ኣብ ዝርከብን ብቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ዓዲ ኢንግሊዝ ዝምወል መንበሪ ኣባይቲ ይነብር ነይሩ።

እቲ ዳኛ ብሰሉስ ኣብ ቤት ፍርዲ ሳውዝዋርክ ክራውን ኣብ ዝሃቦ ናይ ፍርዲ መስርሕ፡ ኤቢድ ተስፋ ዝቖረጹ ውልቀሰባት ብዘይ ምሕረት ከም ዝምዝመዝን፡ "ቀንዲ ድርኺቱ ድማ ካብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ገንዘብ ንምርካብ እዩ" ኢሉ።

ዳኛ ኣዳም ሂድልስቶን፡ "ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ኤቢድ ዘስካሕክሕ እዩ ነይሩ" ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ዳኛ ኣስዒቡ "እዚ ናይ ንግዲ ስራሕ እዩ ነይሩ። ሓደጋ ምጥፋእ ህይወት ደቂ ሰባት ልዑል እዩ ነይሩ። እዚኣተን ጀላቡ ዘይኮናስ ጀላቡ ገፈፍቲ ዓሳ እየን ነይረን" ኢሉ።

ኤቢድ "ዝለዓለ ተራ ተጻዊቱ" ዝብል ሓሳብ ዝሰምዐ እቲ ቤት ፍርዲ ብተወሳኺ ንሰበስልጣን ጉቦ ሂቡ ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዓመጽ ክፍጸም ከምዝኣዘዘ ክሲ ቀሪብሉ'ዩ።

ድሕሪ ውሳነ ዳኛ፡ ኤቢድ እቲ ኣብ ልዕሌኡ ዝተወሰነ ፍርዲ ዘይፍትሓዊ ከምዝኾነን "ስድራይ ንምምጻእ'የ ገንዘብ ዝእክብ ዘለኹ" ክብል ተሰሚዑ።

እዚ እናተፈጸመ እንከሎ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣባል ስድራቤት ኤቢድ እናበኸየት ተራእያ።

ኣብ 2023፡ ኣገልግሎት ጸጥታ ኢጣልያ፡ ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ፡ ብፍላይ ድማ ጣልያን ኣብ ዝሳገሩሉ ማእከላይ ባሕሪ፡ ስደተኛታት ዝጥቀሙለን ሳተላይት ቴለፎናት ድሕሪ ምርኣዩ'ዩ ተታሒዙ።

ገለ ንሓለዋ ባሕሪ እታ ሃገር ንምድዋል ዝጥቀማሉ ዝነበራ ሞባይላት እውን ኣብ እዋን ጉዕዞ ምስ ሞባይል ቁጽሪ ብሪጣንያ ክራኸባ ከምዝጸንሓ ረኺቦም።

ካብዚ ንድሓር ሃገራዊ ትካል ምጽራይ ገበናት ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ነታ ሞባይል ምስ ኤቢድ ኣተሓሒዙዋ፡ ድሕሪኡ መርትዖታት ንምርካብ ናብ መንበሪ ቤቱ ኣቕኒዑ።

እቲ ትካል ኣብ ብርክት ዝበሉ ስርሒታት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ከም ዝተሳተፈ ረኺቡ፡ ኣሽሓት ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከም ዘጓዓዓዝን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ ሓደገኛ መንገዲ ልዕሊ ዓቐን ዝተጨናነቓ መራኽብ ገፈፍቲ ዓሳ ከም ዝጓዓዝን ኣረጋጊጹ።

ኤቢድ ንሓደ መሻርኽቱ ምስ ተሌፎኖም ንዝተረኸቡ ስደተኛታት ክቐትሉን ናብ ባሕሪ ክድርብይዎን ከምዝነገሮ፡ እዚ ድማ ተሓታትነት ንምምላጥ ምዃኑ ሃገራዊ ትካል ምጽራይ ገበነኛታት ገሊጹ።

እቲ ኣሰጋጋሪ ኣብ ፌስቡክ ንነብሱ "ካፕቴን ኣሕመድ" ዝብል ስያመ ሂቡ ከምዝነበረን፡ ኣብ ገዝኡ ዝተረኸቡ ጥራዛት ድማ ዝርዝር መጓዓዝያ ባሕሪ ሜዲተራንያንን ምስ መሳገሪታት ዝተኣሳሰር ዝርዝር ክፍሊታትን ዝሓዙ ምዃኖም ተፈሊጡ።

ኤቢድ ናብ ኤውሮጳ ዘይሕጋዊ ስደት ከምዘመቻቸወ ኣሚኑ'ዩ።

መርመራ ሃገራዊ ትካል ምጽራይ ገበነኛታት ዓዲ ኢንግሊዝ ኣብቲ መርበብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ንግዲ ናይ ምሕደራ ተራ ከም ዝነበሮ ኣረጋጊጹ።

ኣብቲ ትካል ዞባዊ ሓላፊ መርመራ ጃክ ቢር፡ "ስደተኛታት ሕግታቱ እንተዘይተኸቲሎም ናብ ባሕሪ ከምዝድርብዩ ዝዛረበሉ ዝነበረ ርህራሄ ዘይብሉ ኣገባብ'ዩ ተራእዩ። እቶም ስደተኛታት ንዕኡ ምንጪ መኽሰብ ጥራይ'ዮም ነይሮም" ኢሉ።