ካብ ወልፍን ግዳም ሓደርን ወጺኡ ኣብ ሻምፒዮንሺፕ ዓለም ዝበጽሐ ተቐዳዳማይ ፌሊፔ ኒስትሮም

ኒስትሮም፡ ቈልዓ እንከሎ ተጻዋቲ ኵዕሶ እግሪ'ዩ ክኸውን ዝደሊ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, DENNY BURNETT

መግለጺ ስእሊ, ኒስትሮም፡ ቈልዓ እንከሎ ተጻዋቲ ኵዕሶ እግሪ'ዩ ክኸውን ዝደሊ ነይሩ

መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ ብዛዕባ ግህሰት ህጻናት፣ ወልፊ ከምኡ’ውን ዝንባለታት ነብሰ ቕትለት ዝሓዘ እዩ። በዞም ጉዳያት ተጠቒዕኹም ትፈልጡ እንተዀይንኩም BBC Action Line ተወከሱ።

ፍሊፔ ኒስትሮም፡ ኣብ ውድድራት ብሽክለታ ናብ ዓቐበት ክጽጋዕ እንከሎ ጣቕዒትን ፋጻን ኣፍቀርቲ ብሽክለታ ዓው ኢሉ እዩ ዝስማዕ።

ብሽክለታኡ ኣብ ጭቃ እናተሸንከረትን ሸታሕታሕ እናበለትን ኣብ እትወርደሉ እዋን፡ ካብታ ብሽክለታ ዝወደቐሎም ኣጋጣሚታት ክኣ ኣለው።

ኣብ ቁልቁለት ክብዳህ፣ ጫማታት ብሽክለታ ንድሕሪት ሸተት ክብሎ ዝርኣዩ ደገፍቱ ግን፡ ሓቦ ሰኒቑ ውድድሩ ክቕጽል የተባብዑዎ።

ካብ ካልኦት ተወዳደርቲ ኣዝዩ ድሒሩ ዝነበረ ኒስትሮም'ውን ናብ ቅድሚት ምምጽኡ ኣይተርፍን።

ቁሩብ ደው ኢሉ፡ ንደገፍቱ ኣመስጊኑ ይምለስ።

ኒስትሮም፡ እቲ፡ ኣብ ኔዘርላንድ ጭቓ ኣብ ዝበዝሖ ዝካየድ ውድድር 'ሳይክሎ-ክሮስ' ብምውድዳር ናብዞም ከምዚኦም ዝበሉ ህሞታት ዘስተማቕረሉ ኩነታት ክፍጠር ዝመጽኣሉ ጉዕዞ ህይወት ግን ካብዚ ዝተፈለየ፣ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘሕምምን እዩ ነይሩ።

እቲ ህይወት እቲ፡ ተስፋ ምቑራጽ፡ ግዳም ሓደር ምዃንን ፈተነታት ነብሰ ቅትለትን ዘጠቓለለ እዩ። ሕጂ፡ ከምቲ ኵሉ ምስ ሓለፈ ከተውግዓሉ ጥዑም'ዩ ዝብሃል፡ ንካልኦት ካብ ጕዕዞ ህይወቱ ኣብ ዘምህረሉ ደረጃ ይርከብ።

“ሓደ ሰብ ካብ ወልፍን ኣልኮላውነትን ምንጋፍ ከም ዝኽእል ክፈልጥ እዩ። ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ይኽእል፤ ግን ምውጻእ ትኽእል ኢኻ” ይብል።

ኒስትሮም፡ ኣብ ኮስታሪካ'ዩ ተወሊዱ። ኣዲኡ፡ ብስራሕ ኣመሪካዊ ዓለምለኸ ኤጀንሲ ልምዓት ዝዀነ ‘ፒስ ኮርፕስ’ እትሰርሕ ኣመሪካዊት፡ ኣቡኡ ድማ ኮስታሪካዊ'ዩ።

ስራሕ፡ ኣዲኡ ኣብ ወለንታዊ ኣገልግሎትን ስራሕቲ ሓገዝን ዝሓትት ብምንባሩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣፍ ዕርበታ ርኣይዩለይ ኢላቶም ብእትኸይድ ሰባት እዩ ዓብዩ።

እዚ፡ ኣብ መጀመርታ ዓመታት ዕድሚኡ ንዝተፈላለዩ ጸገማት ተቓላዒ ክኸውን ገይሩዎ’ዩ።

ኒስትሮም፡ ብተደጋጋሚ ካብ ዝሃርሞ ሰብ ንምህዳም ኣብ ትሬቶ ይሕባእ ነይሩ።

ዝኽርታት ኣብ እዋን ቁልዕነቱ፡ ዘጋጠሙ ጾታዊ ግህሰታት’ውን ኣለውዎ። እንተዀነ፡ ዋላ ሓደ ካብቶም ኣብ ልዕሊኡ ግህሰታት ከም ዝፈጸሙ ዝዝክሮም ሰባት ኣይተኸሰሱን ወይ ኣይተቐጽዑን።

“ኣብ ቀዳሞት ሸሞንተ ዓመታት ህይወተይ፡ ኣብ ውሽጢ ስንባደ፣ ፍርሒ ኰይነ’የ ኣሕሊፈዮ። ማዕጾ ክኽፈት እንከሎ፡ እንታይ ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣይፈልጥን ነይረ። ዳርጋ ከምዚ ፍጹም ረዳኢ ዘይብሉ ሰብ’ዩ ዝስምዓኒ ነይሩ። ዋላ ሓደ ነገር ክገብር ኣይኽእልን” ይብል።

እናዓበየ ምስ ከደ፡ እቲ ግህሰት ደው ኣቢሉ፤ ሳዕቤን በሰላታትን እቲ ግህሰት ግን ንነዊሕ እዋን ኣብ ውሽጡ ኮይኖም ይሓቕይዎ ነይሮም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኒስትሮም፡ ቈልዓ እንከሎ ኣብ ገዛ ብተደጋጋሚ ዝብኣስን ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝጽረፍን’ዩ ነይሩ።

ኣብ ኵዕሶ ሜዳ ክኸውን እንከሎ ጥራይ’ዩ ምቹእነት ዝስምዖ ዝነበረ፤ ኩዕሶ እግሪ ምጽዋት፡ ጂምናስቲክ ምስራሕ ከምኡ'ውን ከምቲ ሕጂ ዝብሎ “ካብ ገዛ ወጻኢ ምዃን” ዝበሉ ነገራት የሐጉሱዎ ነይሮም።

ኒስትሮም ናይ ዓሰርታት ዕድሚኡ ክውድእ እንከሎ፡ ጭዋ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኰይኑ ፕሮፌሽናል ተጻዋቲ ኵዕሶ እግሪ ክኸውን ይኽእል’የ ኢሉ ናብ ዝሓስበሉ ደረጃ በጽሐ።

እንተዀነ፡ ኣብ እዋን ጸወታ ብዘጋጠሞ መጕዳእቲ ተዀሊፉ። ኣብ ክንዲ ኣብ ምሕዋይ ዝሰርሕ፡ ሙሉእ ንሙሉእ ሕልሙ ጠጠው ኣቢሉ።

“ስፖርት ናተይ ዝኸውን መሲሉኒ ነይሩ፤ - 'ፕሮፌሽናል ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ክኸውን'የ፤ ዝበለጸ ድማ ክኸውን እዩ ኢለ። ኣብ ሞንጐ ድማ ክጻወት ኣይከኣልኩን። እታ ዝጠፋእኹላ ህሞት ድማ ንሳ ይመስለኒ፡ [ኣብ 18 ወይ 19 ዓመት ዕድመይ]” ይብል።

ወሲኹ፡ “ናበይ የብል ከም ዝነበርኩ ዋላ ሓደ ዝፈልጦ ነገር የለን። 'እዚ ንክኸውን ኣብ ኩዕሶ እግርን ስፖርትን ዝከኣለኒ ኩሉ ገይረ’የ። ሕጂ ድማ ንሱ’ውን ከሲረዮ’ ኢለ ክሓስብ ይዝከረኒ። ጽቡቕ እናሃለኹ ጽቡቕ ነገር ግን ኣይገጥመንን። ምናልባት ልክዕ ከምቲ ኩሉ ሰብ ዝገብሮ ክዛነ ኣለኒ ኢለ” ይብል።

ኒስትሮም፡ ኣብ ስፖርት ዝነበሮ ተስፋታት እናተጸንቀቐ ምስ መጽአ፡ እቲ ኣብ ህይወቱ ወሳኒ ጽልዋ ዘሕደረ መገዲ ጉዕዞ ጀሚሩ።

ኮተቴ እንከሎ፡ ንኤሌክትሮኒካዊ ሙዚቃ ዝነበሮ ፍቕሪ ስለ ዝተገንዘበ፡ ብመስተን ሓሽሽን ተደብዩ ኣብ ካልእ ዘይፈልጦ ግን ድማ እቲ ንዓመታት ዝብህጐ ዝነበረ ሕቑፊ ዝረኸበሉ ናብ ዝመሰሎ ዓለም ተጸንበረ።

“ተቐባልነት ካብ ዘይብሉ፡ ‘ኦ! እዚ ቘልዓ ህይወት ምዝናይ’ዩ’፤ ‘ኣዝዩ ዘመናዊ’ዩ’ ዝብሃለሉ ኩነታት ረኺበ። ሰባት መልእኽቲ ክሰዱለይ ጀሚሮም፤ ‘ሰላም! ክንሰቲ ንኸይድ ኣለና፤ ንስተ’ ወይ ‘ ክንሐዕጎስ ክንረክብ ንኸይድ ኣለና’፣ ገለታት ክብሉኒ ጀሚሮም” ይብል።

እቲ ቁጡዕ፣ ከም ቈልዓ ብግህሰታት ከቢድ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሃሰያታት ዝወረዶ ሰብ፡ ምስ ካልኦት ክሕወስ ዘኽእሎ ነገር ረኸበ።

ኣብ ብዙሓት ግዝኣታት ኣመሪካ ዘይሕጋዊ ዝነበረ ጠላዕ ቴሌፎን ብምድዋል ኣብ ዘጣልዕ ማእከላት ክሰርሕ ጀሚሩ።

ኮስታሪካ፡ ዘተኣማምን መርበብ ቴሌኮሙኒኬሽንን ክልተ ቋንቋታት ዝዛረብ ብዝሒ ሓይሊ ሰብን ስለ ዝነበራ፡ ንሕጋጋታት ኣመሪካ ዝብድህ ቅልጡፍ ዕብየት ዘርኣየ ኢንዳስትሪ ጠላዕ ኦንላይን ዝካየደላ ክትኸውን ኣኽኢሉ’ዩ።

እዚ ልክዕ ከምቲ ክኸዶ ዝጀመረ ክለባት ብሓሽሽን ኣልኮላዊ መስተ ዝጠልቀየ ሃዋህው እዩ ነይሩዎ።

“ኣብ መጀመርታ፡ ሓደ ግራም ኮኬይን ንሓደ ሰሙን ምናልባት ንኽልተ ሰሙን የጽንሓኒ ነይሩ። ድሕሪኡ ንሰሙን፣ ጸኒሑ ንፍርቂ ሰሙን ጥራይ ከጽንሓኒ ጀሚሩ፤ [ድሕሪኡ ድማ ኣብ ስራሕ ዕረፍቲ ወሲደ ኮኬይን ናብ ዝረኽበሉ ክኸይድ ጀሚረ”።

ኒስትሮም (ጸጋም)፣ ኣቦ ሓጉኡ (የማን)፡ ውድድር ጉያ ሓደ ካብቶም ኮተቴ እንከሎ ዝተሳተፈሎም ሓያሎ ውድድራት ስፖርት'ዩ

ምንጪ ስእሊ, FELIPE NYSTROM

መግለጺ ስእሊ, ኒስትሮም (ጸጋም)፣ ኣቦ ሓጉኡ (የማን)፡ ውድድር ጉያ ሓደ ካብቶም ኮተቴ እንከሎ ዝተሳተፈሎም ሓያሎ ውድድራት ስፖርት'ዩ

ኒስትሮም ሓደ መሳርሕቱ ኮኬይን “ጻዕዳ ሞት” ምዃኑ ከም ዘጠንቀቘ ይዝክር። ንሱ ግን ነዚ ንምቕባል ተገዳስነት ኣይነበሮን።

“ደስ ዝብልን ሓደገኛን እዩ ነይሩ፤ ኣነ ግን ማንም [ከምዚ ግበር/ኣይትግበር] ክብለኒ ኣይክእልን” ብምባል ይዝክሮ።

“ድሓር፡ ኣብ ግዳም ክሓድር ምስ ጀመርኩ ‘ዋ! ሓቁ እባ’ዩ ነይሩ’ ኢለ ድሕሪ ዓመታት ክዝክሮ ጀሚረ” ዝብል ኒስተሮም፡ ክንደየናይ ሓደገኛ ምዃኑ ምስ ተረድኦ’ውን እንተዀነ ደው ንምባል ሓያሎ ፈተናታት ይገጥሞ ከም ዝነበረ ይዛረብ።

“ርእሰይ ‘ሎሚ ሓሽሽ ኣይደልን’ ይብለኒ፤ ሰብነተይ ክኣ ናብቲ ሓሽሽ ዘምጽኣለይ ንክድውል ማዕጾ ከፊቱ ካብ ገዛ ይወጽእ። ‘ኣይፋል፤ ግደፍ። ግደፍ ከምኡ ኣይትግበር’ ዝብል ሓሳብ ግን ኣየቋርጽን። ግን ነብሰይ ክቈጻጸሮ ኣይኽእልን፤ ግድን ናብታ ቴሌፎን ዝድውለላ ይኸይድ”።

ኒስትሮም፡ ጸኒሑ ዓጀውጀው ክብል ጀሚሩ-- ሃንደበት ዝዀነ ድምጺ ዝሰምዐ ክመስሎ፣ ኣብ ጽርግያ ሰብ ዝከታተሎ ወይ ኣብ ገዝኡ ብሕቡእ ብዝተተኽለ ማይክሮፎናትን ካሜራታትን ዝከታተሎ ዘሎ ክመስሎን ክስምዖን ጀሚሩ።

“ዘስካሕክሕ፡ ዘስካሕክሕ፡ ዘስካሕክሕ፡ ዘስካሕክሕ እዩ ነይሩ። ምስ ክውንነት ርክብ ይስእን ነይረ” ይብል።

ድሕሪ ደጊም ናብ ስራሕ ክኸይድ ዓቕሚ ወይ ተገዳስነት ስለ ዘይነበሮ፡ ስራሕ ስኢኑ፤ መሕደሪ ቦታ ስኢኑ ንነብሱ ኣብ ግዳም ረኺቡዋ።

ንልዕሊ ዓመት ኣብ ጐደናታት እናደቀሰ፣ ገንዘብን መግብን እናለመ ኣሕሊፉዎ።

ገለ ሰራሕተኛታት ኣብያተ መግቢ ድማ፡ ሓሓሊፉ ኣብ እግሪ ናይ ጐሓፍ ጐማታት መግቢ ገዲፎምሉ ይኸዱ ነይሮም።

“ወትሩ ገንዘብ ይልምን ነይረ-- ሓሽሽ ንምግዛእ። ኩሉ ነገረይ ብዛዕባ ሓሽሽ’ዩ ነይሩ" ይብል ኒስትሮም።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽንኩር ኩነታት ኰይኑ፡ እቲ መሪር ተዘክሮታት ናይቲ ዝሓለፈ ህይወቱ ቅጅል ይብሎ ነይሩ።

ኒስትሮም ሓሓሊፉ ሙቐት ንምርካብ ዝተደርበዩ ጋዜጣታት ኣርዩ ይጥቀም።

“ኣብ ጋዜጣ ዓምዲ ስፖርት ይርኢ ነይረ፤ ስእሊ ምሳይ ኵዕሶ እግሪ እናተጻወቱ ዝዓበዩ ይርኢ፤ ንሳቶም ድሮ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ይጻወቱ ምህላዎም ክፈልጥ እንከለኹ ይዝከረኒ” ይብል።

ንልዕሊ ዓመት ኣብ ጎደናታት ድሕሪ ምንባር፡ ኣብ መቑሕ ወልፊ ምውዳቑ፡ ቅድሚ ምውላዱ ካብ ኣዲኡ ዝተፈልየ ንእሽቶ ፉንፉን ውላድ ክሳብ ዝመስሎ ክስምዖ ይገብር ከም ዝነበረ ይዛረብ።

ካብዚ ብዝብገስ፡ ኒስትሮም ነፍሰ ቅትለት ክፍጽም ኣብ ዝደልየሉ ደረጃ በጺሑ።

“ደው ከብል ከም ዘይኽእል ፈሊጠ፤ ክዀነለይ ኣይክኣለን። ስለዚ ኣብ መወዳእታ ወሲነ” ብምባል፡ ብዙሕ ግዜ ነፍሰ ቅትለት ክገብር ፈቲኑ እኳ እንተነበረ፡ ብ27 መስከረም 2012 ግን እታ ቀንዲ ነፍሲ ከጥፍእ ዝወሰነላ መዓልቲ ምንባራ ይዛረብ።

“ምስ ወግሐ ገንዘብ ክልምን ጀሚረ። መሞቲ መድሃኒት ንምግዛእ ይኣክል’ዩ ዝበልኩዎ ገንዘብ ረኺበ። ንዓመታት ኣብ ዝዀነ ነገር ክንድኡ ጻዕሪ ኣይገበርኩን፤ ንጽባሒቱ ብህይወት ክነብር እየ ዝብለሉ ኣጋጣሚ ኣይነበረን። ዝተለበሰ ክዳውንቲ ካብ ዝሽየጠሉ ድኳን ጂንስ ስረን ማልያን ሰሪቐ።

“ናብ ሕሱር ሆቴል ከይደ ሻወር ክወስድ ደልየ፤ ምኽንያቱ ምስ ሞትኩ ጽሩይ ኰይነ ክረኽቡኒ ስለ ዝደለኹ። እቲ ናይ መወዳእታ ዝዝክሮ ነገር ቢራ ክገዝእ ከም ዘለኒ ይሓስብ ምንባረይ’ዩ። ቀጺሉ ኣዒንተይ ቋሕ ምስ በላ ኣብ ቅድመይ ክልተ ሓካይም ጸኒሖምኒ።

"ሽዑ ንምእማኑ ዘጸግም ናይ ስምዒታት ምቅይያር ነይሩኒ- እቲ ሓደ ሕርቃን’ዩ። ድሕሪኡ ፍርሕን ጓህን፤ ምኽንያቱ ብህይወት ክነብር ዘይኰነ ናይ መወዳእታይ ክኸውን እየ ዝደሊ ነይረ። በዚ ምኽንያት፡ ክበኣስ ይፍትን ከም ዝነበርኩ እሞ ሓደ ሰብ ኽሓቝፈኒ ይዝክር።

"ንኽንደይ ዓመታት ከም ዝዀነ ኣይፈልጥን፤ ግን ሰብ ሓቚፉኒ ኣይፈልጥን፤ ንመጀመርታ ግዜ ተሓቚፈ። ክብኣሶ ኣብ ዝፈተንክሉ ‘ኣጆኻ! ኩሉ ነገር ድሓን ክኸውን’ዩ' እናበለ ይሓቑፈኒ” ብምባል ነቲ ዝሓለፎ ይዝክሮ።

ኒስትሮም ኣብ ቤልጅምን ኔዘርላንድስን ኣብ ዝካየዱ ውድድራት ሳይክሎ-ክሮስ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ብሽክለታ ዝፈትውዎ ተወዳዳሪ ኰይኑ

ምንጪ ስእሊ, REX FEATURES

መግለጺ ስእሊ, ኒስትሮም ኣብ ቤልጅምን ኔዘርላንድስን ኣብ ዝካየዱ ውድድራት ሳይክሎ-ክሮስ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ብሽክለታ ዝፈትውዎ ተወዳዳሪ ኰይኑ

ህይወት ኒስትሮም ብሓደ ግዱስ ተቐባሊ ኣጋይሽ ዝዀነ ሰራሕተኛ ሓደ ሞቴል እያ ድሒና።

ቅድሚ እቲ ናይ መወዳእታ ፈተነ ነብሰ ቅትለት፡ ብገለ መንገዲ ህይወቱ ከይሓለፈት እንተጸኒሓ ንምልዋጥ ዘድሊ ኵሉ ክገብር ምዃኑ ንነብሱ ቃል ኣትዩ ነይሩ።

እታ ውሳነ እቲኣ፡ ኣብቲ ዝሕከመሉ ዝነበረ ሆስፒታል ኰይኑ ንሓደ ስድራ ሕዙናት ምስ ረኣየ ቅጅል ኢላቶ።

እዚ፡ ስለ ምንታይ ከምዚ ዓይነት ጽልዋ ከም ዘሕደሩሉ ብቃላት ክገልጾ ኣይክእልን።

ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ዓመጽን ቃንዛን ዝርኣየ ሰብ’ዩ፤ ኣብዚ ግዜ’ዚ ግን ብገለ ምኽንያት ዝተፈለየ ነገር ተሰሚዑዎ።

“ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ከም ዝዀነ ኣይፈልጥን፤ ግን ከምዚ ንነዊሕ ግዜ ተሰኪመዮ ዝጸናሕኩ ጽዕነት ዝተላዕለለይ’ዩ ተሰሚዑኒ። ኣብ መወዳእታ እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ፡ ናበይ ከም ዝኸይድ ከም ዝፈልጥ ተሰሚዑኒ” ይብል።

ካብቲ ሆስፒታል ምስ ወጽአ፡ ናብ ሓደ ኣብ ሳን ሆዜ ዝርከብ ማእከል ሕውየት (ሪሃብ) ኣቕኒዑ።

ሰራሕተኛታት እቲ ማእከል መግቢ፡ ዓራት ሂቦምዎ፤ ካልኣይ ዕድል ግን ክህቡዎ ኣይክእሉን። ሕጋጋት እቲ ማእከል ከም ገለ ኢሉ እንተስሒቱዎም ክሰጕዎ’ዮም።

“ሎሚ ሳልኦም’የ ብህይወት ዘለኹ” ይብል ኒስትሮም።

ኣብቲ ማእከል ዕግበት ዝረኽበሉ ድቃስ ክረክብ ጀሚሩ፤ ኣካላቱ ምስ ሓሽሽ ዘይብሉ ህይወት ምልማድ ሓድሽ ስለ ዝዀኖ ኣካላዊ ቃንዛ እንከይተረፈ ይስምዖ ነይሩ።

እዚ ህሞት ክኣ፡ ሰጋእ መጋእ ክብል ይገብሮ ነበረ፤ በዚ ምኽንያት ከም ገለ ኢለ’ዶ ተሓቢአ ወጺአ ናብ ክለባት ክኸይድ ዝብል ሓሳባት ይመላለሶ ነይሩ።

ሓደ ክፋል ሓንጎሉ ክኣ፡ ሕጂ ሓድሽ ጅማሮ ክገብር ከም ዘለዎ፤ ንሕውየቱ ሓላፍነት ክወስድ ከም ዘለዎ ይነግሮ።

ግን፡ ብዝዀነ መገዲ ካብቲ ዝኣተወሉ ማእከል ሕውየት ኣቋሪጸ ክወጽእ ዝብል ሓሳብ ሓሲቡ ኣይፈልጥን።

ኣብኡ ዝወሃቡ ስልጠናታት ብምውሳድ ድማ ነቲ ነዊሕ ዓቐበት ካልእ ህይወት ጀመረ።

ነዚ፡ መጀመርታ ኣብ ካልእ ሃገር ናብ ዝርከብ ሆስፒታል’ዩ ከይዱ።

ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሕውየት፡ ኒስትሮም ምስ ሓንቲ ካብ ፖርትላንድ ዝመጽአት ጓል ኣንስተይቲ ተራኺቡ፤ ምስኣ ድማ ናብ ኦሪገን ክምለስ ወሰኑ።

እንተዀነ፡ እቲ ዝምድና ኣይቀጸለን፤ ዝረኸቦ ስራሕ ግን ባይታ ፈጢርሉ።

ን10 ዓመታት፡ ኒስትሮም ቋንቋ ስፔን ንዝዛረቡ ተሓከምቲ ተርጓሚ ኰይኑ ሰሪሑ።

ሰብ ሞያ ክርድኡዎም ብምግባር፣ ኣብ ጥዕነኦም ዘጋጠሞም ነገር ክፈልጡ ብምሕጋዝ፣ ጽቡቕን ሕማቕን ዜና’ውን ክበጽሖም ብምግባር ሰሪሑ።

ኣብ ናይ መጀመርታ ናይ ስራሕ እዋኑ ንሓንቲ ውላዳ ዝሞታ ጓቲማላዊት እዩ ሓጊዙ።

“ካብ ሆስፒታል ወጺአ ብእግረይ እናኸድኩ እንከለኹ፡ 'ክገብሮ ዘለኒ እዚ'ዩ፡ ብኸምዚ'የ ንሕብረተሰብ ክክሕስ ዝኽእል’ ኢለ ሓሲበ። መሳርሕተይ 'ብዘይ ብኣኻ ክንገብሮ ኣይምኸኣልናን' ክብሉ እንከለዉ፡ ንዓይ ኣዝዩ ዝተፈለየ ምስጋና ነይሩ” ይብል።

ኒስትሮም፡ ናብ ኣመሪካ ቅድሚ ምኻዱ፡ ምስቲ ግዳም ሓደርን ውሉፍን እንከሎ ዝወለዶ ውላዱ ንፈለማ እዋን ተራኺቡ።

“ክሳብ ክንደይ ከም ዝተረድኦ ኣይፈልጥን እየ፤ ሽዑ ግን 'ብናይ እማን ኣጥፊአ’የ፤ ከም ኣቦ ፈሺለ። ክህሉ ኣብ ዝግብኣኒ ግዜ ኣይተረኸብኩን’ ኢለዮ። ኣብ ዝተረፈ ዕድመይ ግን ኵሉ ዘድልየካ ነገር ከም ዝህልወካ ንምርግጋጽ ዝከኣለኒ ኵሉ ክገብር እየ። ከመይ ኢለ ከም ዝገብሮ ግን ዋላ ሓደ ግምት ኣይነበረንን። ክገብሮ ከም ዝኽእል’ውን ኣይፈልጥን፤ ግን ቃል ኣትየሉ”ይብል።

ኒስትሮም ብዝተኻእለ መጠን ወዱ ንምክሓስ ኣሐይሉ ሰሪሑ።

“ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ዓመታት ስራሕ፡ ስራሕ፡ ስራሕ፡ ስራሕ ጥራይ'የ ዝገብር ነይረ። ንኻልእ ዝኸውን ግዜ ኣይነበረንን። ሰባት ከመይ ትረኽቦም ስለ ዘይፈልጥ ምስ ሰባት ክራኸብ ኣይደለኹን። ሰባት እንታይ የዕልሉ ከም ዘይፈልጥ ተረዲኡኒ” ዝብል ኒስትሮም ካብ ስራሕ ወጻእ ካልእ ነገር ከም ዘድልዮ ተገንዚቡ።

ኒስትሮም ኣብ ኮስታሪካ ብዘይፍለጥ ዓይነት ውድድር ብሽክለታ -ሳይክሎ-ክሮስ- ናይ ባዕሉ ጉዕዞ ዝጀመረ ሰብ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, @CORCORANSPHOTOS

መግለጺ ስእሊ, ኒስትሮም ኣብ ኮስታሪካ ብዘይፍለጥ ዓይነት ውድድር ብሽክለታ -ሳይክሎ-ክሮስ- ናይ ባዕሉ ጉዕዞ ዝጀመረ ሰብ'ዩ

ኵዕሶ እግሪ ፈቲኑ፤ እቲ ናይ ቀደም ኒሕን ሓቦን ግን ኣብ ቦታኡ ኣይነበረን።

ትራያትሎን (ምሕንባስ፣ ብሽክለታን ጉያን ዘካተተ ውድድር ስፖርት) ፈቲኑ፤ ነቲ ምሕንባስ ግን ጸሊእዎ።

ብሽክለታ ግን ፈቲዩዎ፤ ዋላ’ውን ኒስትሮም ኣዝዩ ንፉዕ እንተዘይነበረ ምንፋዕ ግን ክኢሉ’ዩ።

ሽዑ ዕድሚኡ ኣብ 30ታት ነይሩ፤ ሓሓሊፉ ካብኡ ብ20 ዓመት ምስ ዝንእሱ ሰባት ይወዳደር ነይሩ።

ኒስትሮም ግን ኣብ ሓደ ዓመተ ውድድር ጥራይ ካብ ጀማሪ ናብ ተወዳዳሪ ምድብ ሓደ ምዕባይ ክኢሉ።

ህይወት ኒስትሮም ተቐይሩ፤ ምስ ወዱ ዝነበሮ ርክብ ኣሐዲሱ፤ ውፉይ ዝዀነሉ ስራሕ ኣለዎ፤ ኣብ ብሽክለታን ማሕበራዊ ህይወቱን ዕጉብ ክኸውን ጀሚሩ።

እቲ ናይ ስፖርት ህይወቱ “ብዕቱብ” ወሲዱ ንወዱ እንታይ ዓይነት ስራሕን እምነትን ከምጽእ ከም ዝኽእል ብግብሪ ከርእዮ ወሲኑ።

“ኣብ ዓመት ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ግዜ ናብ ኮስታሪካ ክኸይድ እኽእል እየ፤ 'ንወወደይ ብዛዕባ ብሕልምታትኻ ተስፋ ዘይምቑራጽ ከመይ ጌረ እየ ፈጺሙ ዘይርስዖ ትምህርቲ ክህቦ ዝኽእል?' ኢለ ሓሲበ”።

ኣብ 2019 ኒስትሮም ናይ ዓበይቲ ሃገራዊ ናይ ጽርጊያ ውድድር ሻምፒዮና ኮስታሪካ ኣትዩ፤ ተዓዊቱ ድማ።

ዘውዲ እታ ዝተዓወተላ ውድድር ክደፍእ እንከሎ መጀመርታ ብዛዕባ ወዱ እዩ ሓሲቡ።

“ምናልባት ኣብ ህይወተይ ንመጀመርታ ግዜ ክሕበን ዝገበርኩዎ ኰይኑ ስለ ዝተሰምዓኒ ክኸውን ይኽእል” ይብል።

ብድሕሪኡ፡ ንወዱን ካልኦትን ክሕግዝ ይኽእል’ዩ ብዝብል ብዛዕባ ውልቃዊ ህይወቱ ብግልጺ ክዛረብ ጀሚሩ።

ኒስትሮም፡ ጉዕዞ ህይወቱ ብኻልእ ብድሆ ከሰንዮ ስለ ዝደለየ፡ ‘ሳይክሎ-ክሮስ’ (cyclo-cross) ናብ ዝብሃል ውድድር ኣቕለበ።

‘ሳይክሎ-ክሮስ’ ተቐዳደምቲ ብጭቃን ሑጻን፡ ኣብ ልዕሊ ቁልቁለት ዝበዝሖ ጎቦታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ጽርግያ ወጻኢ ኣብ ዝዀነ ቦታታት ዘካይድዎ ኣዝዩ በዳሂ ውድድር እዩ።

ነዚ ኒስትሮም ኣብ መጀመርታ ጸሊእዎ ነይሩ፤ “ዛሕሊ ነይሩ፤ ራሕሲ ኣሎ፤ ጭቃ ኣሎ፤ ካብ ብሽክለታ ክትወድቕ ምእንቲ ዝዀኑ ኣብ ቅድሜኻ የቐምጡ። እቲ ውድድር ከምኡ'ዩ!" ይብል።

ይኹን’ምበር፡ ብ2022 ሻምፒዮንሺፕ ‘ሳይክሎ ክሮስ’ ዓለም ኣብ ኣመሪካ ክካየድ ምስ ተወደበ፡ ኣብ ታሪኽ ሃገሩ ሳይክሎ-ክሮስ እኳ እንተዘይነበረ፡ ፈደሬሽን ብሽክለታ ኣብቲ ውድድር ክሰርዑዎ ጸቕጢ ገበረ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኩሉ ዘድሊ ገንዘብ ባዕሉ ምስ ኣከበ፡ ንክኣቱ ፍቓድ ረኺቡ፤ ሃገራዊ ማልያ ተኸዲኑ ድማ ጣዕሚ ናይ መጀመርታኡ ዝዀነ ዓለምለኻዊ ውድድር ከስተማቕር በቕዐ።

ኣብዚ ግዜ ብዓበይቲ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ መወዳእታ ደረጃ ሒዙ ዛዚሙ፤ታሪኹ ንክነግር ግን በቒዑ።

“ዝዀነ ሰብ ኣብቶም ውድድራት ውጽኢት ከምጽኣሉ ጥራይ ዝጽበ እንተዀይኑ፡ ብሽክለታ ኣይፈልጥን'ዩ። ኣነ ካብ 12 ክሳብ 15 ሓሓሊፉ ድማ ክሳብ 18 ሰዓታት ዝሰርሕ ወዲ 40 ዓመት ሰብኣይ እየ፤ ነዚ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝካየድ ውድድራት ንምስታፍ ክኣ መዋሊ የብለይን ወጻኢታተይ ባዕለይ'የ ዝሽፍን” ይብል።

እዚ ተወፋይነቱ ፡ ኣብ ቤልጅምን ኔዘርላንድን ኣብ ዝካየዱ ውድድራት ክሳተፍን ሓያሎ ደገፋት ክረክብን ኣኽኢሉዎ እዩ።

ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ህይወት ካልእ ሰብ ለውጢ ንምምጻእን እቲ ኣብ ውሽጡ ዝስምዖ ጽቡቕ ስምዒት ንምውናንን ብዛዕባ ታሪኹ ካብ ምውጋዕ ንድሕሪት ኣይብልን።

“ኣብ ዝዀነ ቦታ ከምቲ ኣነ ዝተሳቐኹዎ ዝሳቐ ሰብ ኣሎ። ነዚ ሰብ ኣለኹልካ ክብሎ ተስፋ ይገብር” ኢሉ።