ኣፍሪቃ፡ ዕርቃን ዘርኢ ምስልታት 'ክንዝርግሖ ኢና' ኢሎም ከፈራርሑ ዝጸንሑ ተኣሲሮም

ኣብ 14 ሃገራት ኣፍሪቃ ብዝተኻየደ ስርሒታት 'ዕርቃንካ ዘርኢ' ኰነ ከምኡ መሳሊ ካልእ ምስልታት ክንዝርግሕ ኢና እናበሉ ብምፍርራሕ ገንዘብ ክቕበሉ ዝጸንሑ ኣስታት 260 ጥርጡራት ጓሓላሉ ሳይበር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም።

እዚ ስርሒት'ዚ፡ ብኢንተርፖል ዝተዋደደን ዓባይ ብሪጣንያ ዝመወለቶን ኰይኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ካልኦት መደረኻት ኢንተርነትን ተጠቒሞም፡ ንሰባት ብፍቓራዊ ምቅርራባት ብምትላልን ኣሳእል ኰነ ቪድዮታት ብምሓዝን ገንዘብ ክወስዱ ንዝጸንሑ ዒላማ ዝገበረ እዩ።

ዳይረክተር ገበናት ሳይበር ኢንተርፖል ኒል ጀተን ንቢቢሲ ኒውስደይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ምስ ሓደ ሰብ ርክብ ክትሃንጽ ነዊሕ ኣይወስድን'ዩ... እዚ ምትእምማን ድማ ኣብ ሓጺር ግዜ ይብተኽ፡" ይብል።

ኣብ ብዓል ጋና፡ ኬንያ፡ ኣንጎላን ካልኦት ሓያሎ ሃገራትን 1,400 ግዳያት ናይዚ ሳይበራዊ ምትላል ዝዀኑ ሰባት ተለልዮም።

ኢንተርፖል፡ ግዳያት ብድምር ዳርጋ 2.8 ሚልዮን ዶላር ከም ዝኸሰሩ ይግምት።

እዚ ፍጻመ'ዚ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዕድመ ንዝርከቡ ሰባት ዝተንከፈ እኳ እንተዀነ፡ ኒል ጀተን ግን ብዝያዳ ንሽማግለታት ዒላማ ከም ዝገበሩ ሓቢሩ።

እቲ ሃድን ኣብ መንጎ ሓምለን ነሓሰን ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ፖሊስ ምስ ጕጅለታት ሳይበራዊ ጐሓላሉ ዝተኣሳሰሩ IP ኣድራሻታት፡ ድጂታላዊ ትሕተ-ቕርጺታት፡ ዶመይናትን ፕሮፋይላት ማሕበራዊ መራኸቢታትን መርሚሩ። ኣብ መላእ ኣፍሪቃ 81 ጕጅለታት ገበናት ሳይበር ተራእዮም።

ኢንተርፖል፡ ሰባት ንምምዝማዝን ንምጥቃዕን ዝሃድኑ መርበባት ንምብንጣስን ንምዕናውን ቈሪጹ ከም ዝተላዕለ ይገልጽ።

ግዝያዊ ፈጻሚ ዳይረክተር ኣገልግሎት ፖሊስ ኢንተርፖል ሲሪል ጎውት፡ "ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ዝርከባ ኣሃዱታት ገበናት ሳይበር፡ ብኢንተርነት ዝካየድ ገበናት ምዝመዛ ጾታዊ ርክብን ምትላል ፍቕራዊ ምቅርራብን ሓያል ወሰኽ ከም ዘርኣዩ ይሕብሩ ኣለዉ፡" ይብል።

ኣብ መርበብ ሓበሬታት ዝርከቡ መድረኻት፡ ገበነኛታት ንሰባት ብቐሊሉ ክጐድኡ ብምግባር ፋይናንሳዊ ክሳራን ስነኣእምሮኣዊ ጕድኣትን ከም ዘስዕቡ ገሊጹ።

ኣብ ጋና፡ ኣስታት 68 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም፣ 835 መሳርሒታት ተታሒዞም፣ 108 ግዳያት ድማ ተለልዮም። መርመርቲ ካብቲ ኣስታት 450,000 ዶላር ዝግመት ፋይናንሳዊ ክሳራ፡ 70, 000 ዶላር ክሕዙ ወይ ከምልሱ ክኢሎም።

እቶም መታለልቲ ናይ ሓሶት ሰነዳት ተጠቂሞም፡ ኣብ እዋን ወግዒ ፍትወታዊ ምቅርራባት ብሕቡእ ቪድዮታት ብምቕራጽ ግዳያት ንምጽላም ክጥቀምሉ ጸኒሖም።

ኣብ ሰኔጋል፡ 22 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ከም መርበብ ህቡባት ሰባት ተመሲሉ ክሰርሕ ዝጸንሐ ሓደ ጕጅለ፡ ንማሕበራዊ መራኸቢታትን ናይ ሌላ መተግበሪታትን ተጠቒሙ፡ ካብ 120 ግዳያት ኣስታት 34,000 ዶላር ብምትላል ወሲዱ።

ፖሊስ፡ 65 መሳርሒታት፡ ናይ ሓሶት መለለዪ መንነትን መዛግብቲ ምትሕልላፍ ገንዘብን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ።

ኣብ ኣይቮሪኮስት፡ 24 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። 29 መሳርሒታት ክተሓዙ እንከለዉ፡ 809 ግዳያት ድማ ተለልዮም። እቶም ጐሓላሉ፡ ናይ ሓሶት ናይ ኦንላይን ፕሮፋይላት ተጠቒሞም፡ ግዳያት ብምጽላም፡ ናብ ህዝቢ ንኸይቃላዕ ድማ ክፍሊት ክጠልቡ ጸኒሖም።

ኣብ ኣንጎላ፡ 8 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ ከለዉ፡ 28 ደቂሃገርን ወጻእተኛታትን ግዳያት ተለልዮም።

ካልኦት ኣብዚ ጉዳይ ዝተሳተፋ ሃገራት፡ ቤኒን፡ ቡርኪናፋሶ፡ ጋምብያ፡ ጊኒ፡ ኬንያ፡ ናይጀርያ፡ ሩዋንዳ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኡጋንዳን ዛምብያን እየን።