እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢንተርነት ሓደጋኡ ንህጻናት ኣሰካፊ ኰይኑ፤ ‘እንታይ ደኣ’ዩ ዝግበር?’
ዕድል ተጠቃምነት ኢንተርነት ዝረኸቡ ህጻናት ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ብዝርእይዎ ነገራት፡ ብፍላይ ኣብ ዳሕረዋይ ህይወቶም ዘስዕበሎም ሓደጋታት ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ኣሰካፊ እናዀነ ይመጽእ ምህላዉ ክኢላታት የጠንቅቑ'ለዉ።
ብማእከል መጽናዕቲ ያንግ ኤንድ ረዚሊየንት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምዕራብ ሲድኒን ብ ዘይመንግስታዊ ትካል ሴቭ ዘ ቺልድረንን ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ ህጻናት ብፍላይ እቶም ካብ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ስድራቤታት ዝመጹ፡ ካብ ዘይፈልጥዎ ሰባት ዝመጽእ ዘይግቡእ ወይ ዘይተደልየ ሕቶታት ናይ ምዕጋት ተኽእሎኦም ትሑት ምዃኑ ይገልጽ።
እቲ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ እቶም ንኸምዚ ዝበለ ነገራት ዝተቓልዑ ማለት ብዘይምጽብጻብ ወይ ብዘይምዕጋት ዝዀነ ትሕዝቶ ዝቕበሉ ህጻናት፡ ኣብ መጻኢ ህይወቶም ዘይተደልየ ርክብ ንኽህልዎም ዝያዳ ንሓደጋታት ቅሉዓት ምዃኖምን የረድእ።
ብዙሓት መንግስታት ነቲ ክወርድ ዝኽእል ሓደጋታት ብምግንዛብ፡ ኣብ ሕጊ ዝሰፈረ ተግባራዊ ስጕምታት ክወስዱ ይረኣዩ ኣለዉ።
ስለዚ ድሕነት ደቅኹም ብኸመይ ከተረጋግጹ ትኽእሉ? መንግስታትን ትካላትን ዝያዳ ሓለዋ ንኽገብሩኸ፡ እንታይ ጻዕርታት ክገብሩ የድሊ?
ህጻናት ኣብ ኢንተርነት ክንደይ ግዜ የሕልፉ፣ ሓደጋታትከ እንታይ እዮም?
ህጻናት ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ኢንተርነት ዝያዳ ግዜ የሕልፉ ከምዘለዉን፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፍርቂ ካልኢት ሓደ ህጻን ኣብ ኢንተርነት ይኣቱ ከምዘሎን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።
"ህጻናት ብኢንተርነት ይዓብዩ ኣለዉ፤ ነቲ ብቐጻሊ ዝቕየር ዲጂታዊ መድረኽ ብውሑስ መንገዲ ክድህስስዎን ክጥቀምሉን ደገፍ የድልዮም" ትብል ኣብዚ ጉዳይ ተመራማሪት ኣማንዳ ሰርድ - ካብ ሲድኒ።
ህጻናት ኣብ ኢንተርነት፡ ጽልኢ ንዝመልኦ ዘረባ፡ ዓመጽ ዝረኣዮ ትሕዝቶን ብዝተፈላለዩ ኣኽረርቲ ጕጅለታት ዝግበር ጻውዒታትን ስብከታትን፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ውዲታዊ ክልሰሓሳባትን ካልእን ክቃልዑ ምኽኣሎም ዘተሓሳስብ ኰይኑ ኣሎ።
ይዅን'ምበር፡ "እቲ ኣዝዩ ዘሰክፍ ግን፡ ብኢንተርነት ዝግበር ጾታዊ ምዝመዛን ግህሰትን" ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
ብመሰረት ጸብጻብ ዩኒሴፍ፡ [ኢንተርነት] ንህጻናት ናብ ገበነኛታት ጾታዊ ዓመጽ ህጽናት የቃልዖምን ምስኣቶም ርክብ ክገብሩን የኽእሎም፤ ኣሳእል ከሰጋግሩን ካልኦት ገበናት ንኽፍጽሙ ዘተባብዕ ቀሊል መገዲ ኰይኑሎምን ኣሎ።
ስድራቤታዊ መቈጻጸሪ እንታይ እዩ?
ዘይግቡእ ትሕዝቶ ንምዕጋትን ንምምማይን ምጽራይን ዘኽእሉ ኣገባባት’ኳ እንተሃለዉ፡ ብዙሓት ወለዲ ግን ብግቡእ ከምዘይጥቀሙሎም እዮም መጽናዕትታት ዝሕብሩ።
ኣብ ተሌፎናት ህጻናት ወይ ካልእ መሳርሒታት መቈጻጸሪ ወለዲ ምጥቃም ትሑት እዩ ዘሎ፤ እዚ ድማ ነቲ ጉዳይ ዝያዳ ኣሰካፊ ይገብሮ።
ደቈም ዘይግቡእ ትሕዝቶ ካብ ምርኣይ ክኽልክሉ ወይ ክቈጻጸሩ ዝደልዩ ወለዲ፡ ኣብቶም ኣብ ዓለም ብመንእሰያት ገኒኖም ዝዝውተሩ መድረኻት ዩትዩብን ቲክቶክን ንኣብነት፡ ነቲ ንትሕዝቶ እኹላት ሰባት ዝፈሊ፣ "ህጻናት" ዝብል ምድብ/ዓምዲ ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።
ነቲ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንዝጥቀሙ ዓበይቲ ህጻናት፡ ወለዲ ክትትል ዝግበረሎም ሕሳባት ክጥቀሙ ይኽእሉ፤ እዚ ድማ ደቆም ዝኸፈትዎ መርበባት ክምርምሩ እውን የኽእሎም።
ኣብ ፌስቡክ-መሰንጀር እውን፡ ብመንገዲ ስድራቤታዊ ማእከላቱ [Family Centre] ወለዲ ግቡእ ክትትል ክገብሩ ይኽእሉ።
ቲክቶክ እውን፡ በቲ ንስድራቤት ዝምልከት መሳርሒኡ፡ ወለዲ ሕሳብ ሓደ መንእሰይ ወዶም ብሕታዊ ክገብርዎን ከይክገብርዎን ክውስኑ ዘኽእሎም ኣገባብ ከምዘሎ ይገልጽ።
መቈጻጸሪ ወለዲ ኢንስታግራም እውን ንመዓልታዊ ገደብ ግዜ፡ መደብ ዕረፍቲን ሰዓታትን ደቆም ዘጠቓልል ኣገባባ ምክትታል ከምዘለዎ እዩ ዝፍለጥ።
ብመሰረት’ቲ ኣብዚ መዳይ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ግን፡ እቲ ኣተሓሳሳቢን ኣሰካፊን ኰይኑ ዘሎ ጉዳይ፡ ብዙሓት ወለዲ ነዚታት ብግቡእ ዘይጥቀሙሉ ምዃኖም ጥራይ ዘይኰነስ ዘይፈልጥዎ ምዃኖም እውን እዩ።
ሞባይላትና ዘለወን ዓቕሚ ምክትታል እንታይ ይመስል?
ኣንድሮይድን ኣፕልን ዝዓይነተን ተሌፎናት ይዅና ታብለታት፡ ወለዲ ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ መከታተልን መቈጻጸርን ኣገባባት ኣለወን።
እዘን መሳርሒታት፡ ንፍሉይ መተግበሪታት ክዓግታ ወይ ክድርታ፣ ግሉጽ ዝዀነ ትሕዝቶ ክኽልክላ፡ ዘየድሊ ዕድጊታት - ትሕዝቶ - ክድርታን፡ ዝተፈላለዩ ዘይኣድለይቲ መርበባት ንምኽፋት ዝግበር ፈተነ’ውን ክነጽጋ ዓቕሚ ኣለወን።
ኣፕል ‘ስክሪን ታይም’፡ [ግዜ ስክሪን] ጉግል ‘ፋሚሊ ሊንክ’ [መላግቦ ስድራቤት] ይህቡ፤ ከምኡ ተመሳሰልቲ ብሳልሳይ ወገን ዝማዕበሉ መተግበሪታት ዕድል ይህቡ።
ከም ኔትፍሊክስ ዝኣመሰሉ መደረኻት ፈነወ እውን፡ ወለዲ ደቈም ክርእይዎ ንዝደልዩ ወይ ዝኽእሉ ትሕዝቶታት፡ ቅጥዕታት መሳርሒታት ‘ገይም’ ምስ ዕድመ ዝሰማማዕ ጸወታን ትሕዝቶን ክመርጹ ከምኡ’ውን ዝግበር ዕድጊ ‘ገይማት’ ክከታተሉን ከመሓድሩን የኽእሎም።
እዞም ምቍጽጻራት ከከም ሃገራቱን ኣገልግሎት ዝህባ መደበራት ፈነወ ዘቕርባኦ ቅጥዒን ኣገባባትን ግን ዝፈላለ ኰይኑ፡ ወለዲ መምርሒታት ዝነብሩወን ክስዕቡ ትጽቢት ይግበር።
ብዛዕባ ሓደጋታት ኢንተርነት ምስ ደቅና ብኸመይ ክንዘራረብ ይግባእ?
ምስ ደቅና ብዛዕባ ድሕነት ኢንተርነት፡ ኣብ ኢንተርነት ዝገብርዎ ንጥፈታትን ኣገዳስነቱን ብዕቱብ ምዝርራብ መሰረታዊን እዋናዊን ምዃኑ መጽናዕቲታት የመልክቱ።
ልክዕ ከምቲ መዓልታዊ ብዛዕባ ትምህርቶም እንሓቶምን እነዘራርቦምን፡ ብዛዕባዚ ጉዳይ ዕቱብ ዘተ ምክያድ ኣካል መዓልታዊ ዕላል ምግባር ይመከር፤ በዚ ዕድል ድማ ቈልዑ ዝዀነ ስክፍታኦም ብቐሊሉ ከካፍሉ ይኽእሉ።
"እቲ ዝኸፍአ ነገር ግን ንሓደ መንእሰይ፡ 'እዚ ክትርእዮ ኣይትኽእልን ኢኻ' ምባል'ዩ" ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳሪ ክኢላ ድሕነት ኮምፒተር ፕሮፌሰር ኣላን ዉድዋርድ ንቢቢሲ ይገልጽ።
ከምኡ እንተተባሂሎም ህንጡይነት ስለዝሓድሮም፡ነቲ መርበባትን ዝተኸልከሎምን ንምርኣይ ክሰግሩሉ ዝኽእሉ መስመራት ማለት ቪፒኤን (ቨርቹዋል ፕራይቨት ኔትወርክ) ክጥቀሙ፤ ወይ’ውን ብኻልእ መንገዲ ክረኽቡሉ ዝኽእሉ ኣገባባት ከመርጹ ወይ ክፍትኑ ከምዝኽእሉ፡ እቲ ፕሮፌሰር የዘኻኽር።
መንግስታት እንታይ ይገብራ ኣለዋ?
ኣብ ቀረባ ዓመታት ብፍላይ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ተቘጻጸርቲ፡ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ብኢንተርነት ክወርዶም ካብ ዝኽእል ሓደጋታት ንምክልኻል ዘኽእል ሕጊታት ብሕታዊነት ንምትግባር ከሐይሉን፡ ሓገግቲ ኣካላት ድማ ኣብዚ መዳይ ብንጥፈት ክዋስኡን ጸኒሖም ኣለዉ።
ንኣብነት ኣብ ብሪጣንያ ወይ ኣብ ካሊፎርንያ፡ ኩባንያታት ዝህባኦ ኣገልግሎታት ብሕታዊነትን ድሕነትን ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ብዝሕሉ መንገዲ ክነድፋ ግዴታ ኣለወን።
ገለ ሕጊታት ኣሜሪካ፡ ወለዲ፡ ንኣጠቓቕማ ኢንተርነት ውሉዳቶም ንምኽልኻል ዘኽእል ዘለዎም ተራ ኣጕሊሖም ይገልጹ እዮም።
ኣብ 2020 ብራዚል ውልቃዊ መረዳእታ ንምእካብ ሕጊ ኣጽዲቓ'ኳ እንተነበረት፡ ኣባላት ባይቶ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ድሕነት ኢንተርነት ህጻናትን መንእሰያትን ንምክልኻል ዝሕግዙ ኣገባባት፤ ንኣብነት ወሃብቲ ኣገልግሎት ኢንተርነትን ኣቕረብቲ ፍርያትን ኣብ ትሕዝቶ ጾታዊ ዓመጽ ዝኣመሰለ ስርዓተ-መጠንቀቕታ ‘ኖቲፊኬሽን’ ንኸተኣታትዉ ዘገድድ ሕጊ ንምትእትታው።
ፈረንሳ ኣብ 2022 ኣብ ምስ ኢንተርነት ዝተኣሳሰሩ መሳርሒታት ምቍጽጻር ወለዲ ግዴታ ገይራቶ።
ኣብ ኤርትራ እውን እንተርኢና፡ ኣገልግሎት ኢንተርነትን ተበጻሕነትን ኣመና ድሩት ብዋጋ’ውን ክቡር ኰይኑ፡ ኣብ ኢንተርነት ካፈታት ዝወሃብ ውሱን ኣገልግሎት እዩ ዘሎ።
ኣብ ርእስ’ቲ ካልእ፡ ጾታዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መርበባት ምኽፋት ከምዘይፍቀድን ብሕጊ ከምዘቕጽዕን ዝገልጽ ጽሑፋት ክጥቅዓ ድማ እተን ትካላት ይግደዳ። እቲ መርበባት ተበጻሒ ከምዘይከውን ክገብራኦ’ውን ግዴታ ከምዘለወን ይፍለጥ።