‘ከይተዓደመ’ ናብ ቤት ጽሕፈት መሸጢ ሳእኒ ስኬቸርስ ዝኣተወ ካንየ ዌስት ተሰጒጉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፍሉጥ ኣፍራዪ ሳእኒ ስኬቸርስ፡ ‘‘ከየፍለጠን ከይተዓደመን’’ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣትዩ ንዝበሎ ብ ዬ ዝፍለጥ ራፐር ካንዬ ዌስት ከምዝሰጎጎ ገሊጹ፡፡
እቲ ትካል ምስቲ ራፐርን ዲዛይነርን ናይ ምስራሕ ‘‘ሓሳብ የብለይን’’ እውን ኢሉ፡፡
ዬ ኣንጻር ሴማውነት ዘቕነዐ ዘረባ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምዝራቡ ስዒቡ፡ ክዳውንትን ጫማታትን ስፖርት ዘፍርይ ጀርመናዊ ትካል ኣዲዳስ፡ ምስቲ ራፐር ዝነበሮ ርክብ ከምዝበተኸ ድሕሪ ምግላጹ እዩ ስኬቸርስ ነዚ ስጉምቲ ወሲዱ ዘሎ፡፡
ቢቢሲ ርእይቶ ካንዬ ዌስት ንምስማዕ ናብ ወኪሉ ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ፡፡
ስኬቸርስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ዬ ናብ ቤት ጽሕፈት እቲ ትካል ሰባት ኣኪቡ ከምዝመጸን ‘‘ዘይተፈቐደሉ ቐረጻ ከምዘካየደን’’ ይገልጽ፡፡
ምስቶም ሰባት ድሕሪ ዝተገበረ ዝርርብ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ክወጹ ከምዝተገበረ'ውን ጠቒሱ፡፡
ብተወሳኺ ‘‘ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝገበሮ ከፋፋላይ ዘረባ ንኹንኖ ኢና፡ ከምኡ እውን ጸረ-ሴማውነት ወይ እውን ዝኾነ ናይ ጽልኢ ዘረባ ኣይንጻወርን’’ ኢሉ፡፡
‘‘ዌስት ከየፍለጠን ከይተዓደመን ምምጽኡ እውን ደጊምና ክነነጽር ንፈቱ፡፡’’
ተጠቃዓይ ሕማም ምልውዋጥ ስምዒት (ባይፖላር ዲስኦርደር) ዝኾነ ዬ፡ ኣብ ቀረባ እዋናት ምስ ብዙሓት ፍሉጣት ትካላት ናብ ምስሕሓብ ዝኣተወ ኮይኑ፡ ብዙሓት ምስኡ ዝነበሮም ርክብ ኣቋሪጾም ኣለዉ፡፡
እዞም ምክራራት ኣብ ኣታዊኡ ከቢድ ክሳራ ከስዕቡ ከምዝኽእሉ ዝግመት ኮይኑ፡ ካብ ዝርዝር ቤልየነራት መጽሄት ፎርብስ ወሪዱ ኣሎ፡፡
እቲ መጽሄት ከምዝሓበሮ፡ እቲ ራፐር ምስ ኣዲዳስ ዝነበሮ ምሕዝነት ብምቁራጹ ዝውንኖ ዝተጻረየ ሃብቲ ካብ 1.5 ቢልዮን ዶላር ናብ 400 ሚልዮን ዶላር ወሪዱ እዩ፡፡
ብምኽንያት ካንዬ ዌስት ዝሃቦ ዘረባ ጸረ-ሴምነት፡ ኣሪ ኢማኑኤል ዝተባህለ ትካል ኢንተርተይንመንት ኩሎም ትካላት ምስቲ ራፐር ዘለዎም ርክብ ክበትኩ ዝጸወዐ ኮይኑ፡ እቲ ራፐር ቅድሚ ሰዓታት ኣብ ኢንስታግራም ምላሽ ሂብዎ፡፡
‘‘ኣሪ ኢማኑኤል፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ክልተ ቢልዮን ዶላር ስኢነ፣ ብህይወት እውን ኣለኹ፡፡ እዚ ናይ ፍቕሪ ዘረባ እዩ፣ ሐዚ እውን ይፈትወኩም እየ፡፡ ኣምላኽ ይፈትወኩም እዩ፡፡ እቲ ገንዘብ ኣይገልጸንን፣ እቲ ህዝቢ እዩ ዝገልጸኒ’’ ክብል ጽሒፉ፡፡
ዌስት ብምኽንያት እቲ ኣብ ትዊተር ዝለጠፎ ጽሑፍ ጸረ-ሴምነት፡ ትዊተሩ ተዓጽዩ እዩ፡፡
ኣዲዳስ ድሕሪ እቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምህርቲታት ካንዬ ምሻጥ ብቕልጡፍ ደው ከምዘብል ዝገለጸ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ምቁራጽ እቲ ዕዉት ዝነበረ ሽርክና ንግዲ፡ ኣዲዳስ ኣብ 2022 ጥራሕ 217 ሚልዮን ፖውንድ ክስእን እዩ፡፡
ኣብ መፈለምታ እዚ ዓመት እቲ ራፐር ዝኸፈቶ ዓመታዊ 15 ሽሕ ዶላር ዝኽፈሎ ቤት ትምህርቲ ብጊዝያውነት ከምዝዓጸወ እውን ተገሊጹ፡፡
ምስ ካንዬ ዌስት ዝነበሮም ንግዳዊ ርክብ ዘቋረጹ ትካላት በዓል መን እዮም?
ባንኪ ኢንቨስትመንት ጄፒ ሞርጋንን ትካል ፋሽን ባለንሲያጋን ምስቲ ራፐር ተፈላልዮም እዮም፡፡
ምስ ኤጀንሲ ተውሃቦ (ታለንት) ዝነበሮ ርክብ እውን ተበቲኹ ኣሎ፡፡
ኣብ ወርሒ መስከረም ምስ ዬ ዝነበሮ ርክብ ዘቋረጸ ጋፕ እውን፡ ምህርቲታት ዪዚ ጋፕ ካብ ድኳናቱን ኦንላይን መሸጣን ብቕልጡፍ ክውገዱ ስጉምቲ ይወስድ ኣሎ፡፡
ትካል ፊልምን ቴሌቪዥንን ኤምኣርሲ፡ ነቲ ራፐር ኣመልኪቱ ዝሰረሖ ዶክመንተሪ ከምዘየመሓላልፎ ብሰኑይ ገሊጹ፡፡
ዬ ዛጊድ ብዛዕባ እቲ ዝሃቦ ጸረ-ሴማዊ ዘረባ ይቕረታ ኣይሓተተን፣ ብ 15 ጥቅምቲ ድማ ድሪንክ ቻምፕየንስ ኣብ ዝተባህለ ፖድካስት ንዘረብኡ ክከላኸል ተሰሚዑ፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







