ታሪኻዊ ዲፕሎማስያዊ ፍጻመ፡ ብዛዕባ ፈላሚ ኣምባሳደር ሶማልያ ኣብ ኤርትራ እንታይ ንፈልጥ?

ኣምባሳደር ዑመር ኢድሪስ

ምንጪ ስእሊ, AMBASSADOR IDRIS

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዓርቢ ወረቐት ስራሕ 19 ኣምባሳደራት ብወግዒ ተቐቢሉ ነይሩ።

ኣብቲ ኣብ ኣዳራሽ ደንደን ዝተኻየደ ስነስርዓት፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ኣምባሳደራት ጅያንሊካ ግሪፓ ናይ ኣውሮጳዊ ሕብረት፣ ፓራካሽ ቻንድ ናይ ህንዲ፣ ጀሮም ካውቻርድ ናይ ፈረንሳን ዑመር ኢድሪስ ናይ ሶማልያን ወረቐት ስርሖም ኣረኪቦም።

ብዘይካ’ዚ ተንቀሳቐስቲ ኣምባሳደራት ፊንላንድ፣ ስጳኛ፣ ማሊ፣ ዮርዳኖስ፣ ዩጋንዳ፣ ኒጀር፣ ቸክ ሪፓብሊክ፣ ግሪኽ፣ ደቡብ ኮርያ፣ ጃማይካ፣ ስዊስ፣ ኣንጎላ፣ ኦስትርያን ሽወደንን ወረቐቶም ምርካቦም መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ገሊጸን።

እቶም ኣምባሳደራት ዝምድናን ምትሕግጋዝን ሃገራቶም ምስ ኤርትራ ንምምዕባልን ንምድንፋዕን ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ ምርግጋጾም እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።

ሓደ ካብዞም ብወግዒ ስርሖም ዝጀመሩ ዲፕሎማሰኛታት ግን ኣቓልቦ ብዙሓት ስሒቡ'ሎ- ኣምባሳደር ሶማልያ።

ዑመር ሸኽ ዓሊ ኢድሪስ ኣብ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ፈላሚ ኣምባሳደር ሶማልያ ኣብ ኤርትራ ምዃኑ ክብሪ ከምዝስምዖ ገሊጹ።

“ኣብ ታሪኽ እዘን ክልተ ኣሓት ሃገራት፡ ፈላሚ ኣምባሳደር ሶማልያ ኣብ ኤርትራ ምዃነይ ሓበን ይስምዓኒ” ኢሉ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post

ዝምድና ኤርትራን ሶማልያን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ክሕደስ እንከሎ፤ ኤርትራ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሓይልታት ሶማልያ ኣሰልጢና ኣላ።

ኣብ ኤርትራ ንዓመታት ወተሃደራዊ ስልጠና ዝወሰዱ ሓይልታት ምድሪ፡ ኣየርን ባሕርን ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሮም ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ይግለጽ።

እቲ ኣብ ሶማልያ ተዋፊሩ ዘሎ ዓቃቢ ሰላም ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ዝመጽእ ዓመት ካብታ ሃገር ክወጽእ ምዃኑ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን እቶም ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ ሓይልታት ኣብ ጸጥታ እታ ሃገር ኣገዳሲ ተራ ክጻወቱ ትጽቢት ይግበር።

ብዛዕባ ኣምባሳደር ዑመር ኢድሪስ እንታይ ንፈልጥ?

ኣምባሳደር ዑመር ሸኽ ዓሊ ኢድሪስ ወረቐት ስርሑ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ እናረከበ

ምንጪ ስእሊ, @OmarIdris941428

ኣምባሳደር ዑመር ሸኽ ዓሊ ኢድሪስ ኣብ ዲፕሎማሲ ብፍላይ ከኣ ኣብ ምሕደራ ቅልውላው፡ ድርድርን ምህናጽ ሰላምን ሰፊሕ ኣፍልጦ ከምዘለዎ ይንገር።

ኣብ እዋን ምሕደራ ቀዳማይ ሚኒስተር መሓመድ ኣብዱላሂ ፋርማጆ ከም ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ኣገልጊሉ።

ኣብ ኮስታሪካ ካብ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ዶክትረይት ዝረኸበ ኣምባሳደር ዑመር፡ ካብ 2011 ክሳዕ 2017 ከኣ ኣምባሳደር ሶማልያ ኣብ ቐጠር ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ብዘይካዚ ኣብ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን ሰላምን ጸጥታን፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ዩኒቨርስቲ እስላም ማሌዥያ፡ ምኽሪ (ካውንስሊን) ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ዓለምለኻዊ ዩኒቨርስቲ ኣፍሪቃ ከኣ ጂኦግራፍን ታሪኽን ኣጽኒዑ።

ኣምባሳደር ዑመር ኣባል ፈራዶ ሶማልያ እውን ኔሩ።

ዝጸንሐ ዝምድና ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሶማልያን

ናይ ሰማንያታት ስእሊ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ምንጪ ስእሊ, EriTV

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሶማልያ ምስ ኤርትራ ዝምድናኣ ዘሐየለት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ እዩ።

ኣብ 2006 ኢትዮጵያ፡ ነቶም 'ሕብረት ኢስላሚክ ኮርትስ' (እስላማዊ ፈራዶ) ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ጉጅለታት ሶማልያ ካብ ስልጣን ንምእላይ ሰራዊታ ድሕሪ ምእታዋ፡ ኤርትራ ነቲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ብምቅዋም ክሳብ ካብ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ወጺኣ ምንባራ ይዝከር።

እቲ ብኢትዮጵያ ዝድገፍ ዝነበረ ኣብ ባይዶዋን ኬንያን ዝመደበሩ መሰጋገሪ መንግስቲ'ውን ብኤርትራ ተቐባልነት ኣይነበሮን።

ኣብ 2009 ኤርትራ ንኣልሸባብ ወተሃደራዊ ደገፍ ትገብረሎም'ያ ብዝብል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊኣ ዘንበሮ እገዳ፡ ደገፍ ኢትዮጵያ ትርከበን ጎረባብቲ ሃገራት ዝነበሮ'ዩ። ኤርትራ ግን እቲ ክሲ ሓቅነት ከምዘይነበሮ'ያ ትምጉት። እቲ እገዳ ኣብ 2018 ተላዒሉ'ዩ።

ገለ ካብ ፍሉጣት መራሕቲ ናይቶም ኣብ ሞቓድሾ ንሓጺር ዋን ስልጣን ሒዞም ዝነበሩ 'ኢስላሚክ ኮርትሰ' ኣብ ኣስመራ ተዓቚቦም ምንባሮም'ውን ጥርጣረታት ምትእትታው ኤርትራ ፈጢሩ ነይሩ'ዩ።

ኣብቲ እዋናት፡ ነታ ጠርናፊ መንግስቲ ተሓሪሙዋ ፋሕፋሕ ኢላ ዝነበረት ሶማልያ ዳግም ንምህናጽ ኣብ ኣስመራ ዋዕላ ተቓወምቲ ጉጅለታት ተኻይዱ ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣብ 2018፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራሙ ግን፡ እታ ዓለምለኻውን ዞባውን ተነጽሎ ኣጋጢሙዋ ዝነበረት ኤርትራ ምስ ሃገራት እቲ ዞባ ዘለዋ ዝምድና ክመሓየሽ ተራእዩ።

ከም መርኣያ ናይዚ ድማ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከም መራሒ ሃገር ንፈለማ እዋን ኣብ 2018 ናብ ሞቓዲሹ ወግዓዊ ምብጻሕ ክፍጽም እንከሎ፡ ፕረዚደንት መሓመድ ኣብዱላሂ ፋርማጆ ተቐቢልዎ።

እቲ ፕረዚደንት ምብጻሕ ዝፈጸመሉ እዋን፡ መራሕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዲፕሎማስያውን ቁጠባውን ዝምድናታቶም ንምሕያል ኣብ ዝተሰማምዑሉ ዓመት እዩ ነይሩ።

ፕረዚድት ኢሳይያስ ኣብ ሞቓድሾ ኣብ 2018

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኢሳይያስ ሽዑ ናብ ሶማልያ ከም ፕረዚደንት እኳ እንተገሸ ንሞቓዲሹ ግን ጋሻ ኣይነበረን።

መራሒ እቲ ንናጽነት ኤርትራ ዝቃለስ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዝነበረሉ ኣብ 1980ታት ኣቶ ኢሳይያስ ናብ ሶማልያ ይመላለስ ኔሩ እዩ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገበረመስቀል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሶማላውያንን ንነዊሕ ዝጸንሐ ዝምድና ምህላው እዩ ገሊጹ።

“እወ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሰማንያታት ምክትል ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ዝነበረሉ ንሞቓዲሹ ብዙሕ ይገይሽ ኔሩ። ህዝብን መንግስትን ሶማልያ ሓገዝ ይገብሩልና ኔሮም፡” ኢሉ።

ሶማልያ ኣብ 1977 ምስ ኢትዮጵያ ናብ ኲናት ድሕሪ ምእታዋ መንግስቲ ሲያድ ባረ ንገለ ካብቶም ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዋግኡ ዝነበሩ ሓይልታት ይሕግዝ ምንባሩ ይግለጽ።

ብዙሓት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ድማ ናይ ሶማል ፓስፖርትን ዜግነትን ተዋሂብዎም ካብን ናብን ሜዳ ኤርትራ ይንቀሳቐሱ ምንባሮም ይግለጽ።

ኤርትራ ኣብ 1991 ሓርነታ ድሕሪ ምጉንጻፋ ግን፡ ሶማልያ ምስ ምውዳቕ ስርዓት ሲያድ ባረ ናብቲ ክሳብ ሎሚ ዘይደቀሰ ኣዕናዊን ደማዊን ኲናት-ሓድሕድ ተሸሚማ።

ብሰንኪ'ዚ ድማ ክልቲአን ሃገራት ንቡር ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክህልወን ዕድል ከይረኸባ'የን ጸኒሐን።