መራሕቲ ዓለም ብቕትለት ሺንዞ ኣቤ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊጾም

ባራክ ኦባማ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ነበር ሽንዞ ኣቤ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መራሕቲ ዓለም ብቕትለት ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ነበር ሽንዞ ኣቤ ዝተሰምዖም ሓዘን ብስንባደ ይገልጹ ኣለዉ። 

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ክብሪ ሽንዞ ኣቤ ንምግላጽ ባንዴራ ኣመሪካ ኣብዚ ቀዳመ ሰናብቲ ፍርቂ ትሕት ኢላ ክትምብልበል ኣዚዙ’ሎ።

 ካብ ቅትለት ንሕንጢጥ ዘምለጠ መዘንኡ ብራዚሊያዊ መራሒ ጄር ቦልሶናሮ ብወገኑ ኣብታ ሃገር ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሓዘን ከምዝኣወጀ ተፈሊጡ።

 ሽንዞ ኣቤ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ጃፓን ከተማ ናራ ኣብ ጎደናታት መደረ እንዳስመዐ እንከሎ ነይሩ ብኽልተ ጥይት ተወቒዑ ዝሞተ። ብቕትለት ሽንዞ ኣቤ ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ተቱሳያ ያማጋሚ ኣብ ገዛ ብዝተሰርሐ ብረት ገይሩ ከምዝቐተሎ ምእማኑ ፖሊስ ጃፓን ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ባይደን ብሞት ኣቤ ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ድሕሪ ምግላጽ “ሽንዞ ኣቤ ኣብታ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመትሉ ህሞት እንከይተረፈ ብዛዕባ ዴሞክራሲ’ዩ ዝሰብኽ ነይሩ” ኢሉ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበራት ባራክ ኦባማን ዶናልድ ትራምፕን’ውን ብተመሳሳሊ ብሞት ሽንዞ ኣቤ ዝተሰምዖም ሓዘን ካብ ዝገለጹ መራሕቲ ገሊኦም’ዮም።

ብቕትለት ሽንዞ ኣቤ ዓᎁቕ ሓዘን ከምዝተሰምዖ ዝገለጸ መራሒ ብራዚል ጄር ቦልሶናሮ ብወገኑ ንሽንዚ ኣቤ በሊሕ መራሒ ከምዝነበረ ብምግላጽ ቀታሊኡ ግቡእ መቅጻዕቲ ንኽረክብ ሃገሩ ብራዚል ምስ ጃፓን ደው ከምእትብል ኣረጋጊጹ።

ንግስቲ ብሪጣንያ ኤልሳቤት፡ ዜና ሞት ሽንዞ ኣቤ ምስ ሰምዐት ኣዝያ ከምዝሓዘነት ገሊጻ። ንሳ ሽንዞ ኣቤ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብ 2016 ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ምብጻሕ ኣብ ዝገበረሉ ግዜ ተራኺቦም ከምዝነበሩን ኣብ ጻኒሒቶም ጽቡቕ ተዘክሮ ከምዝነበራ ሓቢራ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

 ቀዳማይ ሚኒሰተር ዩናይትድ ኪንግደም ቦሪስ ጆንሰን ብግድኡ ኣብዚ መሰንበድን ጸልማትን ግዜ ሃገሩ ምስ ህዝቢ ጃፓን ጠጠው ከከምእትብል ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብወገኑ፡ ብቕትለት ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ነበር ሺንዞ ኣቤ ዝተሰመዖ ሓዘን ከምዝገለጸ ሓላፊ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ብትዊተሩ ኣቢሉ ሓቢሩ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ነቲ መጥቃዕቲ “ኣስካሕካሒ ቅትለት” ኢሉ ዝገለጾ ኮይኑ “እቲ ጭካነ ዝተመልኦ መጥቃዕቲ ይቕረ ዘይበሃሎ’ዩ” ኢሉ።

 ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ንስድራ ሽንዞ ኣቤ ረኺቡ ዝተሰምዖ ሓዘን ከምዝገለጸሎም ድሕሪ ምግላጽ ኣቤ ጉርብትና ሩስያን ጃፓንን ንኽምዕብል ልዑል ኣበርክቶ ዝነበሮ ሕሉፍ ሃገራዊ ሰብ ነይሩ ኢሉዎ።

 ምስ ጃፓን ኮነ ሽንዞ ኣቤ ዝሑል ክበሃል ዝኽእል ርክባት ዝነበረን ሃገራት እንከይተረፈ ብሞት ሽንዞ ኣቤ ሓዘነን ገሊጸን። ማሕበራዊ ሚድያ ቻይናን ደቡብ ኮርያን ብሞት ሽንዞ ኣቤ ሓዘኖም ብዝገልጹ ርእይቶታት ከምዘዕለቕለቓ ተፈሊጡ።

 ቻይናን ደቡብ ኮርያን ምስ ጃፓን ብታሪኽ ዝተሓላለኸን ኣፍራሕን ርክባት ዝነበረን ሃገራት ከምዝኾና ይፍለጥ።

 ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ዮን ሱክ ዮኤል ቅትለት ኣቤ ዘይቅቡል መጥቃዕቲ ከምዝኾነ ብምግላጽ ንህዝቢ ጃፓን ኮነ ስድራ ቤት ሽንዞ ኣቤ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጽሎም።

 ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ ብዛዕባ ቅትለት ሽንዞ ኣቤ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ ሓዘን’ኳ እንተዘየሎ ኣብ ጃፓን ዝርከብ ኤምባሲ እታ ሃገር ግን ሽንዞ ኣቤ ኣብ ዘመነ ስልጣኑ ምሕዝነት ጃፓንን ቻይናን ንኽመሓየሽ ዝሰርሐ መራሒ ምንባሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

 ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንዳራ ሞዲ ንዝኽሪ ሽንዞ ኣቤ ኣብታ ሃገር ናይ ሓደ መዓልቲ ኣዋጅ ሓዘን ከምዝኣወጀ ተፈሊጡ።