ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ሓድሽ ምዝገባ ህወሓት ከም ዘይቅበሎ ኣፍሊጡ

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ምክትል ኣቦወንበር ህወሓትን ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኮሚሽን ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ-ህወሓት ከም ብሓድሽ ‘ብፍሉይ ኩነታት ክምዝገብ’ ዝሃቦ ፍቓድ ከም ዘይቅበሎ ኣፍሊጡ።
ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓትን ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም፡ እቲ ሎሚ መዓልቲ ናብ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዝተጻሕፈ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርገሐን ደብዳበ፡ ናይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ከም ዝኾነ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ምክትል ኣቦወንበር ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ናብ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣብ ዝፀሓፎ ቅረታ፡ “እቲ ህወሓት ናብ ቦርድ መረጻ ዘቕረቦ ሕቶ ምዝገባ፡ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ዘይፈልጦ፣ ንሕና ድማ ነዚ ምዝገባ ኢልና ዝፈረምናዮ ዝኾነ ዓይነት ሰነድ እንከይሃለወ ውልቀሰባት ብጕጅለ ተወዲቦም ዝገበርዎ ዘይግቡእ ተግባር እዩ” ብምባል ተቓዊሙ።
ኣቶ ጌታቸው፡ “ብሽም ህወሓት ምዝገባ ዝሓተቱ ውልቀሰባት ፍቓድ እንከይሓተቱ ዝፈፀምዎን ስኑዕ ሰነድ መሰረት ብምግባር ዝተዋህበን’ዩ” ብምባል፡ እቲ ዝተገበረ ከይዲ ርትዓዊ ከም ዘይኮነ ሓቢሩ።
ስለዝኾነ ድማ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ “ነዞም ውልቀሰባት” ዝሃቦ ምዝገባ ዳግማይ ክምርምሮ ሓቲቱ።
ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኰነ እቲ ‘ብፍሉይ ኩነታት ከም ብሓድሽ ዝተመዝገበ’ ህወሓት ኣብዚ ጉዳይ ዛጊት ዝበልዎ ነገር የለን።
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ፡ ህወሓት “ሕጋዊ ሰብነቱ ናብ ዝነበሮ ንክምለስ” ብ13 ሚያዝያን 28 ሚያዝያ 2015 [ግ] ሕቶ ከም ዘቕረበ ብምግላጽ፡ ብመሰረት ኣዋጅ ቍ. 1162/2011 ግን እቲ ውድብ ናብቲ ዝነበሮ ክምለስ ዘኽእል ሕጋዊ ድንጋገ ከም ዘየለ ጠቒሱ'ዩ።
ካብዚ ብዝብገስ ድማ፡ እቲ ውድብ ብፍሉይ ኵነታት ንምምዝጋብ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ መሰረት ብምግባር ከምኡ’ውን እቲ ውድብ “ናይ ዓመጽ ተግባር ደው ብምባል ብሕገ-መንግስታዊ መገዲ ንኽንቀሳቐስ” ከም ዝተሰማምዐ ብምሕባር “ብፍሉይ ኵነታት ከም ውድብ ንክምዝገብ” ከም ዝወሰነ’ዩ ብዓርቢ ወግዓዊ ገይሩ።
'ብቐሊሉ ዘይርአ ግልፂ ምጭብርባር’ዩ'
ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም፡ እቲ ብህወሓት ናብ ቦርድ መረጻ ዝቐረበ ሰነድ በዓልመን ከም ዝፈረምዎ ዘይፍለጥ ከም ዝኾነን ብዙሓት ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ እቲ ውድብ’ውን ዘይፈልጥዎን ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።
“ክኸውን ዝነበሮ ማእከላይ ኮሚቴ ተኣኪቡ ይውስን። እቲ ውሳነ ንምትግባርን ንምምዝጋብን ናይ ሽም ዝርዝር ኣመራርሓን ፊርማን’ዩ ናብ ቦርድ መረጻ ዝለኣኽ፤ እዚ ንቡር መስርሕ እዩ” ኢሉ።
ቅድሚ ሕጂ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት እቲ ውድብ ሕጋዊ ሰብነቱ ናብ ዝነበሮ ክምለስ እምበር ከም ብሓድሽ ንክምዝገብ ውሳነ ከም ዘይሕለፈ ድማ ወሲኹ ገሊጹ።
ኣቶ ረዳኢ፡ “ሕጋውነቱ ናብ ዝነበሮ ንክምለስ ክሳብ ፓነል ንቐፅል ዝብል ኢና ወሲንና…እቲ ጉዳይ ልዕሊ ፊርማ’ዩ። እቲ ውሳነ ተጣሒሱስ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ብፊርማ ከም ዝተረጋገፀ ቦርድ መረትጻ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ። ቅድሚኡ ኣቦወንበር፡ ሕጋዊ ሰብነት ‘ንክምለስ ኢና ሓቲትና’ምበር ከም ብሓድሽ ንክንምዝገብ ኣይሓተትናን’ ኢሉ። ቦርድ መረፃ ድማ ፊርማን ሰነድን ኣተሓሒዞም ኣቕሪቦምልና ይብሉ ኣለዉ። ስለዚ ዝተጭበርበረ ፊርማ ሰዲዶም ኣለዉ ማለት’ዩ። ብዙሓት ማእኸላይ ኮሚቴ እንከይፈረምሉ፡ እንተውሓደ ምክትል ኣቦወንበር ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ እንከይፈረመሉ ከመይ ገይሩ ይሓልፍ? እዚ ብቐሊሉ ዘይረአይ ግልፂ ምጭብርባር’ዩ” ኢሉ።
ክስዕብ ዝኽእል ስጉምቲ እንታይ ክኸውን ይኽእል ዝብል ሕቶ ካብ ቢቢሲ ሕቶ ዝቐረበሉ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም፡ ኣብ ጉዳይ ሕጋውነትን ኣፍልጦን ህወሓት ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ናብ ‘ፓነል ክምለስ’ ምግባር ሓደ ስጉምቲ ከም ዝኸውን ኣመልኪቱ።

ምንጪ ስእሊ, REDAEI HALEFOM
“ናብ ፓነል ምምላስ’ዩ (ሕጋውነቱ) ክምለስ ኣድላይ ቃልሲ ምክያድ’ዩ። እቲ ናይ ሕዚ ዝተኸደ ክያዶ ምጭብርባር ዝተመልኦ፣ ሰብ እንከይፈረመሉ ፊርማ ዝኸደሉ፣ ጥሕሰት ሕግን ኣሰራርሓን ዘለዎን ካልእ ናይ ባዕሉ ሓድሽ ነገርን’ዩ ዘኽይድ ዘሎ። ብሓፈሻ ማእኸላይ ኮሚቴ ዝወሰኖ ውሳነ ገዲፉ፡ ካብ ኣሰራርሓ፣ እምነትን መትከልን እቲ ውድብ ወፂኡ ናይ ውልቀሰባት እዩ ዝኸውን ዘሎ። እዚ ክግምገም እንከሎ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ደሓር ዝረአይ ጉዳይ’ዩ” ዝብል ምላሽ ሂቡ።
መበል 14 ጉባኤኡ ንምክያድ ምድላዋት ከካይድ ዝጸንሐ 50 ዓመት ዝመልኦ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ምስ ምምላስ ሕጋዊ ሰብነቱ ብዝዛመድ ምስ መንግስቲ ፌደራል ወጥሪ ከም ዝተፈጠረ ይፍለጥ።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ምክትል ኣቦመንበር ህወሓትን ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ እቲ ውድብ ኣብ ቀረባ ከካይዶ ሓሲቡ ኣብ ዘሎ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ’ዩ።
ኣቶ ጌታቸው ብዓርቢ ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ ደብዳቤኡ፡ እቲ ጉባኤ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ክካየድ ከምዝነበሮ ብምጥቃስ፡ “ግን ድማ ብሰንኪ ምዕንቃፅ መሪሕነት” ክሳብ ሎሚ ከይተኻየደ ምፅንሑ ጠቒሱ።
ወሲኹ፡ “ኣብ ባይታ ዘሎ ቅጥዒ ዝጐደሎ ምንቅስቓስ ኣብ መወዳእታ ንውድብናን ህዝብናን ናብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ” ዝበለ እቲ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ዝግበር ዘሎ “ቀይዲ በተኽ” ዝበሎ ምንቅስቓስ ካብ ናቱን ማእከላይ ኮሚቴን ኣፍልጦ ወጻኢ ከምዝዀነ ሓቢሩ።
ማእከላይ ኮሚሽን ቍጽጽር ህወሓት ዕላማን ኣካይዳን ናይቲ ኣብ ቀረባ እዋን ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት “ልዕልነት ኣለና” ብዝብሉ መሪሕነት እቲ ውድብ ከምዝተጨወየ ብምግላፅ ኣባላቱ ካብ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ከምዝሰሓበ ይፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, DW
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ህወሓት ሕጋውነቱ እንከይመለሰ ጉባኤ እንተካይዱ ዳግማይ ናብ ኵናት ከይኣትዉ ስግኣት ከም ዘለዎ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ነዚ ዘረባ ቀዳማይ ሚኒስተር ስዒቡ ምስኡ ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ዝሓበረ ኣቦወንበር ህወሓት ደብረጽዮን (ዶ/ር) “እቲ ጉዳይ ተዘራሪብናሉ ኣለና፤ ጉባኤ ምክያድ ናብ ካልእ ኲናት ዘእቱ ኣይኰነን” ክብል መግለጺ ምሃቡ ይዝከር።
ሕጋዊ ኣፍልጦ እቲ ውድብ ንምምላስ ናብ ቦርድ መረፃ ደብዳበ ከምዘእተዉን ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን መልሲ ክወሃቦም ከምዝፅበዩን ዝገለፀ እቲ ኣቦወንበር “መልሲ እንተዘይሂቦምና እውን ጉባኤ ክካየድ እዩ። ንምንታይ ተኻይዱ እንተይሎምና ድማ መልሲ ኣይሃብኩምናን ክንብሎም ኢና” ኢሉ ነይሩ።
እቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝዘለቐ ደማዊ ኵናት ትግራይ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ምስ ተገትአ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ዝተዋህቦ ዕማም ንኸየተግብር፡ መሪሕነት ህወሓት ዝተዋደደ ፀለመን መጥቃዕቲን ከውርደሉ ከም ዝፀንሐ ገሊፁ ነይሩ።
እዚ ኣብ መንጐ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ተፈጢሩ ዘሎ ምግምማዕን ፍሕፍሕን ናበይ ከምርሕ ይኽእል ዝብል ንብዙሓት ኣዘራራቢ ጉዳይ ኰይኑ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







