ኤርትራውያንን ተጋሩን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይእሰሩ ኣለዉ - ተሓለቕቲ መሰላትን መሰኻኽርን

ፓሊስ ኣዲስ ኣበባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኣዲስ ኣበባ "መንነት መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ" ይፍጸም ከምዘሎ ካብ ቀይዲ ዝተፈትሑን ስድራ እሱራትን ገሊጾም።

ሰባት "ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ንመዓልታት ይእሰሩ" ከምዘለዉ እውን ሓቢሮም።

ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ዝተባህለ ጕጅለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ብወገኑ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ "ብውሑዱ ኣብ ሽዱሽተ ክፍለ ከተማታት" ተወለድቲ ትግራይ "ብዘይፍቓድ ተኣሲሮም" ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

ካብ ተወለድቲ ትግራይ ብተወሳኺ ኤርትራውያን እውን ግዳይ ማእሰርቲ ይዀኑ ከምዘለዉ ይግለጽ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ወጥሪ እናኸረረ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ማእሰርቲ እናወሰኸ ከምዝመጸ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ዝተፈትሑ ነበርቲ፡ ሓደ ኣባል ስድራ ተኣሲሩ ዝነበረን ከምኡ'ውን ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላትን፡ እቲ ማእሰርቲ "ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት" ዝተጀመረ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።

"እዚ ማእሰርቲ ካብ ዝጅመር ክልተ ሰሙን ገይሩ'ሎ። ብጃምላ ግፋ ካብ ዝቕጽል ግን ዓሰርተ መዓልቲ ይገብር" ክብል ምክትል ዳይረክተር ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ኣቶ መብርሂ ብርሃነ፡ እቲ ትካል ብዘካየዶ ምክትታል ዝረኸቦ ሓበሬታ ብምጥቃስ ገሊጹ።

እቲ ጕጅለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ነዚ ማእሰርቲ ብዝምልከት ሰኑይ 23 ሰነ 2017 (ግ) ኣብ ዘውጽኦ ሓጺር ጸብጻብ፡ ካብ ትግራይ ዝመጹን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩን ተጋሩ፡ "ብስሞም፡ ብላህጃኦም፡ ብቋንቋኦምን ይልለዩ ከምዘለዉ ካብ ዝተኣስሩን ዝተፈትሑን መሰኻኽር ኣረጋጊጽና ኣለና" ይብል።

እቲ ትካል ኣብ "ክፍለ ከተማታት የካ፡ ለሚኩራ፡ ቦሌ፡ ልደታ፡ ኣዲስ ከተማን ነፋስ ስልክ ላፍቶን" ክትትል ብምክያድ ነቲ ጸብጻብ ከምዘዳለወ ምክትል ዳይሬክተር መብርሂ ገሊጹ።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቶም እሱራት መጀመርታ "ኣብ መደብራት ፖሊስ ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ቤት ማሕቡስ ከምዝሰጋገሩ" ኣረጋጊጹ።

ኣቶ መብርሂ ካብ ዝጠቐሶም ቦታታት ገለ፡ ኣብ ክፍለ ከተማታት የካ ፈረንሳ፡ ኮተቤ፡ 02ን ከባቢታት ሾላን ከምኡ'ውን ኣብ ክፍለ ከተማታት ለሚኩራ ከባቢ ሲኤምሲ ዝርከቡ'ዮም።

ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ከባቢታት 22፡ ኣዲሱ ኣስፋልትን ኣደይ ኣበባን፣ ከምኡ እውን ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ ድማ ሓምሻይ መደበር ፖሊስ እውን ካብቶም ዝተጠቕሱ ከባቢታት እዮም።

"እዚ ማእሰርቲ ብፍላይ ንመንእሰያት ዒላማ ዝገበረ እዩ። ካብ ጎደናታት፡ ካብ መዘናግዒ ቦታታት ይግፈፉ ኣለዉ፤ ናብ ቤት ፍርዲ ኣይቐርቡን፤ ዝሓቶም የለን፤ ንምንታይ ከምዝተኣሰሩ እኳ ዝነግሮም የለን" ይብል እቲ ምክትል ዳይረክተር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክልተ ዝተፈትሑ ነበርቲን ሓደ ኣባል ስድራኦም ዝተኣሰሮም ውልቀሰብን እውን ተመሳሳሊ ኵነታት ይገልጹ።

ኣብ ጽርግያ እናተጓዕዙ ከለዉ ከምዝተኣሰሩ እውን ሓቢሮም።

ብ14 ሰነ 2017 [ግ] ተታሒዙ ድሕሪ ናይ ሓደ ሰሙን ማእሰርቲ ዝተፈትሐ ነባሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብታ ዝተኣሰረላ መዓልቲ ከባቢ ሰዓት 8፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መንገዲ እንከሎ ፖሊስ ደው ኣቢሎም መለለይ መንነቱ ድሕሪ ምርኣይ ከምዝኣሰርዎ ይዛረብ።

"ስመይ ምስ ረኣዩ ስም ኣቦይ ናይ ትግራዋይ ስለዝዀነ 'ናብዚ ሕለፍ' ኢሎምኒ። [...] ቅሩብ ጸኒሖም ኣብ ከባቢ ወሰን ናብ መደበር ፖሊስ ወሰዶምኒ። ኣብ መንገዲ እንከለና [ዝተተሓዝና ሰባት] ኣርባዕተ በጺሕና" ክብል ነቲ ዘጋጠሞ ኵነታት ይገልጽ።

ኣብ መደበር ፖሊስ ምስ በጽሐ፡ "ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ" ተኣሲሮም ከምዝጸንሕዎ እውን ይዛረብ።

"ምስ ኣተኹ ኣስታት 40 ሰባት ዝዀኑ ነይሮም። ገሊኦም ተኣሲሮም ዝሓደሩ፡ ገሊኦም ሽዑ ዝተገፈፉ፡ ብድሒሪኡ'ውን ዝተገፈፉ ነይሮም። ካብ ስራሕ ቦታኦም ዘምጽእዎም እውን ነይሮም። መወልወሊ ዝሸጡ፡ ካብ ገዝኡ ዝኣሰርዎ ሰፋይ ክዳን ይዝክር። ካብ ሲኖትራክ ናይ ጽዕነት መኪና ኣውሪዶም ዘምጽእዎም ኣለዉ" ይብል።

ንሱ ከምዝብሎ ንጽባሒቱ ኣብ ከባቢ ሾላ ናብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ክፍለ ከተማ የካ ተወሲዶም። ኣብኡ ድማ ካብ ካልእ ከባቢታት ምስ ዝተኣሰሩ "ተወለድቲ ትግራይ" ተጸንቢሮም።

ተኣሲሩ ኣብ ዝጸንሓለን መዓልታት ሓደ "ሲቪል ዝተኸደነ ሓላፊ" መፂኡ "ተወለድቲ ትግራይ"ን ካብ ካልኦት ከባቢታት ዝመጹ እሱራትን ተፈልዮም ደው ክብሉ ከምዝኣዘዘ ዝሕብር እቲ ነባሪ፡ ኣብቲ እዋን "ልዕሊ ሚእቲ ተወለድቲ ትግራይ" ኣብ ሓደ ከምዝተኣከቡ ትዕዝብቱ ንቢቢሲ ኣካፊሉ።

ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ሓዉ ዝተኣሰሮ ካልእ ነባሪ ድማ፡ እሱር ክሓትት ኣብ ዝኸደሉ እዋን "ብዙሓት ትግርኛ ዝዛረቡ" ሰባት እሱራት ክሓቱ ምምጽኦም ከምዘስተብሃለ ይዛረብ።

እሱር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ክልተ ግዜ ከምዝተተሓዘ ዝጠቐሰ ካልእ ነባሪ ብወገኑ፡ ፖሊስ መለለዪ ናቱን ናይ ኣዕርኽቱን መለለይ መንነት ርእዮም ተሌፎን ድሕሪ ምፍታሽ "ምንግልታዕ" ከምዝተፈጸሞም ይገልጽ።

"ምሸት ሰዓት ሰለስተ ዝሓዙና ክሳዕ ሰዓት ሸሞንተ ኣጽኒሖምና። ካልእ ፖሊስ ይመጽእ፡ ይዘራረቡ፡ 'ዓሰርተ ሽሕ ብር ኣምጽኡ' ይብሉና።"

ናብ መደበር ፖሊስ ምስ ተወሰዱ ድማ ከባቢ ለይቲ ሰዓት ዓሰርተ ከም ዝተፈትሑ ኣብሪሁ።

ትማሊ እውን ኣብ ጽርግያ እናተጓዕዘ እንከሎ ዳግማይ ብፖሊስ ተታሒዙ ኣብ ተመሳሳሊ መደብር ፖሊስ ከምዝተኣሰረን ነዚ "ኣረዲኡ" ከምዝተፈትሐን ወሲኹ ይዛረብ።

ብውሕዱ ሰለስተ "ተወለድቲ ትግራይ" ኣዕሩኽቱ እውን ኣብ ገርጂን ጎሮን ኣብ ዝርከቡ ጣብያታት ፖሊስ ተኣሲሮም ክልተ ሰሙን ከምዘሕለፉ ይጠቅስ።

እቶም እሱራት ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡን ብምንታይ ክሲ ከምተኣሰሩ ከምዘይተነግሮምን እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ካብ ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ነበርትን ኣባላት ስድራኦም ዝተኣሰርዎም ውልቀሰባትን ይገልጹ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ሓዉ ዝተኣሰሮ ውልቀሰብ፡ "ናብ ቤት ፍርዲ ኣይቀረበን፡ ኣቲኻ ንምሕታት እውን ዘዛርበካ ሰብ የለን" ብምባል ነቲ ዘሎ ኵነታት ይገልጽ።

ካልእ ድሕሪ ናይ ሓደ ሰሙን ማእሰርቲ ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረበ ዝተፈትሐ ነባሪ፡ ፖሊስን መርመርትን "ብሰንኪ ህሉው ኩነታት" ከምኡ'ውን "ካብ ላዕሊ ብዝተዋህበ ትእዛዝን" ዝብሉ ምኽንያታት ከምዘቕረቡ ገሊጹ።

ምክትል ዳይሬክተር ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ኣቶ መብራሂሚ እውን፡ ዝተኣሰሩ "ተወለድቲ ትግራይ" ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡ እቲ ትካል ዘካየዶ ምክትታል ከምዘረጋገጸ'ዩ ዝሕብር።

"'ጥርጣረ ኣብ ዘይብሉ ሰብ ክእሰር የብሉን' ዝብል እምነት ኣሎ። ግን ሓደ ሰብ ብዘይ ጥርጣረ እንተተኣሲሩ'ውን ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ኣለዎ" ክብል ይውስኽ።

እቲ ኣብታ ከተማ ይፍጸም ኣሎ ዝበሃል ዘሎ ማእሰርቲ "ኣቓልቦ ረኺቡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምዝርግሑ ስዒቡ" ካብ ቀዳም ጀሚሩ ኣብ ዝነበራ መዓልታት ዝተፈትሑ ነበርቲ ከምዘለዉ እውን ወሲኹ ኣብሪሁ።

ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ማርቆስ ታደሰ፡ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ መብርሂ ተዋሂብዎ ቆጸራ ሂቡ'ኳ እንተነበረ፡ ቢቢሲ ግን ምስቲ ሓላፊ ዳግማይ ክራኸብ ኣይከኣለን።

ስግኣት ዕቝባ ሓተትቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት

ጎኒ ጎኒ ማእሰርቲ ተወለድቲ ትግራይ፡ ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዕቝባ ሓተትቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ይእሰሩን ካብታ ሃገር ይስጎጉን ከምዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዕቝባ ንዝደልዩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓደገኛ ኵነታት ይፈጥር ከም ዘሎ እቲ ተጣበቕቲ መሰላት ከጠንቅቑ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ኢትዮጵያ ንልዕሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ቤት-ማሕቡስ ዘጽንሓቶም ኣስታት 250 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብ29 ሚያዝያ 2025 ብኽልል ዓፋር ኣቢላ ናብ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ከም ዘባረረቶም ይዝከር።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣስታት 600 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ከም ዝመለሰት ከሲሱ ነይሩ።

ኢትዮ-ፎረም ዝተባህለ ብውልቂ ዝውነን ማዕከን ዜና ኣብ ዝፈነዎ ጸብጻብ፡ ሰበስልጣን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ን224 ኤርትራውያን ዜጋታት 'ደገፍቲ' ናይቲ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ መንግስቲ ኤርትራ እዮም ብምባል ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተውዎም ጸብጺቡ ነይሩ።

ክፍሊ ኢሚግረሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ግን "ኢትዮጵያ፡ ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ሰጒጓ፡" ዝብል ወረ ቅኑዕ ዘይምዃኑ ብምሕባር፡ ብሓይሊ ዝመለሶም ኤርትራውያን ከም ዘየለዉ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ቀረባ እዋናት ዝፍጸም ዘሎ ማእሰርቲን ምስጓግን፡ ብዛዕባ ድሕነትን መሰላትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብታ ሃገር፡ ከምኡ'ውን መጻኢ ናይቶም ገና ኣብ ሰንፈላል ዝርከቡ ኣሽሓት ስደተኛታት ከቢድ ስክፍታታት ኣለዓዒሉ ይርከብ።