ፕረዚደንት ዩክረይን፡ ሃገራት ኣውሮጳ ነፈርቲ ውግእ ክልግሳሉ ይምሕፀን ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ዩክሬን፡ ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ሕቶ ሓገዝ ነፈርቲ ውግእ ናብ ፈረንሳን ጀርመንን ኣቕሪቡ።
ንሱ፡ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ኣብ ፓሪስ ምስ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዝተራኸበ ኮይኑ እተን ሃገራት ንዩክሬን ቀጻሊ ደገፍ ከምዝገብራ ቃል ኣትየን።
ፈረንሳዊ መራሒ ኣማኑኤል ማክሮንን ጀርመናዊ ኦላፍ ሾልዝን ሩስያ ኣብቲ ኲናት ክትዕወት የብላን ዝብል እምነቶም ደጊሞም ገሊጾም።
ዘለንስኪ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ብራስለስ ምስ መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝራኸብሉ እዋን ጉዳይ ሓገዝ ነፈርቲ ውግእ ከልዕል እዩ።
ንሱ፡ እተን ነፈርቲ ውግእን ነዊሕ ርሕቀት ዝውንጨፋ ሚሳይላትን ኣብ ርእሲ እተን ምዕራባውያን ሃገራት ክነቕርበልኪ ኢና ዝበልኣ ታንክታት ‘ሌፓርድ 2’ ኣገደስቲ እየን ዝብል እምነት ኣለዎ።
ዘለንስኪ ትማሊ ረቡዕ ምስ ማክሮንን ሾልዝን ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ፈረንሳን ጀርመንን ንዩክሬን ታንክታት ውግእ፣ ዘመናውያን ነፈርቲ ውግእን ነዊሕ ርሕቀት ዝውንጨፉ ሚሳይላትን ብምቕራብ ኣብቲ ኣንጻር ሩስያ ዝካየድ ውግእ "ጸዋታ ናይ ምቕያር" ዓቕሚ ከምዘለወን ተዛሪቡ።
ብዛዕባ ቀረብ እተን ጀት ከምዝተዘተየሉ ብምግላጽ ነቲ ኣጽዋር ንምቕራብ ግን "ኣዝዩ ሓፂር ግዜ" ከምዘሎ ኣተሓሳሲቡ።
ቻንስለር ሾልዝ "እቲ መርገጺ ኣይተቐየረን፤ ሩስያ ኣብዚ ኲናት ክትዕወት የብላን" ኢሉ።
እዚ ማለት ግን ክልቲአን ሃገራት ነፈርቲ ውግእ ንምቕራብ ቃል ክኣትዋ ድየን ንዝብል ዘነፅር ኣይኮነን።
ዘለንስኪ፡ ቅድሚ ሕጂ ማክሮን ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብቴሌፎን ዝገብሮ ዝነበረ ተደጋጋሚ ዝርርባት ቁጥዕኡ ገሊፁ ነይሩ።
ፕረዚደንት ዩክሬን ንፈረንሳዊት ጋዜጣ ለ ፊጋሮ ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ ማክሮን ተቐይሩ ከምዘሎ ከምዝኣምን ገሊጹ።
ዩክሬን ናብ ዓወት ክትበቅዕ ንምድጋፍ ዝነበሮ ተወፋይነትን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንመሕለፊ ታንክታት "ማዕጾ ምኽፋቱን" ነዚ ዘርኢ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ለንደን እውን ንጻዕርታት ኲናት ዩክሬን ንምድጋፍ ነፈርቲ ውግእ ከተቕርብ ፃውዒት ኣቕሪቡ’ሎ።
"ናጽነት ክትዕወት እያ - ሩስያ ከም እትሰዓር ንፈልጥ ኢና" ክብል ኣብ ኣዳራሽ ዌስትሚንስተር ንዝተኣከቡ ኣባላት ባይቶን መዛኑኡን ተዛሪቡ።
ሩስያ ብወገና ንዩክሬን ነፈርቲ ዝህብ ኣካል እንተሃልዩ ካብ ሞስኮ "መልሲ" ከምዝወሃበሉ ኣጠንቂቓ’ላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







