ሱናክን ማክሮንን ብጉዳይ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት እንታይ ተዘራሪቦም?

ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ብሪጣንያ ነተን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ጽዒነን ናብ ሃገራ ዝሰግራ ጀላቡ ንኽትገትእ ንፈረንሳ ኣብ ሰለስተ ዓመት ዝኽፈል 500 ሚልዮን ፓውንድ ከምእትህባ ተሰማሚዐን።

እቲ ስምምዕ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክን፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮንን ኣብ ዝተጋብአ ዋዕላ እዩ ተኻይዱ።

እቲ ገንዘብ ኣብ ዝተፈላለያ ቦታታት ፈረንሳ ኣብ ዝቖማ መጻንሒ ማእከላትን ኣብያተ ማእሰርትን ንዘገልግሉ ተወሰኽቲ 500 ዝውዕል ኮይኑ ክሳብ መወዳእታ 2026 ምሉእ ብምሉእ ኣብ ስራሕ ኣይክውዕልን እዩ።

ብሪጣንያ ነዚ ጸገም ንምፍታሕ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ንፈረንሳ ኣስታት 63 ሚልዮን ፓውንድ ቀዳማይ እብረ ክትከፍል እያ።

እዚ ሓድሽ ውዑል እዚ ዕጽፊ ናይቲ ኣብ 2023-24 ብሪጣንያ ንፈረንሳይ ክትከፍሎ ተሰማሚዓ ዝነበረት 120 ሚልዮን ፓውንድ እዩ።

ፈረንሳ እውን ነቲ ብመትረብ ኢንግሊዝ ዝፍጸም ስልኳ ዘይሕጋውያን ሓተትቲ ዑቕባ ንምግታእ ተወሳኺ ገንዘብ ክትምውል እኳ እንተኾነት ክንደይ ምዃኑ ግን ኣይገለጸትን።

ምክትል ኣኽባር ሕጊ ሰልፊ ዕዮ ኤሚሊ ቶርንቤሪ፡ ዓቃባዊ ሰልፊ ብሪጣንያ፡ " ምንም ትርጉም ናብ ዘየምጽእ ጉዳይ፡ ካብ ሓደ ቅልውላው ናብ ካልእ ቅልውላው ይሰግር ከም ኣሎ" ክብል ተዛሪቡ።

"ሪሺ ሱናክ፡ ነዚ ቅልውላው’ዚ ንምፍታሕ ንሰበ-ስልጣን ፈረንሳ ተወሳኺ ገንዘብ ካብ ምሃብ ብዛዕባ እቲ ኣቐዲምና ዝሃብናዮም ብኣማኢት ሚልዮናት ዝቝጸር ገንዘብ እንታይ ከምዝተገብረን፡ ስለምንታይ ሰባት ብናእሽቱ ጀላቡ ናብ ዓዲ እኢንግሊዝ ይሰግሩ ከምዘለው መብርሂ ክህብ ይግባእ" ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሚስተር ማክሮን ተኸላኸልቲ ስግረ ዶብ ጉጅለታት ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን ንናእሽቱ ጃላቡ ንምግታእ ዝገብርዎ ሓባራዊ ጻዕሪ ንኢዱ ።

ብሪጣንያ ነተን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ጽዒነን ናብ ሃገራ ዝሰግራ ጀላቡ ንኽትገትእ ንፈረንሳ ኣብ ሰለስተ ዓመት ዝኽፈል 500 ሚልዮን ፓውንድ ከምእትህባ ተሰማሚዐን።

እቲ ስምምዕ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክን፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮንን ኣብ ዝተጋብአ ዋዕላ እዩ ተኻይዱ።

እቲ ገንዘብ ኣብ ዝተፈላለያ ቦታታት ፈረንሳ ኣብ ዝቖማ መጻንሒ ማእከላትን ኣብያተ ማእሰርትን ንዘገልግሉ ተወሰኽቲ 500 ዝውዕል ኮይኑ ክሳብ መወዳእታ 2026 ምሉእ ብምሉእ ኣብ ስራሕ ኣይክውዕልን እዩ።

ብሪጣንያ ነዚ ጸገም ንምፍታሕ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ንፈረንሳ ኣስታት 63 ሚልዮን ፓውንድ ቀዳማይ እብረ ክትከፍል እያ።

እዚ ሓድሽ ውዑል እዚ ዕጽፊ ናይቲ ኣብ 2023-24 ብሪጣንያ ንፈረንሳይ ክትከፍሎ ተሰማሚዓ ዝነበረት 120 ሚልዮን ፓውንድ እዩ።

ፈረንሳ እውን ነቲ ብመትረብ ኢንግሊዝ ዝፍጸም ስልኳ ዘይሕጋውያን ሓተትቲ ዑቕባ ንምግታእ ተወሳኺ ገንዘብ ክትምውል እኳ እንተኾነት ክንደይ ምዃኑ ግን ኣይገለጸትን።

ምክትል ኣኽባር ሕጊ ሰልፊ ዕዮ ኤሚሊ ቶርንቤሪ፡ ዓቃባዊ ሰልፊ ብሪጣንያ፡ " ምንም ትርጉም ናብ ዘየምጽእ ጉዳይ፡ ካብ ሓደ ቅልውላው ናብ ካልእ ቅልውላው ይሰግር ከም ኣሎ" ክብል ተዛሪቡ።

"ሪሺ ሱናክ፡ ነዚ ቅልውላው’ዚ ንምፍታሕ ንሰበ-ስልጣን ፈረንሳ ተወሳኺ ገንዘብ ካብ ምሃብ ብዛዕባ እቲ ኣቐዲምና ዝሃብናዮም ብኣማኢት ሚልዮናት ዝቝጸር ገንዘብ እንታይ ከምዝተገብረን፡ ስለምንታይ ሰባት ብናእሽቱ ጀላቡ ናብ ዓዲ እኢንግሊዝ ይሰግሩ ከምዘለው መብርሂ ክህብ ይግባእ" ኢሉ።

እዚ ንስደተኛታት ንምግታእ ዝግበር ዘሎ ስራሕ ጋህዲ ክኸውን ድዩ?

ሚስተር ማክሮን ተኸላኸልቲ ስግረ ዶብ ጉጅለታት ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን ንናእሽቱ ጃላቡ ንምግታእ ዝገብርዎ ሓባራዊ ጻዕሪ ንኢዱ ።

ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ፈረንሳዊ መራሒ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝሓርፈፈ ዝብሎ ዝምድና እኳ ብወግዒ እንተዘይተዛረቡ ጉዳይ ግን ብረግዚት (ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ምውጻእ) ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ሚስተር ማክሮን፡ “ንለባም ኣምተሉ!” ብዝዓይነት ዘረባ፡ ቅድሚ ሚስተር ሱናክ ዝነበሩ ሰለስተ ቀዳሞት ቀዳማይ ሚኒስተራት ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ኤውሮፓዊ ሕብረት ንዝጸንሖም ውጥረትን ዝምልከት ነቐፌታ ኣቕሪቡ።

እቶም ክልተ መራሕቲ፡ ኣብቲ ብሓባር ዘካየዱዎ ጋዜጣዊ ዋዕላኦም፡ "ፍቱው ሓው" ብዝብል ሓድሕዳዊ ቅጽላት ተመሳጊኖም።

ይኹን እምበር፡ እዚ ኣኼባ እዚ፡ መጀመርታ ናይቲ ብሕጂ ዝቕጽል ዝያዳ ምትሕብባር ዘድልዮ ንእሽቶ ስጕሚ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብዙሓት ዘይሕጋውያን ሓተትቲ ዑቕባ ብኣዝየን ድኹማትን ናእሽቱን ጀላቡ፡ ብመትረብ ኢንግሊዝ ብምስጋር ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዑቕባ ክሓቱ ጸነሖም ኣለው።

ንሚስተር ሱናክ እዚ ጉዳይ ኣዘራራቢ ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ጉዳይ እዩ ።

ኣብ መጀመርታ 2023 ካብቲ ቐንዲ ዕማማቲ ነተን ብመትረብ ኢንግሊዝ ዝኣትዋ ናእሽቱ ጃላቡ ምግታእ ቀዳምነት ከም ዝህቦ ገሊጹ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ነቲ መብጽዓ ንምፍጻም ናብ ፈረንሳ ብምኻድ ነዚ ሓዲሽ ወፍርን ስምምዕ ምግታእ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝኸተመ።

ሚስተር ማክሮን እቲ ምንቅስቓሳት ናእሽቲ ጀላቢ ክንኪ ምርኣይ ንዕኡ ዓቢ ጉዳይ እዩ። ሃገራት ኤውሮጳ ስደተኛታት ናብ ምዕራብ ኤውሮጳ ንክኣትው ዝወስድዎ መስመራት ክርእየኦ ይደሊ ።

ሚስተር ሱናክ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓድሽ ናይ ኢሜግሪሹን ሕጊ ኣጽዲቑ ኣሎ።

በቲ ሕጊ መሰረት ዝኾነ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተወ ሰብ፡ ኣብ ውሽጢ 28 መዓልታት ናብቲ ዝመጽኦ ክምለስን ንሓዋሩ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንኸይኣቱን ናይ ኢንግሊዝ ዜግነት ከይሓትትን እውን ክኽልከል እዩ።

ሚስተር ሱናክ፡ እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ "ንዘይሕጋውን ኣሰጋገርቲ ካብ ገማግም ባሕሪ ንምውጋድ ዝዓለመ ምዃኑ" ሓቢሩ ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ሓዲሽ ሕጊ ስደተኛታት ብብዙሓት ገበርቲ ሰናይ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ብናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታትን ሓያል ነቐፌታ ይወርዶ ኣሎ። ሕጋዊ ጸገማት ከጓንፎ ከምዝኽእል እውን ይዝረብ ኣሎ።