ጭሕሚ ዘለዋ ህንዳዊት ሻይጃ ከነላልየኩም

ምንጪ ስእሊ, SHYJA
ሓንቲ ጭሕሚ ዘለዋ ህንዳዊት ሰበይቲ፡ ብኢንተርነት ኣቢላ ካብ ሰባት ሞሳን ላግጽን ረኺባ እያ። እንተዀነ በቲ ኣብ ገጻ ዘሎ ጸጕሪ ዝርአ ዝዀነ ይዅን ተገዳስነት ከም ዘይትድነቕ ትገልጽ።
እታ 35 ዓመት ዝዀነት ሻይጃ ኣብ ዋትስኣፕ ኣብ ትሕቲ ስእሊ "ጭሕመይ እፈትዎ እየ " ኢላ ጽሒፋ እያ።
መብዛሕትኡ ግዜ ስእላ ብፈይስቡክ ዝርኣዩ ወይ ብኣካል ዝረኽብዋ ሰባት ስለምንታይ ጭሕሚ ከም ዘለዋ ይሓትዋ እዮም።
"ክብሎ ዝኽእል ይፈትዎ'የ ጥራይ'የ፡ ኣዝየ'የ ዝፈትዎ” ትብል።
ሻይጃ ኣብ ደቡባዊ ግዝኣት ከራላ ኣብ እትርከብ ኣውራጃ ካኑር እያ ትነብር። ልክዕ ከም ብዙሓት ኣንስቲ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ከናፍራ ጸጕሪ ነይርዋ።
ሻይጃ ኣዘውቲራ ጸጕሪ ዓይና ተስተኻኸል'ኳ እንተዀነት ነቲ ኣብ ላዕለዋይ ከናፍራ ዘሎ ጸጕሪ ግን ከተልግሶ ኣይትደልን።
ኣስታት ሓሙሽተ ዓመት ይገብር ናብ ዝርአ ዓይነት ጭሕሚ ክዓቢ እንከሎ ሻይጃ ድማ ተሓጕሳ።
"ሕጂ ብዘይ ብእኡ ክነብር ኣይክእልን እየ። ለበዳ ኮቪድ ክጅምር እንከሎ ንገጸይ ስለ ዝሽፍኖ ወትሩ ማስኬራ ምግባር ኣይፈቱን እየ ነይረ" ትብል።
ብዙሓት ዝረኣይዋ ሰባት ጭሕማ ከተወግድ'ኳ እንተ ተማሕጸንዋ ሻይጃ ኣይፈቐደትን።
"እዚ ስለ ዘሎኒ ወይ ክረኽቦ ዘይግብኣኒ ነገር ስለ ዝዀነ መልክዐኛ ዘይምዃነይ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን እዩ።"
መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ጸጕሪ ገጽ ዘይድለ ምዃኑ፡ ከምኡ'ውን ኣዘውቲረን ከልግሳኦ ከምዘለወን ይንገረን እዩ። ክሬማት መእለዪ ጸጕሪ ናይ ቢልዮናት ዶላር ኢንዱስትሪ እዩ።
ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ግና ብዙሓት ኣንስቲ ንጸጕረን ተቐቢለን ሕሉፍ ሓሊፈን'ውን ብሓበን ምስቲ ንቡር ክጻረራ ይመርጻ ኣለዋ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ 2016 ሃርናም ካውር ትበሃል ወፈራ ኣካላዊ ምውስዋስ ተካይድ መንእሰይ፡ ምሉእ ጭሕሚ ዘለዋ ዝነኣሰት ሰበይቲ ኰይና ኣብ መዝገብ ጊነስ ሪኮርድስ ሰፊራ። ቃለ መጠይቕ ክግበረላ እንከሎ፡ ንጭሕማ ምቕባላ ንገዛእ ርእሳ ንኽትፈቱ ከምዘኽኣላ ገሊጻ ነይራ።
ንሻይጃ፡ ጭሕማ መግለጺ ዘይኰነስ ኣካል መንነታ እዩ።
"ዝደለኽዎ ጥራይ እየ ዝገብር። ክልተ ህይወት እንተ ዝህልወኒ ምናልባት እታ ሓንቲ ንኻልኦት ሰባት ኢለ ንኽንብር ምተጠቐምኩላ ነይረ፡" ትብል።
ገለ ካብዚ ኣረኣእያ'ዚ ንሓያሎ ዓመታት ምስ ጸገማት ጥዕና ብምቅላስ ዝመጸ እዩ። ሻያጃ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት ሽዱሽተ መጥባሕቲ ገይራ እያ። እቲ ሓደ ነቲ ኣብ ጡባ ዝነበረ ሕበጥ ከተልግሶ እዩ። እቲ ካልእ ድማ ነቲ ኣብ ማህደረ - እንቋቝሖኣ ዝነበረ ጽኪ ከተልግስ እዩ ነይሩ። ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ንመወዳእታ ግዜ ዝገበረቶ መጥባሕቲ ድማ ሂስተሬክቶሚ (ንዅሉ ወይ ገለ ኽፋል ማህጸን ንምውጋድ ዝግበር መጥባሕቲ ምግባር) እዩ።
"ካብ መጥባሕቲ ኣብ ዝወጸሉ እዋን ኵል ሳዕ ድሕሪ ደጊም ናብ ክፍሊ መጥባሕቲ ንኸይምለስ ተስፋ ይገብር" ትብል።
ሻይጃ ሓፋር ቈልዓ ኰይና ከም ዝዓበየት ትገልጽ። ኣብ ቍሸታ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ድሕሪ ሰዓት 6 ኣጋ ምሸት ካብ ገዛአን ወጻኢ ኣይረኣያን እየን ።
ከራላ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ለውጢ ዝርከባ ግዝኣት ህንዲ'ኳ እንተ ዀነት፡ ኣብ መብዛሕትኡ ከበቢ ግን ኣረኣእያ ኣቦነት ዓሲሉ ይርከብ። ኣንስቲ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ በይነን ከይጓዓዛ ወይ ከይነብራ ይዕገታ እየን።
ተመርዕያ ናብ ታሚል ዝበሃል ጐረቤት ሃገር ምስ ከደት፡ ሓድሽ ዓይነት ናጽነት ምርካባ ከም ዘሐጐሳ ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, SHYJA
"ሰብኣየይ ናብ ስራሕ ከይዱ ደንጕዩ ይምለስ ነበረ። ስለዚ ምሸት ኣብ ኣፍደገ ገዛይ ኮፍ እብል፣ ሓደ ሓደ ግዜ ኸኣ ገለ ነገር እንተ ደልየ፡ በይነይ ናብ ድኳን ይኸይድ ነይረ። ዋላሓደ ዝግደስ ኣይነበረን። ሓደ ሓደ ነገራት በይነይ ምግባር ምልማደይ ምትእምማን ኣሕዲሩለይ እዩ፡" ብምባል፡ እዚ ስምዒት ናብታ ጐርዞ ጓላ ከተመሓላልፎ ትጽዕር ከም ዘላ ትገልጽ።
ስድራ ቤትን ፈተውትን ሻይጃ ነቲ ጭሕማ ይድግፉ እዮም። ጓላ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ዘጸብቐላ ትነግራ እያ።
ሻይጃ ግን ካብቶም ኣብ ጐደናታት ዝርእይዋ ሰባት ዝተፈላለየ ርእይቶታት ከም ዝሰምዐት ትገልጽ።
"ሰባት 'ጭሕሚ ናይ ሰብኡት እዩ፡ ሰበይቲ ከመይ’ሉ ጭሕሚ ይህልዋ?' እናበሉ የላግጹለይ" ትብል።
ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝቐርብ መራኸቢ ብዙሓን ብተደጋጋሚ ተራእያ እያ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ናይቲ ከባቢ ማዕከን ዜና ብዛዕባኣ ኣብ ፈይስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ላግጺ ከም ዝረኣየት ትገልጽ።
ሓደ ሰብ ጸጕሪ ዓይና ክተስተኻኽል እንተደኣ ክኢላ፡ ጭሕማ ብላማ ዘይትኣልየሉ ምኽንያት እንታይ ከምዝኾነ ሓቲትዋ።
"እንተዀነ፡ ብዛዕባ እቲ ኣነ ዝደልዮ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ እንታይ ክዕቅብ እንታይ ድማ ከልግስ ከም ዘለኒ ኣነ’ዶ ኣይኮንኩን ዝውስን? " ኢላ ትሓትት።
መብዛሕትኡ ግዜ ፈተውታ ነቲ ኣብ ፈይስቡክ ዝወሃብ ርእይቶ ብቝጥዓ መልሲ ይህቡ'ሉ፤ ንሳ ግን ከም ዘየጨንቓ እያ ትዛረብ።
"ወረ ሓደ ሓደ ግዜስ ክስሕቕ ኢለ'የ ነቲ ርእይቶታት ዝርእዮ" ትብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







