ዋጋ ቢትኮይን ብ 50 ሚእታዊት ከምዝነከየ ተገሊፁ

ቢትኮይን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብ እዋን ናብ እዋን ዋግኡ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ቢትኮይን፡ ኣብዚ እዋን ሓደ ቢትኮይን ብ 34 ሽሕ ዳላር ኣሜሪካ ይሽየጥ ኣሎ።

ኣሻያጢ ክሪፕቶካረንሲ ኮይንቤዝ፡ ቅድሚ ሽድሽተ ኣዋርሕ ሰማይ ዓሪጉ ዝነበረ ቢትኮይን፡ ሕዚ ዋግኡ ብ 50 ሚእታዊት ምንካዩ ሓቢሩ።

ኣብ መላእ ዓለም ብፅሒታት ዕዳጋ (መኻዝን ዕዳጋ) ምንካዮም ስዒቡ እዩ ኣብ ዕዳጋታት ክሪፕቶካረንሲ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ቢትኮይን ነክዩ። ዋጋ ክሪፕቶካረንሲ ምስ ናይ ዓለም ዕዳጋ ተዛሚዱ ዋግዙ ክብ ለበጥ ክብል ይረኣይ።

ቢትኮይን ብ650 ቢልየን ዳላር ጠቕላላ ዋጋ፡ ሲሶ ናይ ዓለምና ጠቕላላ ክሪፕቶካረንሲ ብፅሒት ይሕዝ።

ኣብዚ እዋን ቢትኮይን ኣብ ሓደ ሓደ ሃገራት ሓዊሱ ወግዓዊ መተዓዳደጊ ይኸውን ኣሎ። ኣብዚ ቅነ ኣብ ማእኸላይ ኣፍሪቃ ሪፐብሊክ ወግዓዊ መተዓዳዳጊ ኮይኑ'ሎ።

ኤል ሳልቫዶር፡ ቢትኮይን ወግዓዊ መተዓዳዳጊ ብምግባር ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ኮይና፡ ንኣይኤምኤፍ ሓዊሱ ሰብሞያ ቁጠባ ንውሳነ እታ ሃገር ነቒፎም ነይሮም።

ክሪፕቶካረንሲታት ንውልቀሰባት ዝህብዎ ነፃነት ከምዘሎ ኮይኑ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተረኸበ ገንዘብ ሕጋዊ ገይርካ ምቕራብ ዘኽእሉ እዮም።

ቢትኮይን ፍሉይ ዝገብሮ ከምቲ ኣብ ጁባና ሒዝናዮ እንኸይድ ባጤራ (ቅርሺ) ዘይኮነስ፡ ኣብ መርበብ ኢንተርነት (ኦንላይን) ዝውህለል ገንዘብ ምዃኑ ይፍለጥ።

እቲ ካልእ ንቢትኮይን ሓዊስካ ኩሎም ክሪፕቶካረንሲታት ፍሉይ ዝገብሮም ብመንግስትን ማእከላይ ባንክታትን ዘይምእከሉን ቀጥታዊ ምቁፅፃር ዘይግበረሎምን ምዃኖም'ዩ።

ካብ ቢትኮይን ቀፂሉ ዓብይ ዕዳጋ ዝሕዝ ኢቲሪየም'ውን፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ብ 10 ሚእታዊት ዋግኡ ነክዩ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣሜሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ኣውስትራልያን ናይ ዝርከብአን ብዙሓት ባንክታት ዓለም ዝቕባባ ዋጋ ንምቁፅፃር ዋጋ ወለድ ክብ ኣቢለን ነይረን። እዚ ድማ፡ ልቓሕ ዝወስዱ ሰባት፡ ናይ ዝወስድዎ ልቓሕ መጠን ወለድ ክውስኽ ኣገዲዱ።

ብዙሓት ኣውፈርቲ ዝቕባበ ዋጋን ምውሳኽ መጠን ወለድን፡ ኣብ ቁጠባ ዓለም ኣሉታዊ ፅልዋ ከሕድር እዩ ዝብል ስግኣት ኣሕዲርሎም ኣሎ።