ጸሃይቱ በራኺ፡ ካብ እንዳ ስዋ ናብ መድረኽ- 'ኣባሻውል ዝባን ጨርሒ፡ ተወሊዓ ወርሒ'

ምንጪ ስእሊ, DM
'ኣስመራ' ዘርእስታ ደርፋ ሓንቲ ካብ'ተን ዕድመ ምስ ኣርከባ ኣብ ዓዲ ስደት ኰይና ዝደረፈታ ደርፊ እያ። እታ ደርፊ ብጥምሮ-ጓሂ ክትግለጽ ይከኣል። ብትካዘ ተሰንያ ንኣስመራ ሰፍ ዘይብል ክሲ ተቕርበላ።
"ኣስመራ ወርቂ ሚለንየ፡ ወርቂ ሚለንየ
ክዓዶ ኣምጺእኪ ኣመልየ፡ ኣምጺእኪ ኣመልየ
ደቅኺ ፋሕፋሕ ኢሎም ንዒባ ኣክብዮምየ
ሕጅስ ይኣክል በሊ ደቀይ'ባ በልዮም'የ"
... እናበለት ክትደርፍ ንተራ ሰማዒ ኣብ ህቦቡላ ሓሳብ እተእቱ ንቦቕባቝ ኸኣ ሃጽ እትብል ደርፊ'ያ።
ዋላ'ኳ ኣብቲ ዕድመ'ቲ ስሕለት ቀደማ ይጕደም፡ ካብ ቃና-ወጻኢ ሸተት ትበል፡ ጐሮርኣ'ውን ብመጠኑ ይጥለማ "ኣደይ ጨኪና ንመንየ ዝነግሮ" ክትብል ከብዲ ሰማዒ ትበልዕ ነበረት።
"ገንዘብ ሰብ ኣይጠመትኩን፡ ሕድሪ ሰብ ኣይጠለምኩን። ብዕድመ ደፊአ'የ ... ነታ ዘላትኒ ምስ ሰበይ ክማቐላ በቒዐ'የ። ሕጅስ ይኣክል ... ኣቦይዝጊ ብክብረተይ ይውሰደኒ። ኣብ ኤርትራ ቅበሩኒ፡ ንኣዕጽምተይ ዋላ ኣብ ባሕሪ ሃገረይ ይደርብይዎ፡ ሓመድ ሃገረይ ዘየልበስኩም ኣይብልን" ክትብል ብቝስላ ትዛረብ ዝነበረት ትጥዕም።
እዛ ብ1977 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈት፡ ብ1988 ናብ ሆላንድ ዝሰገረት፡ ኣብኡ ኸኣ ክሳብ መዓልቲ ስንብትኣ - ዕለት 24 ግንቦት 2018 - ዝነበረት ኣደ፡ ከምታ ድልየታ፡ ሬሳኣ ብኽብሪ ኣብ እንዳ ማርያም ኣስመራ ተቐብረ።
እታ ናይ ቀደም ጸሃይቱ በራኺ
ኣብ 60'ታት መብዝሕትኡ ትዕይንቲ ሙዚቃ ኤርትራ ብማሕበር ትያትር ኣስመራ (ማ.ት.ኣ.) ተዓብሊሉ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ መሸጓሹጓት ሃገር ግን ብውልቀ ሰባት ዝድረፍ ዝነበረ፡ ባህሊ ዝሓለወ፡ ምስ ሃገራውነት ዝተኣሳሰረ፡ ካብ ኣዒንቲ ሳንሱር ተኸዊሉ ኣብ ቤት-መስተታት ኰነ እንዳ-ስዋታት ብሓመድሓፋሽ ዓቢ ተቐባልነት ዝነበሮ ዓይነት ሙዚቃ-ዉሻጠ ዝውቱር ነበረ።
ሓንቲ ካብ'ቶም ናይ ዉሻጠ-ሙዚቀኛታት፡ ኣብ እንዳ ስዋ ዀይና ነቲ ብሉጽ ጥበባን ቅዲ ሙዚቃኣን ዜማዕበለት፡ ብእኡ ኣቢላ ድማ ቀስ ኢላ ዝና ዜጥረየት ነፍሲሄር ጸሃይቱ በራኺ ነበረት።
ድምጺ ጸሃይቱ በራኺ፡ ምናዳ ኣብ 70'ታት፡ ንጹር፣ ልዙብ፣ ጽሩይ፣ ዕምቈት ዝነበሮ ኰይኑ ንሰማዒ ኣብ ሓውሲ ዕዛመ ዘእቱ ዓይነት ነበረ፣ ምኽንያቱ ኸኣ ድምጻ ህዱእን በለላ ዘይብሉን ኰይኑ ካብ መዓሙቝ ሩሓ ዝመንጨወ ድምጺ ስለ ዝነበረ።
ሕላያት ደርፋ ድማ ኣብ ሕሉፍ ታሪኻ ዝተመርኰሱ ናይ በይኖም መንፈስን ባንዴራን ነይሩዎም። በይና፡ እኳድኣ ብዘይ መሰነይታ ባንድ፡ ክራራ እናተጻወተት ከተዘናግዕ ከኣ ናታ ፍሉይ ቅዲ ጸወታ ነበረ።
እቶም ንጸሃይቱ ኣብ ጥርዚ ዝናኣ ዝነበረትሉ እዋን ዝዝክሩዋ ሰባት ክገልጹዋ ምስምዖም ባዕሉ ትንግርቲ'ዩ።
ሙዚቃዊ ኣቛማ ስነ-ብሂልተኛ ኰይኑ ዜማታታ ያታዊ ጣዕመ-ዜማ ዘሎዎም፡ ተደፋንቖ ዝፈጥሩ ሕጡበ-ግጥምታት ተጠቒማ ዘዚሙ ደርፍታት ዘቕረበት ስነ-ጥበባዊት ምንባራ ይገልጹዋ።
ኣብ እንዳ ስዋኣ ዀይና "ዝባን ጨርሒ ተወሊዓ ወርሒ" እናበለት ንዓማውላ እተዘናግዓሉ ዝነበረት እዋን ንገሊኡን ኣብ ትካዘ ንገሊኡን ድማ ኣብ ምስትንታን እተእቱ ድምጻዊት'ያ ነይራ እናበሉ ይዝክሩዋ።
እቲ እንዳ ሱዋ ምስ ዝዕምር፡ ጸሃይቱ ንዓማውላ 'ኣጣቕዑ' ኢላ ኣብ ጓይልኣ ትኣቱ ነበረት - ገሊኦም ኣጆኺ እንክብልዋ፡ እቶም ዝኸኣሉ ኸኣ ብድድ ኢሎም ብምዅዳድ ምስኣ እናተቐባበሉ ንጸገማቶም ብሳዕስዒትን ብሱዋን ከም ዝድበሱ ትገብር ዝነበረት ሰብ'ያ ኢሎም የዘንትዉላ።
ካብ እንዳ ስዋ ናብ መድረኽ
ጸሃይቱ ካብ እንዳ ስዋ ኣብ ዝዓበየ መድረኽ ክትሰጋገር ምስ ከኣለት ዓለማ ተኸፍተላ።
ተወልደ ረዳ ኣብ ህይወታ ዓቢ ተራ ከም ዝተጻወተ ደጋጊማ ባዕላ ዝመስከረትሉ ሰብ'ዩ።
ዲስኮታት ከሕትመላ ምስ ጀመረ ኮኾባ ንሰማይ ተሰቕለ፡ ካብ'ቶም ካልኦት ከዋኽብቲ ኸኣ ብዝያዳ ብድምቀት ኣብለጭለጨ።
ኣብቲ እዋን፡ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ በዓል ኣምለሰት ኣባይን በረኸት መንግስትኣብን እቶም ዝበለጹ ድምጻውያን ነበሩ።
ጸሃይቱ ምስ ተሓወሰቶም ከኣ ባህላዊ ሙዚቃ ትግርኛ ኣብ ዝባን ወጸ።
ጸሃይቱ ካብ ጸበብቲ ክብታት ወጺኣ ናብ ዓቢ መድርኽ ምስ ሰገረት ኤርትራውያንን ተጋሩን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ተቐዳደሙላ።
ኣብ ተለቪዥን ደጋጊማ ክትርአ ምስ ጀመረት ከኣ ሰብ ብኡንብኡ ፈተዋ። ብኤርትራውያን ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኸኣ ብዙሕ ደገፍን ጠለባትን ከምዝነበራ ይዝረብ።
ደርፍታታ ኣብ ፈቐድኡ ቤት መሸጣ ሙዚቃን ባራትን - ፒያሳ፡ መራካቶ - ተዘርግሐ።
ተወልደ ረዳ፡ ኣቦ ዘመናዊ ሙዚቃ ኤርትራ፡ ንጸሃይቱ ከምዚ ኢሉ ይገልጻ ...
"ጸሃይቱ ናይ ብሓቂ ተፈጥሮኣዊ ተውህቦ ዘለዋ ደራፊት'ያ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ደራፊት ዝያዳ ነብሰ-ምትእምማን ብምጥራይ ነቲ ሓዲሽ ኵነታት ዓትዒታ ሓዘቶ። ኣብ ሰብዓታት እታ ዝለዓለ ዝና ዝነበራ ደራፊት ክትከውን በቕዐት፣ ኣብ ምምዕባል ደርፊ ትግርኛ ኸኣ ዓቢ ተራ ተጻወተት። ብተወሳኺ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንኣስመራ ምስ ተመልሰት ንመንእሰያት ኤርትራ ሃገራዊ ስምዒቶም ክትጉስጉስ ከኣለት፡ ንስነ-ጥበባውያን ደቂ ኣንስትዮ ድማ መንገዲ ገሊሃትለን'ያ" እናበለ ይምስክረላ።
ኣብ ዘበና - ንሜዳ ኣዲስ ኣበባ ምስ ጠሓሐሰቶ - 'ንጸሃይቱ ዘይፈልጥ ሰብ ይከሰስ' ዝበሃለሉ እዋን ነበረ።
ድምጺ ክራራ ምስቲ ልዙብን ሓፊስን ድምጻ ኣወሃሂዳ፡ መረዋሕ ብዚጥዕም ዜማታታን፡ ኣውራ ኸኣ በቶም ልቢ ዝነኽኡ ግጥምታታ ተሰንያ ንህርመት ልቢ ዜንህሩ፡ ንመንፈስ ሃገራውያን ዜሐይሉ፡ ዉዕዉዓት ስምዒታት ዝፈጥሩ፡ ንተዘክሮታት ቀደም ኣብ ቅድሚት ዝሰርዑ ደርፍታታ ገይራ ንኤርትራውያን ወለል ዘበለት ገጸባህራዊት ዜጋ ነበረት።
ስዋ ንመለሊኽ ብሰናቲም ዝሽየጠሉ ዝነበረ እዋን፡ እንዳ ስዋ ጸሃይቱ በራኺ መራኸብን መዘናግዕን-ኹሉ ነበረ።
ኣብ ስራሕ ክሃልኽ ዝወዓለ ርሂጸ-በላዕ ዝዛነይሉ፡ ገሊኦም ኣብ በረኻታት ኤርትራ እንታይ ይካየድ ከም ዝነበረ ሕሹኽ ኢሎም ንሓድሕዶም ሓበሬታ ዝለዋወጥሉ፡ መንእሰያት ሃገራዊ መንፈስ ዝቐስምሉ፡ ብዓቢኡ ኸኣ ጸሃይቱ ንዜማታታ መኣዛ ብዘለዎ ኣገባብ እተስንቐሉን ቦታ ነበረ ኢሎም ዝገልጹዋ ሰባት ኣሎዉ።
ኣደ ዛንታ-ፍቕሪ
ደርፍታት ጸሃይቱ፡ ዋላኳ ጨሊፋ ፖለቲካ ትሓውሰሎም፡ መብዝሕትኦም ፍቕራዊ ዝንባሌ ነበሮም።
ኣብቲ እዋን "ኣፍቅራና፡ ኣፍቅራና እንተበልናየን ይኣብያና" ዝድረፈሉ ዝነበረ እዋን፡ ንሳ ድማ "ደቂ ብዳማ ዓቢደን ስዓሙና ለሚደን" ፣ "ፍቕረይን ፍቕርኻን መዓስ ረሲዐዮ፡ ደይ ጊዜ ስኢነሉ በዚሑኒ ዕዮ" ... እናበለት ክትደርፍ ዝሰምዐ ሰብ ልቡን ቀልቡን ይስለብ ነበረ ይበሃል።
ናይ ፍቕሪ ምድራፍ ካብ ብንእሽትኣ'ያ ጀሚራቶ። ንኣብነት ናይ ጓል ዝናር ደርፊ ተለቂሓ ...
"ደርጊስነይ ዘምጽኣለይ መዘዝ፣ ዘምጽኣለይ መዘዝ
ክኸይድ'ዶ ናብ ቀሸይ ክናዘዝ፣ ኣብ ቀሸይ ክናዘዝ።"
... እናበለት ክትደርፍ ኣብ ሰማዒ ዝዓስሉ ሓሳባት ምግማቱ ኣየጸግምን፣ እንተ ንሳ ግን ዕጅብ ከይበላ ናይ ህይወት እማን ብደርፋ ኣቢላ ከተቕርብ እትኽእል ሓያል ስነ-ጥበበኛ ነበረት።
ይዅን'ምበር፡ እቲ ዛዕባ ፍቕሪ ኣብ ሓቂ ዝተመርኰሰ ስምዒት'ኳ ይንበር ምስ'ቲ ዓቃብተኛ ባህሊ ሕብረተሰብ ዝጋጨዉ ሓረጋት ነበሩ ክበሃል ይከኣል።
እዛ ኣደ ዛንታ-ፍቕሪ ብምኡዝ ደሃያ ኣቢላ፡ ካብ ባህላዊ፡ ማሕበራዊ ዀነ ጾታዊ ተጽዕኖ ዝተላቐቐ፡ ከምኡ'ውን ነቲ ሓፋርን ቀያድን ባህሊ ፈንጢዛ ከምዚ እናበለት ዝደረፈት ስነ ጥበባዊት ነበረት ...
"ዓርበረቡዕ ግመ ደብረቢዘን ካፋ
ሓንሳብ ስዓመኒ ስዕሚ ናይ ሕቝፍኻ
ኣይርስዖን'የ ጠባይካ ዀነ 'ቲ ወልፍኻ
ኣይርስዖን'የ ጠባይካ ዀነ 'ቲ ባህሪኻ
ሓንሳብ'ሞ ስዓመኒ ክሳደይ ጠዊኻ።"
ኣደይ ዉባ እንድርያስ ዝበሃላ ኣደ፡ ንጸሃይቱ ንመጀመርታ እዋን ኣብ ስራሕ ዝቘጸርኣ፡ "ብናይ ፍቕሪ ደርፍታታ ኣዝያ ፍትውቲ'ያ ነይራ" ይብላ።
ሰማዕታ ድማ ነቶም ናይ ፍቕሪ ሓረጋታ ብቅጭንን ምዕሩግን ኣገባብ ናይ ምቕራብ ዓቕሚ ከም ዝነበራ የስተብህልሉ ነይሮም።
እዋን ቁልዕነትን ዕቤትን ጸሃይቱ
ጸያቱ በራኺ ኣብ ሰላሳታት ኣብ ኳዓቲት ተወልደት። ቅኒት ኣብ ዝተባህለ ናይ ተሌቪዥን መደብ ባዕላ ከም ዝበለቶ፡ ብ 1933 ከም ዝተወልደት'ያ ትዛረብ። ዝዀነ ኰይኑ ጸሃይቱ ዕባይ ኣስመራ'ያ፣ ኣስመራ ብኣስመርኡ ድማ ኣብቲ ቀንዱ - ኣብ ዓባይ ኣባሻዉል።
"ኣቦይ ምስ ሞተ - ብቖልዓይ ከሎኹ ምዃኑ'ዩ - ኣደይ ንኣስመራ ሒዛትኒ ገዓዘት። ኣደይ እንጀራ እናሸጠት፣ እናቘነነት፣ እናሰፈየት'ያ ኣዕብያትኒ" ትብል ጸሃይቱ።
ኣብ ገዛ ብርሃኑ ኣብ እንዳ ሃለቃ ኣፍወርቂ ፊደል ድሕሪ ምቝጻር፡ ኣብ እንዳ ሴታ (ትምህርቲ ኣዋልድ) መባእታ ትምህርቲ ከም ዝተማህረት ተዘንቱ።
"ኣብ ጐረባብትና ክራረን እንዳተጻወታ ዝደርፋ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ነይረን... ከም ብዓል ጸሃይቱ ገርጊሽ፣ ፋና ዒተል፣ ኣበባ ጓል ኣደይ ደስታ፡ ጽሃይቱ ዝናር ዝበሃላ ነይረን" ትብል ጸሃይቱ ... ኣብ 'ሰላም' ዘርእስቱ (ክልተ ሲዲ ዝሓቘፈ) ብዛዕባ ዛንታ-ህይወታ ኣብ ሆላንድ ዝተጻሕፈ ንኡስ መጽሓፍ።
ቀጺላ፡ "ጓል ዝናር ጽብቕቲ'ያ ነይራ፣ ዘድንቓ ሰብ፡ ደርፍታታ ኸኣ ይምስጡኒ ነይሮም" ኢላ ምንጪ ሙዚቃኣ ትገልጽ።
ጸሃይቱ 16 ዓመታ ምስ መልአት፡ ንጸወታ ክራር ከኣ ምስ መለኸት፡ ብነብሳ ክትሓድር ጀመረት።
ኣብ ኣባሻውል፡ ኣብ እንዳ ኣደይ ዉባ እንድርያስ ዝበሃላ ጸማቚት ስዋ ስራሕ ጀመረት። ካብ ሽዑ ጀሚራ ንድሕሪት ከይበለት ካብ ሙዚቃ ኣይተፈልየትን።
ፈተውታ፡ ጽብቕቲ፣ ምጭውቲ፣ ዘይትሓፍር፣ ኣይግዳዳ፣ ብቀይዲ ሕብረተሰብ ዘይትቕየድ፣ ልበ-ምልእቲ ሰብ'ያ ነይራ እናበሉ እዮም ዝገልጹዋ።
ትዅን'ምበር፡ ሽግር ንጕዕዞ ህይወታ ከየናሕሰየ እናጓነጸ ኣሰንይዎ'ዩ።
"ኣብ ሙዚቃ ዓለም ምስ ኣተኹ ስድራ-ቤተይ ኣጥቢቖም ይቃወሙኒ ነይሮም" ኢላ ትዝክር።
"ኣዝማደይ'ውን 'ዋጣ፡ ሓሜን' እናበሉ የሳቕዩኒ ነይሮም" ኢላ ተዕልል። ኣብ ልዕሊኡ ድማ፡ ጸገም ጸብለልተኝነት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምስ ድፍረትን ስድነትን ናይ ገሊኦም ዓማውል እናተጋጨወት ትኸይድ ከም ዝነበረት የይዝረብ።
ስለዚ እዛ ብሙዚቃኣ ንዓለም ኤርትራውያን ዝለወጠት በሃር ብዙሕ ሕማቕ ርእያ'ያ፣ ተዋሪዳ'ያ።
ጸሃይቱ ምስ ኣደይ ዉባ ዳርጋ ንዓሰርተ ዓመት'ያ ሰሪሓ። "ኣብኡ መጺኦም ደርፈይ ኣብ ቴፕ-ሪኮርደር ክቐድሑ ዝመጹ ሰባት ነይሮም'ዮም ... ንዓይ ብሒደት ኣቕራሽ ኣታሊሎም ንደርፍታተይ ንጥቕሞም የውዕሉዎ ነይሮም" እናበለት ትዝክሮም ሰባት ነይሮም'ዮም። ሓቃ፡ ደርፍታት ጸሃይቱ - ከም 'ኣስካርባይ ጎማ፡ ክዳነይ ካኪ' - ኣብ እንዳ ሻሂታት፡ ኣብ ኣውቶቡሳት፡ ክድረፍ ዝዝክሩ መሰኻኽር ኣለዉ።
ብስሳታት፡ ኣስመራ ተብለጭልጨሉ ዝነብረ እዋን'ዩ ነይሩ። ደገዝማቲ ሓረጎት ኣባይ ከንቲባ ኣስመራ ዝነበርሉ ዘበን ነበረ። ደገዝማቲ ሓረጎት ንመልክዕ ኣስመራ ኣዝዮም ዘመዓራረዩ ከንቲባ ነበሩ። ብዘበኖም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣባይቲ፡ ጽርግያታት፡ ብምስራሕ ንስርሓት ቤት-መዘጋጃ ገጥ ኣቢሎም ዝሓዙ ክኢላ ከንቲባ ነበሩ። ንኣባሻዉል'ውን ፈንጢሖም ንክሰርሕዋ መደባት ከም ዝነበሮም ይዝረበሉ ነይሩ'ዩ።
ነፍሲሄር ትካቦ ወልደማርያም፡ ምስ ማ.ት.ኣ. ዀይኑ ኣብ ምዕባለ ሙዚቃ ሃገር ዝነጥፍ ዝነበረ ስነ-ጥበበኛ፡ "ጨርሒ ከይተሰርሐት ኸላ ጸሃይቱ 'ኣባሻውል ዝባን ጨርሒ ተወሊዓ ወርሒ' እናበለት ትደርፈላ ነይራ" ዝበለሉ እዋን ነይሩ።
ጸሃይቱ ዕድል ጌራ ብተወልደ ረዳ ተጠሊባ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከደት። ኣብቲ ዘበን'ቲ ዓሰርተ ክልተ ኣዝዮም ዉሩያት ደርፍታት ኣብ ዲስኮ ኣሕተመት - 'ኣብ ማይ ጃሕ-ጃሕ'፡ 'መጀመርያ ፍቕሪ'፡ 'ኣሚነይ'፡ 'ላለይ በላ'፡ 'ኣኸዛ ኾይኑ'፡ 'ኣባሻዉል ዝባን ጨርሒ'፡ 'ኣዋልደይ ኪዳ ዕበዳ'፡ 'ሓዳረይ መን ክኣልየለይ' ...ወዘተ.።
እቲ ዘገርም፡ ጸሃይቱ ንናይ ደርፍታታ ግጥምታት ኰኑ ዜማታት ባዕላ ብምጽሓፍን ምድላውን፡ ብክራራ ተሰንያ ኸኣ ባዕላ ትደርፎም ነበረት።
ጸሃይቱ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ናብ ሆላንድ

ምንጪ ስእሊ, DM
ኣብ ዘበን ደርጊ ኵነታት እናኸፍአ ይኸይድ ስለ ዝነበረ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ልቡ ብዝያዳ ናብ ሓርነታዊ ቃልሲ ምስ ኣንቀደ ጸሃይቱ ኸኣ ናብ ሜዳ ኤርትራ ንክትጋደል ወረደት።
"መጀመርታ ንጸዓዘጋ፡ ካብኡ ንመንደፈራ፡ ካብኡ ድማ ንባርካ ወሪደ" ትብል ጸሃይቱ። "ኣብ ባርካ ወተሃደራዊ ታዕሊም ተማሂረ ኣብ ክፍሊ ሙዚቃ መደቡኒ" ኢላ ወሰኸትሉ።
"ዕለት 5 ግንቦት 1978 ኣብ ተሰነይ ምርኢት እንዳርኣና ነፋሪት ኢትዮጵያ ደበደበትና፣ ካብቶም ቦምባታት ኣብ እኩብ ሰብ ወደቑ። ብዙሓት ተወጊኦም ሸውዓተ ሰባት ከኣ ሞቱና፣ ኣነ ኸኣ ፍንጫል ቦምባ ኣብ ርእሰይ ሃሪሙኒ ተሃሰኹ። ንሓደ ዓመት ዝኸውን ኣብ ሕክምና ተዓቘብኩ" እናበለት ብተዘክሮታት ሜዳ ተዕልል።
ብድሕሪኡ ኣብ ዉሽጢ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ስኒት ስለ ዘይተረኽበ፡ ኣብ ሱዳን ንሓያሎ ዓመታት ድሕሪ ምጽናሕ ጕዕዞኣ ንሆላንድ ኣቕንዐት።
ኣብ ሆላንድ ኰይና፡ ብደገፍ ሓደ ዘ-ኤክስ ዝተባህለ ሆላንዳዊ ባንድ ተሰንያ፡ "ሰላም" ዘርእስቱ ማንታ ሲዲ ኣሕተመት። ምስኡ ኸኣ፡ ምስቲ ሲዲ ጠቢቑ ዝሽየጥ፡ ታሪኽ ህይወታ ዚገልጽ ንኡስ መጽሓፍ ቀረበ። እቶም ሲዲታት ናይ ቀደም ብሉጻት ደርፍታትን ገለገለ ሓደስትን ሒዙ ቀረበ።
ኣብታ ሰላም ዘርእስታ ደርፊ ንበዓል ኣብርሃም ተኽለ፡ ደረስ ብርሃነ ዘኣመሱ ጀጋኑ ተ.ሓ.ኤ. ከመይ ኢሎም ከም ዝሓለፉ ብምዝካር ትደርፈሎም'ያ።
ጸሃይቱ ኣብ ስደት
ጸሃይቱ ኣብ ሮተርዳም (ሆላንድ) ን30 ዓመት'ያ ነቢራ። ንምንታይ ድሕሪ ናጽነት ንኤርትራ ዘይተመልሰት ንዓኣ ክግደፍ ዘሎዎ ሕቶ'ዩ፣ ምሳና ግን የላን።
ብዙሓት ሰባት እዛ ንኤርትራ ኣብ ቅድሚት ሰሪዓ ንሰላሳ ዓመታት ብጥበባ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ወሪዳ ንናጽነት ዝተጋደለት ኣደ ብክብሪ ክትእለ ምተገብአ ዝብሉ ብዙሓት ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, DM
እዛ ኣብ ሞንጎ ድኻታት፡ ዉጹዓት ደቂ ኣንስትዮ፡ ሸቃሎ ዝተመላለሰት፣ ኣብቲ ጭቕጫቕ ሰፈር - ከባቢ ኣባሻዉል - ንእስነታ ዘሕለፈት፣ ምስ ጎበዘት ከኣ ኣብ ሽቕለትን ስዋ ምጽማቝን ምድራፍን
ዝኣተወት፣ ብዜማታታ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዓቢ ዝና ዘጥረየት፣ ዝናኣ ኣብ ሓገዝ ሃገራ ዘውዓለት፣ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - እኳድኣ ምስ መውጋእቱ - ኣብ ሜዳን ሱዳንን ኰይና
ዝተቓለሰት፣ ከም ሰባ ድማ ኣብ ሆላንድ ዑቝባ ዝሓተተት፣ ኣብኡ ኸኣ ተፈላጥነታ ሃሲሱ ሽም ከምዘይብላ ንበይና ዝነበረት፣ ኤርትራ መበል 27 መዓልቲ ናጽነት ከተብዕል ጸሃይቱ ኸኣ ኣብ
ሮተርዳም ኣብታ መዓልቲ'ቲኣ ካብዛ ዓለም ተፈልየት።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







