ዙር ርዋንዳ 2022፡ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣብ ዙር ርዋንዳ ክትሳተፍ እያ

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣብቲ ካብ 20 ክሳብ 27 ለካቲት 2022 ኣብ ርዋንዳ ዝካየድ 2.1 መዐቐኒ ዘለዎ ዙር ርዋንዳ ክትሳተፍ እያ።

ካብ 2019 ጀሚሩ ብዩሲኣይ ናይ 2.1 መዐቀኒ ዝተውሃቦ ዙር ርዋንዳ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝካየዱ ዙራት ምስ ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ (ዙር ጋቦን) ተመሳሳሊ መዐቐኒ ብምሓዝ ኣብ ውዳብኡ፡ ጽፈቱን ትረቱን ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ዙር እዩ።

ኣብ 2025 ቻምዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ከተካይድ ተረቊሓ ዘላ ርዋንዳ፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንሻምፕዮን ዓለም እተአንግድ ቀዳመይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትከውን እያ።

እዚ ንመበል 14 ግዚኡ ዝካየድ ዘሎ ዙር ርዋንዳ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ዝሓለፈ ውድድራት ድሙቕ ዓወታት እዮም ከመዝግቡ ጸኒሖም።

ኣብ 2019 ናብ 2.1 መዐቐኒ ካብ ዝሰግር ከም ኣብነት እንተወሲድና ኣብ 2019 ምስ ጋንታ ኣስታና ኮይኑ ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፈ መርሃዊ ቅዱስ ዕዉት ብጫ ማልያ ክኸውን እንከሎ ኣብ 2020 ኸኣ ናትናኤል ተስፋጽዮን ዕዉት ብጫ ማልያ ኮይኑ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዙር ርዋንዳ 8 ግዜ ክትሳተፍ እንከላ፡ 24 ግዜ ናይ መድረኽ ዓወታት ብምምዝጋብ 3 ግዜ ተዓዋቲት ብጫ ማልያ ክትከውን ክኢላ-ኣብ 2010 ብዳንኤል ተክለሃይማኖት፡ ኣብ 2019 ብመርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ 2020 ብናትናኤል ተስፋጽዩን።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ርዋንዳ 19 ጋንታታት ክሳተፋ እየን።

ዝሳተፋ ጋንታታት

ዎርልድ ቱር፡ ኢስራኤል ስታርት ኣፕ ነሽን።

ፕሮ ቲም፡ ቶታል ዳይረክት ኢነርጂ [ፈረንሳ]፡ ቢኤንድ ነቢ ሆቴልስ [ፈረንሳ]፤ ቲም ኖቮ ኖርዲክ [ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ]፡ ኣንድሮኒ ግዮካሊ [ጣልያን]፡ ቡርጎስ ቢኤች [ስጳኛ]።

ዩሱኣይ ኮንቲነንታል ቲም፡ በንዲክሽን ሳይክሊንግ ቲም [ርዋንዳ] ፕሮ ታች ቲም [ደቡብ ኣፍሪቃ]፡ ባይክ ኣይድ [ጀርመን]፡ ቲኤስጂ ተራንጉኑ [ማሊዥያ]፡ ቲም ኮፕ [ኖርወይ]፡ ዋይልድ ላይፍ ጀነረሽን [ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ]፡ ቲም ኤስከይሴስ [ጀርመን]፡ ታርተሌቶ ኣይዞረክስ[በልጂም]።

ሃገራውያን ጋንታታት: ኤርትራ፡ ርዋንዳ፡ ኣልጀርያ፡ ሞሮኮን ዓባይ ብሪጣንያን።

መደብ ጸወታ

እቲ ውድድር ሸሞንተ መድረኻት ዝሓዘ ኮይኑ ተጻወትቲ ኣብ ሸሞንቲኡ መድረኻት 933.2 ኪሎ ሜተር ክሽፍኑ'ዮም።

ቀዳማይ መድረኽ፡ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ 4 ኪሎ ሜተር ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር

ካልኣይ መድረኽ፡ ኪጋሊ- ርዋማንጋን 148,3 ኪሎሜተር

ሳልሳይ መድረኽ፡ ኪጋሊ- ሩባቩ 152 ኪሎ ሜተር

ራብዓይ መድረኽ፡ ኪጋሊ- ጂኩምቢ 124,3 ኪሎ ሜተር

ሓሙሻይ መድረኽ፡ ሙሃንጋ-ሙሳንዘ124,7 ኪሎ ሜተር

ሻዱሻይ መድረኽ፡ ሙሳንዘ-ኪጋሊ 152 ኪሎ ሜተር

ሻውዓይ መድረኽ፡ኪጋሊ- ማውንት ኪጋሊ 152,6 ኪሎ ሜተር

ሻሙናይ መድረኽ፡ ኣብ ውሽቲ ኪጋሊ 75,3 ኪሎ ሜተር