ኦሮሚያ፡ ኩምሳ ድሪባ ብዛዕባ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዝተበጽሐ ስምምዕ እንታይ ይብል?

ኩምሳ ድሪባ

ምንጪ ስእሊ, Social media

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግብረ-ሽበራውያን ኢሉ ዝጽውዖም ህወሓትን ንርእሱ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ዕጡቕ ሓይልን ኣንጻር መንግስቲ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ንምግባር ከም ዝተሰማምዑ ወግዓዊ ገይሮም'ዮም።

ክልቲኦም ወገናት ቅድም ኢሉ ምስ ዝነበሮም ቅርሕንቲ ሕጂ ዝህልዎም ምትእምማን "ግዜ ዝፈትሖን ዘብርሆን'ዩ" ክብል ኣዛዚ ሰራዊት እቲ ግንባር ኩምሳ ድሪባ ምላሽ ሂቡሉ።

ንሱ፡ ጃል መሮ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ኮይኑ ቅድም ኢሉ ኣዛዚ ሓይሊ ምዕራብ ዝነበረን ኣብ ቀረባ ድማ መራሒ ሰራዊት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ዝኾነን'ዩ።

መንግስቲ ነዚ ግንባር 'ኦነግ ሸኔ' ኢሉ'ዩ ዝጽውዖ።

ኩምሳ ድሪባ፡ "ክልቲአና ሓበራዊ ጸላኢ ስለ ዘለና ኣብ ወተሃደራዊ ጉዳያት ንምትሕግጋዝ ተሰማሚዕና ኣለና" ኢሉ።

ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ብዝፍጸም ቕትለት መንግስቲ ነዚ ጉጅለ ተሓታቲ ክገብሮ ጸኒሑ'ዩ።

ምስ ህወሓት'ውን ብሓባር ይሰርሕ'ዩ እናተባህለ ብተደጋጋሚ ክኽሰስ ጸኒሑ።

እንተኾነ፡ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ እቶም ዝቐርብሉ ክስታት ክነጽጎም'ዩ ጸኒሑ፤ ምስ ህወሓት'ውን ዝኾነ ዓይነት ርክብ ከም ዘይነበሮ ይገልጽ።

ስርዓት ደርጊ ምስ ወደቐ ናይ ስግግር መንግስቲ ካብ ሞንጎ ዘጣየሱ ሓይልታት ሓደ ዝነበረ ኦነግ፡ ልፍንቲ ኢህወደግ ብዘሕድረሉ ዝነበረ ጸቕጢ ካብ ፖለቲካዊ መድረኽ ተደፊኡ ብምውጻእ መራሕቱ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስደት ኮይኖም ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይዱ ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ።

ኩምሳ ድሪባ፡ ቅድም ክብል ብዛዕባ ምስ ህወሓት ዝነበሮ ርክብ ክገልጽ እንከሎ "ህዝቢ ኦሮሞ ምስ ህወሓት ዝነበሮ ርክብ ግልጺ'ዩ፤ ህወሓት ኣብ ስልጣን እናሃለወ ህዝቢ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ኣብሪሁ።

"ይኹን'ምበር በቲ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ህወሓት ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዑ ካልእ መስዋእትነት ዘኽፍል ንመንነቱ ዘትሕት ኩነታት ገጢሙዎ" ኢሉ።

በዚ ምኽንያት እቲ ዝመርሖ ሰራዊት ምስ ህወሓት ወተሃደራዊ ምትሕብባር ብምግባር ክቃለስ ከም ዝተሰማምዐ ኣመልኪቱ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት እቲ ዝመርሖ ሓይሊ ምስ ህወሓት ብምትሕብባር መጥቃዕታት ከም ዝፍኑን ዝተፈላለዩ ድጋፋት ከም ዝግበረሉን ዝምልከት ቢቢሲ ኣብ ዘቕረበሉ ሕቶ ነጺጉዎ ነይሩ።

ኣብቲ ግዜ "ቃልሲ ህዝቢ ኦሮሞ ምስ ዝድግፉ ኣካላት ብሓባር ክንሰርሕ ንኽእል ኢና፤ መሰልና እዩ። ዋላ'ውን ሰይጣን - ንህዝቢ ኦሮሞ ናጻ ዘውጽኦ እንተኾነ ብሓባር ክንሰርሕ ንኽእል ኢና። ምስ ህወሓት ግን ሓቢርና ክንሰርሕ ኣይንኽእልን። ብዙሕ ቑስሊ ስለ ዘለና ፈጺሙ ሓቢርና ክንሰርሕ ኣይንኽእልን" ኢሉ ነይሩ።

ሕጂ እቲ ሰራዊት ዘርኣዮ ናይ መርገጺ ለውጢ ኣመልኪትና ሓቲትናዮ።

"ኣብዚ ውሳነ ምብጻሕ ቀሊል ኣይነበረን፤ ህዝቢ ኦሮሞ በሰላ ኣለዎ፤ ስለዚ ግዜ ወሲድና ዘቲናሉ። ጸገምና ክፈትሕ ብዝኽእል መልክዑን ረብሓ ህዝቢ ኦሮሞ ብዘየጉድልን ኩነታት ምስ ህወሓት ዘለና ሓበራዊ ጸላኢ ንምውዳቕ ኣብ ወተሃደራዊ ጉዳያት ብሓባር ንክንሰርሕ ተሰማሚዕና ኣለና" ኢሉ።

ቅድሚ ሕጂ ዝኾነ ዓይነት ርክብ ከም ዘይነበሮም ብምግላጽ "ሕጂ ይኹን ጽባሕን ካብኦም እንደልዮ ድጋፍ የለን። ይኹን'ምበር ኣብ ውሽጢ ፖለቲካ ጸወታ ኣሎ። ኣብ ፖለቲካ ቂምታ ዘይትሕዘሉ ግዜ ኣሎ። ቐዋሚ ጸላእን ፈታውን የለን፤ እቲ ግዜ ምርኣይን ምስቲ ግዜ ሓቢርካ ምጉዓዝን የድሊ" ኢሉ።

ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ወገናት ምትእምማን ክህሉ ድዩ ዝብል ሕቶ ቢቢሲ ኣቕሪብሉ።

"እዚ ግዜ ዝፈትሖን ዘብርሆን'ዩ" ክብል ምላሽ ሂቡሉ።

ብተወሳኺ፡ ሕጂ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ኦነግን ዘሎ ምትፍናን ከምቲ ኣብ 1980ታት ዝነበረ ዝመሳሰል ዘይክኸውን ይኽእል'ዩ ብምባል "ሕጂ ዘሎ ፖለቲካዊ ንቕሓት ኦሮሞ ኣብቲ እዋን ካብ ዝነበረ ዝተፈለየ'ዩ። ህወሓት ዝገብሮ ዘሎ ቓልሲ'ውን ካብቲ ግዜ ዝተፈለየ'ዩ" ኢሉ።

ስለዚ ምትሕብባር ክልቲኦም ወገናት "ግዜ ዝፈትሖ ነገር'ኳ እንተኾነ እቲ ሕጂ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ግን ኣብ ክንዲ ብማዕዶ ቐሪብካ ምስራሕ ይሓይሽ ኢልና ኢና ወሲንና" ክብል ኣብሪሁ።

ኣብዚ ስምምዕ ንምብጻሕ ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ክዘራረቡ ከም ዝጸንሑ ዝገልጽ ኩምሳ፡ እቲ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ንቕድሚ ናብ ፖለቲካዊ ምሕዝነት ንክዓቢ ይዝተየሉ ምህላው ኣመልኪቱ።

እቲ ዝበሃል ዘሎ ወተሃደራዊ ስምምዕ ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ መንግስቲ ህወሓት ንኦነግ ሸኔ ብስልጠናን ኣጽዋርን ሓገዝ ይገብረሉ እዩ ዝብሎ ኣመልኪቱ ግን "እዚ ሓሶት'ዩ፤ ሎሚ'ኳ ኣብ ደረጃ እቲ ዝብሃል ዘሎ ኣይበጻሕናን" ኢሉ።

ኣብታ ሃገር ዘለው ጸገማት ብሰላማዊ መድረኽ ዘተ ንክፍታሕ ዝቐርቡ ዘለው ጻውዒታት ዝምልከት እንታይ ርኢይቶ ኣለካ ተባሂሉ ዝተሓተተ ኩምሳ ድሪባ፡ "ረብሓ ህዝቢ ኦሮሞ ብዝሕሉ ኣገባብ ዝካየድ ሰላማዊ ዘተ ንቕበል ኢና፤ እንተኾነ እዚ ግዝኡ ዝሓለፎ ይመስል። መንግስቲ'ውን ድልየት ዘለዎ ኣይመስለንን" ኢሉ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮሚያ ዝገብሩዎ ዘለው ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ድማ ህዝቢ ኦሮሞ ካብ ጭቆና ተናጊፉ መሰል ርእሰ-ውሳንኡ ንከረጋግጽ ዝዓለመ'ዩ ክብል ገሊጹ።

ምስ ሮይተርስ ብስልኪ ቃለ-መሕተት ዝገበረ ዶ/ር ደብረጽዮን ብወገኑ ምስቲ ጉጅለ ዝርርብ ይካየድ ከም ዘሎ'ኳ እንተረጋገጸ ተወሳኺ መብርሂ ግን ኣይሃበን፡፡

ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ'ውን ብወገኑ ''ኣብ ዝኾነ ሓደ ስምምዕ'' ንምብጻሕ ስራሓት እናተሰርሑ ነይሮም ክብል ንሮይተርስ ገሊጹ፡፡

ብተወሳኺ ''ኣብ ቀጻሊ ዕጫ ኢትዮጵያ ብጽሒት ምስዘለዎም ኣካላት ሓቢርካ ምስራሕ ምንም ሓድሽ ነገር የብሉን'' ክብል ተዛሪቡ፡፡

ኣፈኛ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ቢለኔ ስዮም ብኢሜይል ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ህወሓትን ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞን ብፓርላማ እታ ሃገር ግብረ ሽበራውያን ተባሎም ከም ዝተበየኑ ካብ ምግላጽ ወጻኢ ዝርዝር መብርሂ ከም ዘይሃበት ሮይተርስ ጸብጺቡ፡፡