ኮሮናቫይረስ፡ ነዳዲ ዘፍርያ ሃገራት ዋጋታት ንክቆጻጸራ ተሰማሚዐን

ፋብሪካ ነዳዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እተን ነዳዲ ዘፍርያ ሃገራት፡ ኣብ ቁጠባ ዓለም ጸቕጢ ንዝፈጠረ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ንምንካይ ዝያዳ ምህርቲ ከፍርያ ተሰማሚዐን።

ብሰንኪ ለበዳ ዋጋ ነዳዲ ንክልተ ዓመትን መንፈቕን ክብ ክብል ድሕሪ ምጽናሕ ከም ሩስያ ዝኣመሳላ መሻርኽቲ ሃገራት ኣፍረይቲ ነዳዲ ካብ ወርሒ ነሓሰ ፍርያተን ክብ ከብለኦ እየን።

እዚ ከኣ ነቲ ክንህር ዝጸንሐ ዋጋ ነዳዲ ናብቲ ዝነበረ ክመልሶ ትጽቢት ይግበር።

ኣብዛ ዓመት ዋጋ ዘይተጻረየ ነዳዲ ብ43 ሚኢታዊት ወሲኹ ጸኒሑ፤ እዚ ማለት ከኣ ንሓዳ በርሚል ነዳዲ $74 (ዶላር) በጺሑ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኦፔክን (ማሕበር ኣፍረይቲ ነዳዲ) መሻርኽቱን ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ መዓልቲ 10 ሚልዮን በርሚል ስለ ዘጉደለ፡ ጠለብን ቀረብን ምግጥጣም ብምስኣኑ ዋጋ ነዳዲ ተመዛቢሉ ጸኒሑ።

ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ዓመት ቁጠባ ክንቀሳቐስ ስለ ዝጀመረ ዋጋ ነዳዲ ንሂሩ ኣብ ገሊአን ሃገራት ንዓለማዊ ሃሚ ዘስግእ ዝቕባበ ኣጋጢሙ ይርከብ።

እተን ነዳዲ ዘፍርያ ሃገራት ንዋጋታት ነዳድን ምህርቱን ንምትዕርራይ ይጽዕራ እኳ እንተነበራ፡ ኣብ መንጎ ስዑድን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ብዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ ክሳብ እዚ ፈለማ ወርሒ ሓምለ ናህሪ ዋጋ ከይጋደድ ከስግእ ጸኒሑ እዩ።

ኣቡዳቢ ነቲ ብስዑዲ ዝቐረበን ሞስኮ ዝደገፈቶን፡ ኢማራት ክሳብ 2020 ብዙሕ ነዳዲ ንኸይተፍሪ ዝእግድ እማመ ስለ ዝነጸገቶ እቲ ዝርርብ ተዓጊቱ እዩ ጸኒሑ።

እቲ ኣብ መንጎ እተን ብዙሕ ነዳዲ ዘፍርያ ናይ ቀረባ መሻርኽቲ መሓዙት ሃገራት ስዑድን ኢማራትን ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ነተን ልዕሊ 50 ሚኢታዊት ቀረብ ነዳዲ ዓለም ዘፍርያን ዝቆጻጸራን ማሕበር ኣፍረይቲ ነዳዲ ኣሻቒሉ እዩ ጸኒሑ።

Short presentational grey line

በዚ ሓድሽ ስምምዕ፡ ኦፔክን መሻርኽተንን ንቀረብ ነዳዲ ዓለም ምምላእን ንዕዳጋ ነዳዲ ንምርግጋእን ካብዚ ወርሒ ነሓሰ ክሳብ ታሕሳስ 2021 ንመዓልቲ ክልተ ሚልዮን በርሚል ክውስኽ ተሰማሚዖም ኣለዉ።

ካብ ግንቦት 2022 ጀሚሩ ከኣ ከም ስዑዲ ዓረብ፣ ሩስያ፣ ኩዌትን ዒራቕን ዝኣመሰላ ኣባል ሃገራት ኦፔክ ዝያዳ ነዳዲ ከፍርያ ኮታ (ብጽሒት) ተሰሊዑለን ኣሎ።

እቲ ማሕበር ነዳዲ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘተኣታተዎ ዝያዳ ነዳዲ ንምፍራይ ዝእግድ ውሳነ ካብ መስከረም 2022 ከብቅዕ ምዃኑ ሓቢሩ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሩስያ ኣሌክሳንደር ኖቫክ ንቴሌቪዥን ሩስያ 24 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እተን ኣባላት ማሕበር "ሃናጺ" ከም ዝዀነን "ሓባራዊ ስምምዕ" ከም ዘካየዳን እተሰማምዓን ገሊጹ።

"እቲ ለበዳ ገና ኣይተሳዕረን፤ ሳላ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝተገብረ ክታበት ግን ነቲ ዝሓዊ ዘሎ ጠለብ ምንቅስቓስ መካይንን ነፈርትን ንምምላእ ምህርትና ክንውስኽ ኢና። ስለዚ፡ ቊጠባ ዓለም ንኸነሕዊ ሓላፍነትና ክንፍጽም ኣሎና" ክብል ወሲኹ ተዛሪቡ።