'በራሪ ቤተመንግስቲ' ተባሂላ እትጽዋዕ ነፋሪት ጋዳፊ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ናብ ትሪፖሊ ተመሊሳ

"በራሪት ፓላስ" ተባሂላ እትጽዋዕ ነፋሪት ጋዳፊ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ናብ ሃገራ ተመሊሳ

ምንጪ ስእሊ, Libya Prime Minister/ Facebook

ውልቃዊ ነፋሪት መራሒ ሊብያ ነበር: ሙዓማር ጋዳፊ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ትማሊ ኣብ ትሪፖሊ ኣትያ።

እታ ነፋሪት ሓላዋን ጽገናን እናተገበረላ ኣብ ፈረንሳ ከም ዝጸንሐት ማዕከናት ዜና ጸብጺበን።

እታ ኤየርባስ ኤ340 ዝዓይነታ ነፋሪት ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሚቲጋ ቅድሚ ምዕላባ ኣብ ሰማያት ትሪፖሊ ትዛውን ነይራ ክብል ቴሌቪዥን ፓን ዓረብ ኣል ዓረቢያ ጸብጺቡ።

ብዙሓት ማዕከናት ዜና ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብዱል ሃሚድ ዲበባህ ንዝሃቦ መግለጺ ከጣቕሳ እንከለዋ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተራእዩ።

ንሱ፡ ጽገናን ካልእ መስርሓትን እታ ነፋሪት ተወዲኡ'ዩ ኢሉ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ድማ እታ ነፋሪት ናብ ሊብያ ንክትምለስ ዘድሊ ክፍሊት ከም ዝኸፈለ ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ፌስቡክ ሓቢሩ።

ወሲኹ ካልኦት 14 ነፈርቲ ውግእ ኣብ ፈረንሳ ከም ዘለዋ ብምግላጽ እተን 12 ናብ ሊብያ ንምምላስ መደብ'ኳ እንተነበረ መንግስቲ ግን እተን ክልተ ዝበለጻ ካብ ወጻኢ ንምምጻእ ይሰርሕ እዩ ዘሎ ኢሉ።

ከም ጸብጻብ ኣልጄዝራ: ነፋሪት ጋዳፊ "በራሪት ቤተመንግስቲ" ተባሂላ ትጽዋዕ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሊብያ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እታ ነፋሪት ሰብ መዚ'ዶ ይጠቐሙላ ዋላስ ንኻልእ ህዝባዊ ኣገልግሎት ትውዓል ዝብል "ዕጫ እታ ነፋሪት ዝውስን ህዝቢ ሊብያ'ዩ" ኢሉ ክብል ኣል ዓረቢያ ጸብጺቡ።

ንሽዱሽተ ዓሰርታት ዓመታት ንሊብያ ዝመርሐ ጋዳፊ፡ ኣብ ዓለም ብናይ ባዕሉ ፍሉይ ቅዲ ዝፍለጥ'ኳ እንተነበረ ብ2011 ኣብ ዝተላዕለ ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ ተቐቲሉ።

ሓድሽ ምምሕዳር ሊብያ፡ ኣብ ትሪፖሊ ካብ ዝነበረ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ድሕሪ ዝተኻየደ መረጻ ስልጣን ብዝወሰደ ተዳማይ ሚኒስተር ዲቢባህ ዝመርሖ መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት'ዩ ዝምራሕ።