ስግኣት ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኬንያ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን

መዓስከር ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከቡ መዓስከር ሰደተኛታት ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣብ ከቢድ ኩነታት ንዓመታት ጸኒሐም እዮም።

መንግስቲ ኬንያ መዓስከር ስደተኛታት ካኩማን ዳዳብን ከም ዝዕጾ ምስ ኣፍለጠ፡ ክረጋግኡ ከም ዘይክኣሉን ከቢድ ስነ ልቦናዊ ጸቕጢ ከም ዝፈጠረሎምን ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ መዓስከር ገሊጾም።

መንግስቲ ኬንያ፡ ቅድም ኢሉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቶም መዓስከራት ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት ክዓጽዎም ሓቲቱ'ኳ እንተነበረ፡ እቲ ትካል ናብ ቤት ፍርዲ ብመሰረት ዘቕረቦ ጥርዓን ግን ንሓደ ወርሒ ተናዊሑ ኣሎ።

ክሳብ ወርሒ ለካቲት 2021፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዳዳብ 224 ሽሕን 642፤ ከምኡ'ውን ኣብ መዓስከር ካኩማ 206 ሽሕን 458 ስደተኛታት ከም ዝነበሩ ሓበሬታ ኤጀንሲ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የረድእ።

እዚ ብሓፈሻ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ምስ ዝነብሩ ስደተኛታት ክድመር እንከሎ ልዕሊ 500 ሽሕ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ኬንያ ኣለው።

እዚኦም መብዛሕትኦም፡ ካብ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ሶማሊያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ ብሩንዲ፣ ሱዳን፣ ኡጋንዳ፣ ሩዋንዳን ካልኦትን ዝመጽኡ'ዮም።

ካብዚኦም እቶም ልዕሊ ፍርቂ ሶማላውያን ኮይኖም፡ ልዕሊ 29 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ከም ዘለው ሓበሬታ እቲ ትካል የመልክት።

እቶም ስደተኛታት እንታይ ይብሉ?

ቅድሚ 27 ዓመታት ናብ መዓስከር ስደተኛታት ዳዳብ ከም ዝኣተወ ዝዛረብ ኢትዮጵያዊ ኣቶ መሓመድ ዓብዱላሂ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ካኩማ ናብ ዝርከብ ካሎቤ ዝተባህለ ቦታ ከም ዝተወስደ ገሊጹ።

መንግስቲ ኬንያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት እቶም መዓስከራት ንክዕጸው ምስ ሓተተት፡ ኣብ ስግኣት ኢና ንርከብ'ውን ይብል።

"ብዛዕባ እዚ ዝሓበረና ኣይነበረን፤ ብዛዕባና ዝኾነ ነገር ዘይምስማዕና ጎዲኡና'ዩ" ዝብል ኣቶ መሓመድ፡ እቲ መዓስከር ክዕጾ ምዃኑ ዝሓበሮም ኣካል ከም ዘይነበረ ይዛረብ።

"14 መዓልቲ ሙሉእ ብስግኣት ተወጢርና ከነሕልፎ እንከለና እነሆ ሓደ ወርሒ ክኾነና ቀሪቡ። መወዳእትኡ እንታይ ከም ዝኾን ኣይንፈልጥን" ብምባል ናብ ሃገርኩም ክንመልሰኩም ኢና ዝብል ጉዳይ ከም ዘስግኦ ሓቢሩ።

"እቲ ስደተኛ ስነ ልቦንኡ ተጎዲኡ'ዩ። ህይወቶም ዘጥፍኡ ኣለው፤ ብቕድሚ ትማሊ ኣነ ኣብ ዝርከበሉ ካሎቤ፡ ሓደ ሱዳናዊ ኣዝዩ ስለ ዝተጨነቐ ነብሱ ኣጥፊኡ። እዚ ንብዙሓት ኣሰንቢዱዎም'ዩ" ኢሉ ኣቶ መሓመድ።

ተስፋ ስለ ዝስኣኑ፡ ብዙሓት ናብ ርእሰ ቅትለት የዘምብሉ ኣለው ዝብል ኣቶ መሓመድ፡ መጻኢ ህይወቶም ተስፋ ብምቑራጽ ከም ዝተመልአ ይዛረብ።

ናብ ኢትዮጵያ ከይምለስ ድማ፡ "ኩነታት ሃገርና የተሓሳስበና'ዩ፤ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ዝገብሮ ሓገዝ ከኣ ውሑድ'ዩ። ብፍላይ ድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣይሕግዙናን ዘለው። ሕጂ ኩሉ ተስፋ ቖሪጹ'ዩ" ኢሉ።

ካልእ ቢቢሲ ካብ ዳዳብ ዘዘራረቦ ሽሙ ከይጥቀስ ዝሓተተ ስደተኛ፡ መንግስቲ ኬንያ እቶም መዓስከራት ንክዕጸው ካብ ዝሓትት ንነጀው፡ ዩኤንኤችሲኣር ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክመልስ ዝጀመረ'ዩ ዝመስል ብምባል ብስግኣት ተሸሚሙ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ብዙሓት ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ናብ ዝሓሻ ሃገራት ንምኻድ ትጽቢት ዝገብሩ ኮይኖም፡ ሕጂ ናብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ክዛወሩ'ዮም ዝብል ሓበሬታ ብምህላው ግን ከም ዝተሻቐሉ ይዛረብ።

"ንነዊሕ ዓመታት ካብ ዝነበርካሉ ሃገር ውጻእ ክትብሃል ከለኻ፡ ካብዚ ንላዕሊ ንስነ ልቦናኻ ዝጎድእ ነገር የለን" ኢሉ።

እቲ ዘለናሉ ቦታ፡ ገዛና'ዩ ኢልና ኣሚንና ቤተሰብ መስሪትና ንነብር ነይራ ዝብል እዚ ውልቀሰብ፡ "ሃንደበት መንግስቲ ውጽኡለይ ክብል እንከሎ ጉድኣቱ ከቢድ'ዩ" ይብል።

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዳዳብ ዝነብር እድሪስ፡ ቅድሚ 45 ዓመት ካብ ሃገሩ ከም ዝወጽአ ይዛረብ።

እድሪስ ኣብ 2017 ናብ ሃገሮም ንምምላስ ካብ ሞንጎ ዝተመዝገቡ ስደተኛታት ሓደ'ዩ።

ግን ድማ "ኪድ ካብ ምባል ወጻእ፡ ናበይን ብምንታይን ዝብል ኣንፈት ዘርኣየና ኣካል የለን" ኢሉ።

መንግስቲ ኬንያ እቶም መዓስከራት ከም ዝዕጸው ምስ ኣፍለጠ ናብ ሃገርኩም ክትምለሱ ኢኹም ዝብል ዘረባታት ክመጽእ ከም ዝጀመረ ዝገልጽ እድሪስ፡ "ካብ 5 -7 ግንቦት 2021 ናይ መጀመርታ ዙርያ ምምላስ ስደተኛታት ክጅመር'ዩ ኢሎምና ኣለው። ኣብ ከቢድ ጸገም ኢና ዘለና" ኢሉ።