እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም ሰላማውያን ሰባት ክቕተሉ ከምዝርኣየ ገሊጹ
ትካል ገባሪ ሰናይ ዶብ ኣልቦ ሓካይም (ኤምኤስኤፍ) ኣብ ትግራይ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታቱ ብሰሉስ፡ ኣርባዕተ ሰላማውያን ሰባት ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ክቕተሉ ከም ዝርኣዩ ገሊጹ።
ካብዚ ብምብጋስ ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ክሕሎ ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ትካል ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቲ ቕትለት ካብ መቐለ ናብ ዓዲ ግራት ኣብ ዝወስድ መገዲ ከም ዝተፈጸመ ብምግላጽ፡ ነዚ ሰራሕተኛታቱ ብዓይኒ ከም ዘረጋገጹ ሓቢሩ።
"እቶም ወተሃደራት ኣብ ኣውቶብስ ዝነበሩ ተጉዓዝቲ ክወርዱ ኣገዲዶምዎም። እቶም ደቂ ተባዕትዮ ካብተን ደቂ ኣንስትዮ ተፈልዮም፤ ሽዑ ንሽዑ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ተቐቲሎም" ይብል።
ሓላፊት ኮምዩኒኬሽንን ምትእኽኻብ ገንዘብን 'ኤምኤስኤፍ' ምብራቕ ኣፍሪቃ ሶፊ ማዴን ብኢሜል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መልሲ'ውን ነዚ ኣረጋጊጻ።
"እዚ እቶም ኣባላትና ዝርኣይዎ ጥራሕ'ዩ እምበር ካልኦት ዘይተርኣዩ'ውን ክህልው ይኽእሉ'ዮም። እቶም ብጥይት ዝተቐትሉ ሰባት ወተሃደራዊ ክዳን ዘይተኸደኑን ኣብ መጓዓዝያ ህዝቢ ዝነበሩን'ዮም። ስለ ዝኾነ ድማ ምስ ዝኾነ ጉጅለ ርክብ ዘለዎም'ዮም ክንብል ኣይንኽእልን" ኢላ።
ብተወሳኺ፡ "ካልእ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መኪና መጥቃዕቲ ፈጺሙ ወተሃደራት ቖሲሎምን ተቐቲሎምን። እተን ወተሃደራዊ መካይን'ውን ተቓጺለን" ክብል እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ ኣሎ።
ኣብዚ ጉዳይ መንግስቲ ዝሃቦ መግለጺ የለን፤ ቢቢሲ'ውን ካብ መንግስቲ ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።
ብሰሉስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣብ ትግራይ ገበን ዝፈጸሙ ወተሃደራት "ተሓተትቲ" ክኾኑ'ዮም ምባሉ ይፍለጥ።
ኣብ ወርሒ ሕዳር ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ብዝብል መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ከም ዝጀመረ ይዝከር።
ብምኽንያት እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ክስደዱ እንከለው፡ ቑጽሮም ብወግዒ ዘይተፈልጠ'ውን ከም ዝተቐትሉ ይግመት።
ሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይ
ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ኣዝዩ ተሻቒሉ ከም ዘሎ እትገልጽ ሓላፊት ኮምዩኒኬሽንን ምትእኽኻብ ገንዘብን ኤምኤስኤፍ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሶፊ ማዴን፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዙ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ካብ ምዕራብ ትግራይ ይመዛበሉ ምህላዎም ሓቢራ።
"እዚኦም ኣብ ከተማታት ሽረ፣ ዓዲግራት፣ ኣክሱምን ዓድዋን ከዕቑቦም ምስ ዝኽኣለ ወይ'ውን ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ዘይተወድኡ ህንጻታትን ይርከቡ። እንተኾነ እኹል መዕቆብን መግብን የብሎምን፤ ብፍላይ ጽሩይ ዝስተ ማይ ኣይረኽቡን" ክትብል ኣብሪሃ።
ኣብ መብዛሕትአን ከተማታት ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ቴሌፎንን ክሳብ ሕጂ ከም ዘየሎ ብምሕባር መብዛሕትኦም ባንኪታት'ውን ዕጹዋት ከም ዝኾኑ፣ ኢንተርነት ከም ዘየለን ዋጋ መግቢ ከም ዝንሃረን ገሊጻ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ከም መቐለ፣ ሽረን ዓዲግራትን ዝበላ ገለ ከተማታት እቲ ኩነታት ምምሕያሽ ከርኢ ጀሚሩ ኣሎ ዝበለት ሶፊ ማዴን፡ ብዙሓት ወሃብቲ ሓገዝ ትካላት'ውን ይኣትው ኣለው ኢላ።
"እንተኾነ ናብ መብዛሕትኦም ከባቢታትን ገጠር ቦታታትን እቲ ክልል ምብጻሕ ኣይተኽኣለን። ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ሕጂ'ውን ስግኣት ጸጥታ ኣሎ፤ ብዙሓት ኣብ ገጠር ዘለው ሰባት ሓገዝ ኣይረኽቡን ዘለው፤ ሕጽረት መግቢ ከምኡ'ውን ድሩት ኣገልግሎት ጥዕና እዩ ዘሎ" ትብል።
ኣስታት 70 ሚእታዊት ትካላት ጥዕና ክልል ትግራይ ከም ዝዓነዉን ንብረቶም ከም ዝተዘምተን ዓለምለኻዊ ማሕበር ግብረሰናይ ዶብ ኣልቦ ሓካይም ኣብዚ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ጠቒሱ ምንባሩ ይዝከር።
ኣባላት ኤም-ኤስ-ኤፍ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ክሳብ ፈለማ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ናብ ልዕሊ 106 ማእከላት ሕክምና ከም ዝበጽሑን፡ 13% ሚእታዊት ካብኦም ጥራይ ተኸፊቶም ንቡር ኣገልግሎት ይህቡ ምህላዎምን ኣረጋጊጾም።
ብምኽንያት እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ኣዝዮም ውሑዳት ሰራሕተኛታት ጥራይ ኣብ ስራሕ ከም ዝርከቡን፡ ኣብ ገለ ማእከላት ድማ ዝኾነ ሰራሕተኛ ከም ዘየለ'ውን እቲ ማሕበር ገሊጹ ነይሩ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም (WFP)፡ ኣብቲ ክልል ኣጋጢሙ ዘሎ ሕጽረት መግቢ ንምቅላል ልዕሊ 100 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድሊ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ'ሎ።
ኣስታት 3 ሚልዮን ሰባት (ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ትግራይ) ህጹጽ ረድኤት መግቢ ከም ዘድልዮ'ውን እቲ ትካል ሓቢሩ ነይሩ።