'ካብቶም ዝሞቱ ንላዕሊ እቶም ዝጠምዩ ዘለዉ ይረኣዩኒ ኣለዉ'

ኣቶ ገብረእግዚኣብሄር ብ1977[ ኣቆጻጽራ ግእዝ] ብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዝነበረ ጥምየት ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ነይሮም። ኣብ ህይወቶም ‘ንካልኣይ ግዜ ክስደድ’የ’ ኢሎም ሓሲቦም ከምዘይፈልጡ ዝዛረቡ ኣቶ ገብረእግዚኣብሄር ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ምኽንያት ናብ ሱዳን ተመዛቢሎም።