ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ 'ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ' ተረኺቡ

ቅድም ኢሉ ካብ ዝነበረ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ዝተፈለየ ሓድሽ ዓሌት እቲ ቫይረስ ኣብ ገለ ከባቢታት ኢንግሊዝ ይዝርጋሕ ከም ዘሎ ተገሊጹ።

ሚኒስተር ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ ማት ሃንኮክ ንኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ከም ዝበሎ፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ብውሑዱ ኣብ 60 ከባቢታት ከም ዝተረኸበ ተመዝጊቡ።

መንግስቲ ንትካል ጥዕና ዓለም ከም ዘፍለጠን ተመራመርቲ ኢንግሊዝ ኣብ ዙርያ እቲ ቫይረስ ምርምር ከም ዝጀመሩን'ውን ሓቢሩ።

ክሳብ ሕጂ ብመሰረት ዘሎ ሓበሬታ: እዚ ዓሌት ቅድም ኢሉ ካብ ዝነበረ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ንላዕሊ ሓደገኛ ድዩ ወይስ እቶም ክሳብ ሕጂ ዝተረኸቡ ክታበታት ኮሮናቫይረስ ክጻወሮም ይኽእል'ዩ: ኣይተረጋገጸን ዘሎ።

"ብፍላይ ኣብ ደቡብ ኢንግሊዝ በዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ረኺብና ኢና" ዝበለ ማት ሃንኮክ፡ ክታበት ብቕልጡፍ ክባጻሕ ብምግባር ለበዳ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር ጻዕሪ ከም ዝግበር ተዛሪቡ።

ሊቅ ጥዕናን ኣማኻሪ መንግስቲን: ፕሮፌሰር ክሪስ ዊት እዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ብልሙድ መስርሕ መርመራ ኮሮናቫይረስ ከም ዝፍለ ገሊጹ።

ብተወሳኺ ኣብ ደቡብ ኢንግሊዝ ቁጽሪ በዚ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ይውስኽ ኣሎ ኢሉ።

ኣብ ውሽጢ እዚ ሓድሽ ኮሮናቫይረስ ብዝሒ ፕሮቲን ከም ዝወሰኸ ዝተረጋገጸ ኮይኑ፡ መጠን ፕሮቲን እቲ ቫይረስ ምውሳኹ ኣብ ልዕሊ ባህሪያት ናይቲ ቫይረስ ዘምጽኦ ለውጢ ክህሉ ይኽእል'ዶ ዝብል ገና ኣይተፈልጠን።

ተመራማሪ እዚ ዓውዲ ዩኒቨርሲቲ በርሚንግሃም ፕሮፌሰር አለን ማክናሊ "ክንሰናበድ ዘለና አይመስለንን። እዚ ማለት ግን እቲ ቫይረስ ቀልጢፉ ኣይመሓላለፍን ወይ ሓደገኛ ኣይኮነን ማለት ኣይኮነን" ኢሉ።

ብሪጣንያን ኣመሪካን ኣብ ቀረባ እዋናት ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝፈረየ ክታበት ፒፋይዘር ባዮቴክ ንዜጋታተን ክህባ ከም ዝጀመራ ይፍለጥ።

እዚ 95 ሚኢታዊት ኮሮናቫይረስ ይከላኸል እዩ ዝተባህለ ክታበት ንዜጋታታ ብምሃብ ድማ ብሪጣንያ ቀዳመይቲ ሃገር ምዃና ይዝከር።