ኮሮናቫይረስ፡ ኣመሪካ ክታበት ፒፋይዘር ኣብ ረብሓ ክውዕል ኣጽዲቓ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ኤጀንሲ እቲ ክታበት ኣብ ረብሓ ንክውዕል ፍቓድ ንክህብ ካብ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ሓያል ጸቕጢ ከም ዝበጽሖ ተገሊጹ።
ሓላፊ ኤፍዲኤ ስቴፈን ሃን፡ ብዓርቢ ነቲ ክታበት ከጽድቕ ወይ ስርሑ ጠጠው ከብል ከም ዝተነግሮ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ጸብጺበን። ንሱ ግን "ሓቂ ኣይኮነን" ይብል።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ዙርያ ክታበት "24 ሰዓታት ኣብ ዘይመልእ" ክወሃብ እዩ ይብል።
ትማሊ ዓርቢ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኹራ ዝተሓወሶ ጽሑፍ ኣብ ትዊተር ክጥቅዕ እንከሎ፡ ንኤፍዲኤ "ዓብዪ፣ ኣረጊት፣ ዝሕቱል ኣባ ጎብየ" ክብሎ እንከሎ "ዶክተር ሃን፡ ጠላዕ ገዲፍካ እቲ መድሃኒት ኣምጽኣዮ፤ ህይወት ሰባት ኣድሕን" ኢሉ።
ጸብጻብ ዋሽንግተን ፖስት፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ዋይት ሃውስ ማርክ ሚዶውስ ንኮሚሽነር ኤፍዲኤ ዶክተር ሃን እቲ ክታበት ከጽድቖ ከም ዝኣዘዞ፤ እንተዘይኾይኑ ድማ ናይ ስራሕ መልቀቒ ደብዳበ ከእቱ ከምዝኣዘዞ ካብ ምንጪታት ሓበሬታ ረኺበ'የ ይብል።
ዶክተር ሃን ንማዕኸናት ዜና ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃል ግን ትኽክል ኣይኮነን ኢሉ።
ኣብ ኣመሪካ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ልዕሊ 292 ሽሕ ሰባት ሞይቶም ኣለው።
ብሮቡዕ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝለዓለ ዝኾነ ሞት ልዕሊ 3 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣመሪካ ተመዝጊቡ።
ሚኒስተር ጥዕናን ኣገልግሎት ሰብን ኣሌክስ ኣዛር ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰኑይ ወይ ሰሉስ ብብዝሒ ክታበት ንምርካብ ምስ ፒፋይዘር ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ኢሉ።
ክታበት ፒፋይዘር፡ ኣብ ዝሓለፈ ቕነ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ሃገራት ብሪጣሪያ፣ ካናዳ፣ ባሕሬንን ስዑዲ ዓረብን ኣጽዲቐነኦ እየን።
ፒፋይዘር፡ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ኣስታት 6.4 ሚልዮን ክታበት ንኣመሪካ ከፍሪ መደብ ኣለዎ። እዚ ንሰለስተ ሚልዮን ህዝቢ ዝኸውን እዩ ተባሂሉ ኣሎ።
ሰብ መዚ ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ፌደራል፡ ኣብቲ ክታበት 21 ሚልዮን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ሰለስተ ሚልዮን ኣረጋውያንን ቀዳምነት ክወሃቦም ኣለዎ ይብሉ።
ሞዴርና ዘማዕበሎ ክታበት'ውን ኣብ ሓደጋ ግዜ ንክውዕል ፍቓድ ክረክብ ይጽበ ኣሎ። ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣመሪካ (ኤፍዲኤ)፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ፒፋይዘር ባዮንቴክ ንሓደጋ እዋን ክውዕል ኣፍቂዱ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







