እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝግበር ዳግመ ምጥያስ ሰብኣዊ መሰላት ክኽበር ኣተሓሳሲቡ
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር "ስርዓተ ሕጊ" ካብ ተጠናቐቐ መንግስቲ ኣብ ዝገብሮ ዳግመ ምጥያስ ስደተኛታት ሰብኣዊ መሰላት ክኽበር ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ኮሚሽን ኣብቲ ትማሊ ሰብኣዊ መሰላት ክኽበር ኣለዎ ክብል ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዝተጠፋፍኡ ስድራቤታት ንክራኸቡ፡ ንኹሉ ጽጉም ሰብኣዊ ሓገዝ ክባጻሕ፡ ዝተቛረጸ ኣገልግሎት ቴሌኮምዩኒኬሽን፣ ማይን መብራህትን ናብ ንቡር ክምለሱ ኣዘኻኺሩ።
ብምኽንያት እቲ ግጭት ካብ ቤት ንብረቶም ዝተዘናበሉ ዜጋታት ናብ መንበሪኦም ንክምለሱን፡ ንዝተፈጸመ ሰብኣዊ ግህሰት ዝምርምር ዘይሻራዊ ኣሰራርሓ ክዝርጋሕን ንኹሉ ዘማእክል ናይ ዕርቅን ፍትሕን መስርሓት ብኣጋ ክውደብ ከምዘለዎ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ኮሚሽን ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዘነጻጸረ ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክቐርበሉ ዝጸንሐ ቅሬታ ከም ዘተሓሳሰቦን ገሊጹ።
ሰባት ግዱድ ናይ ስራሕ ዕረፍቲ ከምዝወስዱ ምግባር፣ ንሕክምናን ትምህርትን ዝግበሩ ጉዕዞታት ምኽልኻል ዝብል ከምዝርከቦ መግለጺ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ የረድእ።
ስለዝኾነ፡ እቲ ስጉምቲ ማሕበራዊ ጸቕጢ ይፈጥር ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ "እዚ ጉዳይ ዝምልከቶም መንግስታዊ ኣካላት ብፍላይ ድማ ሓለፍቲ ስራሕ ድሕነት መገዲ ኣየር ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ ምኽንያት ንዝኾነ ንተጓዓዝቲ ከይኽልክሉ የተሓሳስብ" ብምባል ብቐረባ ይከታተሎ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።
እቲ ጎንጺ ካብ ዝጅመር ንነጀው፡ ብርክት ዝበሉ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን እታ ሃገር ብሄር ተኮር ጸቕጥን መጥቃዕትን ይበጽሖም ከም ዘሎ ንቢቢሲ ምግላጾም ይዝከር።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዋላ'ኳ እቲ ጎንጺ ብዓወት ሓይልታት ፌደራል ከምዝተዛዘመ እንተኣወጀ፤ ሓይልታት ትግራይ ግን ገና ውግኣት ይካየድ ምህላዉ እዮም ዝገልጹ።
አብ'ዚ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ብኣማኢት ዝቑጽሩ ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኸእሉ ክግለጽ እንከሎ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣለው።
ኣብ ትግራይ፡ መስመር ቴሌፎንን ኢንተርነትን ተዓጽዩ ብምህላው፡ ነቲ ዝወጽእ ዘሎ ዝርዝራት ኲናት ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።
ብሰንኪ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩናት፡ ልዕሊ 40 ሽሕ ስደተኛታት ዶብ ሃገሮም ሰጊሮም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳን ተዓቑቦም ከምዘለው ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።