ኣብ ኦሮምያ፡ ዝፍጸም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ደው ክብል: ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሓቲቱ

ኣብ ክልል ኦሮምያ ናዕቢ ደጊሙ ምልዓሉ ስዒቡ ብዝሖም ብትኽክል ዘይተፈለጡ ሰባት ዝሞቱ እንትኸውን፡ ሓይልታት ጸጥታ ዘይተመጣጠነ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ክቑጠቡ፡ ከሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓቲቱ።

ኣብቲ ክልል፡ ይፍጸም ኣሎ ዝበሎ ልዑል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ጠጠው ክብል ከምዝግባእ ድማ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ክልል ብፍላይ ኣብ ከተማታት ኣሳሳ፣ ኣሰቦት፣ ኣወዳይ፣ ባሌ ሮቤ፣ ጭሮ፣ ደንገጎ፣ ድሬ ጠያራ፣ ዶዶላ፣ ገለምሶ፣ ጊኒር፣ ሮማያ፣ ሂርናን ሻሸመኔን ናይ ሰባት ህይወት ከምዝሓለፈ መረዳእታ ረኺባ ይብል- እቲ ኮሚሽን።

ወሃቢ ቃል እቲ ኮሚሽን ኣይተ ኣሮን ማሾ፡ "ኣካላት መንግስቲ፡ ዜጋታት ብሰላማዊ መገዲ ተቓውሞ ናይ ምስማዕ መሰሎም ክሕልውሎም፡ ሕግ ናይ ምኽባር ተግባሮም ድማ፡ ዝተመጣጠነ ሓይሊ ተጠቒሞም ክኸውን ይግባእ" ክብል ኣተሓሳሰቡ።

ኣብ ሓደ ዓመት ኣብቲ ክልል፡ ከምዚ ዓይነት ተደጋጋሚ ናዕብታትን መቕተልትን ምርኣዩን እዚ ናይ ሐዚ እዋን ምውሳኹን ዘሕዝንን ዘሰክፍን ኣጋጣሚ እዩ ክብል ገሊጽዎ።

"እዚ ልዑል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክቕጽል ክፍቀድ የብሉን" ድማ ኢሉ ወሲኹ።

ብዛዕባ ብዝሒ ምውታት፡ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝወሃብ ዘሎ ዝተፈለለየ ምዃኑ ገሊጹ፡ እቲ ኮሚሽን ብናይ ባዕሉ መንገዲ ኣቢሉ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣጻርዩ ከምዝመጽእ ሓቢሩ።

መንግስታት ክልልን ፌዴራልን፡ ነቲ ጉዳይ ብህጹጽ ምርመራ ክገብሩን ከጻርዩ ድማ ሓቲቱ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኦሮምያን ኣብ ድሬዳዋን፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ብውሕዱ 4 ሰባት ከምዝተቐተሉን ብዙሓት ከምዝቖሰሉን ምንጭታት ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።