እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ወላይታ፡ 'ሓይልታት ጸጥታ ዘይመጣጠን ስጉምቲ ተጠቒሞም' ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት
ኣብ ገለ ከተማታት ዞባ ወላይታ፡ ብ14 ነሓሰ 2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ዝወስደ ስጉምቲ ሓይሊ ዘይተመጣጠነ ከምዝኾነ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቲ ኮሚሽን፡ 'ሓይልታት ጸጥታ ዘይመጣጠን ሓይሊ ካብ ምጥቃም ክቑጠቡ ይግባእ' ብዝብል ሎሚ ኣማስዩ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ከምዝሓበሮ፡ መንግስቲ፡ እቲ ዕግርግር ገለ ሰባት ብዝወደብዎ ውዲት ከምዝተልዓለ እንተገለጸ'ኳ፡ እቲ ናዕቢ ገለ ሓለፍቲ እቲ ዞባ ብሓይልታት ጸጥታ ምእሳሮም ስዒቡ ምዃኑ ከምዘረጋገጸ ኣፍሊጡ።
ሰልፈኛታት፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካልኦት ከተማታትን እቲ ዞባ ናብ ጎደናታት ወጺኦም ተቓውሞ ኣስሚዖም።
ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ኣብ ርአሰ ከተማ እቲ ዞባ፡ ሰዶ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ቦዲቲ ድማ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣፍሊጡ።
ቢቢሲ ብሓፈሻ፡ በነቲ ዕግርግር ስዒቡ ብውሕዱ 10 ሰባት ከምዝተቐትሉ ምጽብጻቡ ዝዝከር እዩ።
ብሓፈሻ ትማሊ ሰኑይ፡ 178 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉን፡ ካብኣቶም እቶም 28 ናይቲ ዞባ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምዃኖምን እቲ መግለጺ ኣብሪሁ።
ወሃቢ ቃል፡ ኮሚሽን፡ ኣቶ ኣሮን ማሾ ከምዝበሎ፡ " ሓይልታት ጸጥታ ነቶም ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ዝቆጻጸርሉ እዋን፡ ንሞት ዘቃልዕ ዘይግቡእ ሓይሊ ካብ ምጥቃም ክቑጠቡ ይግባእ" ምስበለ፡ ከምዚ ዓይነታት ስጉምቲታት ነቲ ጸገም ከምዘጋድድዎ ተዛሪቡ።
ኣቶ ኣሮን ወሲኹ ድማ፡ ብፍላይ ናይቶም 6 ሰባት ኣማውታ ብቕልጡ ክጻረ ከምዝግባእ ኣፍሊጡ።
ከምኡ'ውን እቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ፡ ብሕጊ መሰረት ኣብ እዋኑ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡን ሚሉእ መሰሎም ክሕለን እቲ ከሞሽን ሓቲቱ።
ነቲ ሕቶ ካብ ስር መሰረቱ ንምምላስ፡ መንግስታት ፌዴራል ኮነ ክልል፡ ሰላማዊ ፍታሕ ክጥቀሙ ከምዝግባእ'ውን እቲ ኮሚሽን ወሲኹ ሓቲቱ።