እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ወላይታ ኢትዮጵያ፡ ብዝተላዕለ ዕግርግር ዓሰርተ ሰባት ተቐቲሎም
ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ ምስ ሕቶ ክልል ህዝቢ ወላይታ ተተሓሒዙ ሓይሊታት ጸጥታ ሰባት ምእሳሮም ስዒቡ ብዝተልዓለ ጎንጺ፡ ዓሰርተ ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ.
ዞባ ወላይታ ብደረጃ ክልል ንምውቓር ዝተጣየሸ ሰክረተርያት ኣብ ዝጸወዖ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣመራርሓ፣ ሰብ ሞያ ሕግን ሽማግለታትን ምስተኣሰሩ እዩ እቲ ጎንጺ ተላዒሉ።
ብፍላይ ሓያል ጎንጺ ኣብ ዘተኣናገደት ከተማ ቦዲቲ ሽውዓተ ሰባት ከምዝሞቱን፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ሰዶ እውን ዝተቐተሉ ሰባት ከምዘለዉን፡ ካብ ሆስፒታላትን ነበርትን ሓበሬታ ከምዝረኸበ ብምጥቃስ፡ ኣባል ፈጻሚት ብሄራዊ ምንቅስቓስ ወላይታ ኣቶ ማቴዎስ ባልቻ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብ ከተማ ሰዶ ሰለስተ ሰባት ከምዝሞቱ ዝገለጸ ኣቶ ማቴዎስ፡ መባዛሕተኦም መወትቲ ብዕድመ ንኡሳት ምዃኖም ብምግላጽ ፟መንግስቲ ብዘይ ኣገባብ ሓይሊ ተጠቒሙ እዩ ኢሉ። እቲ ዘሕዝን እቶም ቆልዑ ብበትሪ ምውቃዕ እኳ ዝኣኽሎም እዮም፡፡ መንብዒ ትኪ ምጥቃም እውን ይከኣል ነይሩ።
ገለገሊኦም እንትሃድሙ ተኸቲልካ ምትኳስ ዘሕዝን እዩ፟ ክብል ወሲኹ ገሊጹ፡፡ብተወሳኺ እቶም ቆልዑ ዝተቐተሉ መሳርሒ ኲናት ክምጥሉ ስለዝፈተኑ ከምዝኾነ ዝገልጽ ሓሳብ ምክትል ኮምሽነር እቲ ክልል፡ ልክዕ ከምዘይኮነ ኣቶ ማቴዎስ ገሊጹ።
ቢቢሲ ብዝገበሮ ምጽራይ፡ ብድቕድሚ ትማሊ ብጥይት ተወቒዑ ናብ ክርስትያን ሆስፒታል ሰዶ ዝኣተወ ሰብ ከምዝሞተ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
እቲ መዋቲ ወዲ ሰላሳ ዓመት ከምዝኾነ ዝሓበረ ሽሙ ከይጥቀስ ዝደለየ በዓል ሞያ ጥዕና፡ ካልኦት ሰላስተ ሰባት ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል ከምዘለዉ ተዛሪቡ።
አቲ ሓደ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ኣብ ክሳዱ በጥይት ተወቒዑ ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘሎን፡ ካሊእ 25 ዓመት ብጥይት ተወቒዑ ሰራውር ደም እግሩ ከምዝተጎደአን ዝገለጸ እቲ በዓል ሞያ ጥዕና፡ እቲ ሳልሰዋይ ድማ ብበትሪ ከምዝተቐጥቀጠ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ብጥይት ዝተወቕዑ ካልኦት ሰለስተ መናእሰይ ኣብ ክፍሊ ሕክመና ዓጽሚ ከምዘለዉን፡ ካልኦት ቀሊል ጉድአት ዝበጸሖም ሓሙሽተ ሰባት ተሓኪሞም ከምዝተመለሱን እቲ በዓል ሞያ ወሲኹ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ኣብ ቦዲቲ ከተማ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝሞቱን ኣብ ሰዶ እውን ዝተቐተሉ ሰባት ከምዘለዉ ሓበሬታ ከምዝረኸበ ተዛሪቡ።
ኣብዚ እዋን ምንቅስቓስ ንግድን ተሽርከርትን ከምዘየለ ብምጥቃስ፡ ሰዶ ከምዝተጋገዐትን ኣብ ቦዲቲ ግን ውሱን ዘይምርግገእ ከምዘሎ ገሊጹ።
ካሊእ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ምስክር ዓይኒ ድማ ብምኽንያት ምዕጻው መገዲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ቦዲቲ ምጉዓዝ ከምዘይከኣለ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ዕግርግር ኣክሊሉ ዝተብሃል ምሓዝኡ ከምዝተቐተለ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብ ዞባ ወላይታ 'ዕግርግር ዘልዐሉ' ብዝብል ዓሰርተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ንፋና ብሮድካስቲንግ ዝገለጹ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥተን ክልል ደቡብ ኣለማየሁ ባውዲ፡ ሕቶ ክልል እቲ ዞባ ብመንግስቲ ዘቕመጦ ኣንፈት ከይፍታሕ ዝጽዕሩ ኣመራርሓ እቲ ዞባ ከምዝኾኑ ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ ናይቶም ኣመራርሓ ኣብ ቀይዲ ምውዓል ስዒቡ መገዲ ናይ ምዕጻው ኩነታት ከምዝነበረ ብምሕባር ናይ ሓደ ሰብ ህይወት ከምዝሓለፈን ካልኦት ሰባት ከምዝቖሰሉን ኣቶ ኣለማየሁ ገሊጹ።
ካብቶም ዝተኣሰሩ ሰባት፡ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ዳጋቶ ኩምቤ፣ ሓላፊ ፓርቲ ብልጽግና እቲ ዞባ ጥበቡ ዮሃንስ፣ ምክትል ፕረዚደንት ዲሞክራስያዊ ግንባር ወላይታ ዶ/ር ኣስራት ኤልያስን ካልኦት ሽማግለታትን ዝረከቡዎም 26 ሰባት ከምዝኾኑ ኣቶ ማቴዎስ ገሊጹ፡፡