መረጻ ኣመሪካ 2020፡ ትራምፕ ስግግር ስልጣን ባይደን ክጅመር ተቐቢሉ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ ዝተመርጸ ጆ ባይደን ስልጣን ዝርከበሉ ስሩዕ መስርሕ ስግግር ክጅመር ተቐቢሉ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ነቲ ምርኽኻብ ስልጣን ዝከታተል ዘሎ ኤጀንሲ ፌደራል "ክግበር ዝግብኦ ነገር ክገብር" ኣለዎ ዝበለ ኮይኑ፡ ኣብቲ መረጻ ከም ዘይተሳዕረ ንምርግጋጽ ዝገብሮ ሞጎት'ውን ከም ዝቕጽል ተዛሪቡ።

ሓፈሻዊ` ምምሕዳር ኣገልግሎታት ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን "ብግልጺ ተዓዋቲ" ምዃኑ ኣፍልጦ ከም ዝሃበ ገሊጹ'ሎ።

ድሕሪ መግለጺ እቲ ምምሕዳር፡ ፔንታጎን'ውን "ንጉጅለ ባይደን ብቑዕን ጽፉፍን ከምኡ'ውን ስልጡን ዝኾነ ሓበሬታ ብዛዕባ ሃገራዊ ድሕነት ከምዝህቦም ኣፍሊጡ።

ጆ ባይደን፡ 20 ጥሪ 2021 እዩ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ ቃለ መሓላ ክፍጽም።

ጉጅለ ባይደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እዚ ውሳነ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምቁጽጻርን እቲ ቑጠባ ናብ ንቡር ምምላስን ዝብሉ ሓዊሱ ሃገርና ዘጋጠማ ግድላት ንምቅላስ ጉዕዞ እንጅምረሉ መገዲ ዝኸፍት እዩ" ኢሉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ጆ ባይደን ኣብ እዋን ምምሕዳር ባራክ ኦባማ ዝነበሩ ሙኩራት ብጾቱ ዝሓዘ ጉጅለ ሃገራዊ ድሕነትን ፖሊሲ ጉዳይ ወጻእን ወግዓዊ ገይሩ ኣሎ።

ኣንቶኒ ብሊከን ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጸዓኢ፡ ጆን ኬሪ ድማ ወኪል ክሊማዊ ለውጢ ከምኡ'ውን ጃኔት የሌን ፈላመይቲ ሚኒስትር ቤት ግምጃ ኣመሪካ ገይሩ ክሸይም እዩ።

ትራምፕ እንታይ ኢሉ?

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ናይ ስግግር መስርሕ ንክጅመር ንጉጅለ ባይደን ከም ዝሓበሮም ብትዊተር ገሊጹ።

ኣመሓዳሪት ጂኤስኤ ኤምሊ ማርፌይ፡ ነቲ ዝተመርጸ ፕረዚደንት 6.3 ሚልዮን ዶላር ፈንድ ተዳልዩ ምህላዩ ተዛሪባ።

እቲ ዝጀመሮ "ቓልሲ" ከም ዝቕጽሎ ዝሓበረ ፕረዚደንት ትራምፕ ብወገኑ፡ "ይኹን'ምበር ንረብሓ ሃገርና ክብል፡ ኤምሊን ጉጅልኣን እቲ ናይ መጀመርታ ፕሮቶኮል ዝምልከት ክግበሩ ዝግብኦም ነገራት ከፈጽሙ ይምዕድ፤ ናተይ ጉጅለ'ውን ተመሳሳሊ ነገር ከፈጽም ሓቢረዮ ኣለኹ" ኢሉ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ውጽኢት መረጻ 2020 ምትላል ተፈጺሙ'ዩ ክብል ዘቕረቦ ክሲ ቤት ፍርዲ ነጺግዎ'ዩ።

ኣብ ግዝኣት ፔንሲልቫኒያ፡ ሪፖብሊካን ዳኛ ጉጅለ ጎስጓስ ትራምፕ ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ ከይኣቕረበ "መሰል ኣስታት ሸውዓተ ሚልዮን መረጽቲ ከድምሰስ" ፈቲኑ'ዩ ኢሉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ጠበቓታት እቲ ፕረዚደንት ናብ ቤት ፍርዲ ፔንሲልቫኒያ ይግባይ ኣቕሪቦም ኣለው።

ብተወሳኺ ትራምፕ ኣብ ጆርጂያ ዝተኻየደ ምቑጻር ድምጺ ክድገም እኳ እንተሓተተ፡ ክሳብ ሕጂ ዝገበሮ ጻዕሪ ግን ነቲ 80 ሽሕ ድምጺ ዝረኸበ ባይደን ዓወቱ ዝልውጥ መርትዖ ኣይረኸበን።

ኣብ ዊስኮንሲን ብመሰርት ጉጅለ ጎስጓስ ትራምፕ ዝረቦ ጠለብ ብኸፊል ዳግማይ ቖጸራ ድምጺ ይካየድ ኣሎ።