እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጆ ባይደን፡ 'ሓድነት ኣመሪካ ከረጋግጽ እየ' ኢሉ
ሓድሽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኾይኑ ዝተመረጸ ጆ ባይደን፡ "ንኣመሪካውያን ክኸፋፍሎም ዘይኮነስ፡ ናብ ሓድነት ከምጸኦም ክሰርሕ እየ" ክብል ተመጻቢዑ።
ብፍላይ ንዘይመረጾ ህዝቢ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ “ካልኣይ ዕድል ንወሃሃብ” ክብል፤ ናይ ምክእኣልን ምሕዝነትን ዘረባ ኣስሚዑ።
ባይደን ንዶናልድ ትራምፕ ዝሰዓሮ፡ እቲ መረጻ ሰሉስ ምስተኻየደ፡ ኣብ መወዳእታ ብዝተኻየደ ቆጸራ ብዝረኸቦ ድምጽታት ኣዝዩ ስለዝዓብለለ እዩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ: ካብ 1990ታት ንደሓር: ንፈለማ እዋን ንሓንቲ እብረ ስልጣን ጥራይ ዘገልገል ፕረዚደንት ኮይኑ'ሎ::
ትራምፕ ግን ናብ ቤት ፍርዲ ዘምረሐ ኾይኑ፡ ዛጊድ ስዕረቱ ኣይተቐበለን።
ርግጽ፡ ንሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝኣታት "ድምጺ ተሰሪቑ" ዝብል ቅረታ እዩ ዘለዎ።
እንተኾነ ፈጸምቲ መረጻ፡ ኣብቲ ከይዲ ከምኡ ዓይነት ምትላል ከምዝተፈጸመ ዘርኢ መረዳእታ የብሉን እዮም ዝብሉ።
ናብ ቤት ፍርዲ ድማ፡ ዕላዊ ቅረታ ኣቕሪቡ ኣሎ።
ሚድያታት፡ ባይደን ከምዝሰዓረ ምስ ኣፍለጡ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከታማታት ደገፍቲ ባይደን ናብ ኣደባባያት ወጺኦም ድጋፎም ዝገለጹ ኾይኖም፡ ኣብ ገለ ከታማታት ድማ፡ ደገፍቲ ትራምፕ ወጺኦም ተቓውሞ ኣስሚዖም።
እንተኾነ ዛጊድ፡ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ክልቲኦም ተነሓናሕቲ ዝተፈጥረ ጎንጺ የለን።