ቅድሚ 25 ዓመት ምስ ልእልቲ ዳያና ዝተኻየደ ቃለ መሕትት ሕጂ ይምርመር ኣሎ

ብሰብኣዊ ሓልዮታን ርህራሄኣን እትድነቕ፡ ስምይቲ ሞዴል ዓለምና ልእልቲ ዲያና፡ ኣብ መበል (36) ዕድመኣ ምስ መሓዝኣ ዶዲ ፋየድ (41) ኣብ ከተማ ፓሪስ ብሓደጋ መኪና ካብ እትዓርፍ 23 ዓመት ኮይኑ ኣሎ።

በዓልቲ ቤት ኣደ ክልተ ቖልዑ ሃሪን ዊልያምን ዳያና፡ በዓል ቤት ልኡል ቻርለስ እያ ነይራ። ኣብ ሓዳር ስለዘይተሰማምዑ ግን ተፈላልዮም። ብድሕሪኡ እዩ እቲ ሓደጋ ዘስዓበ ሓዲሽ ምሕዝነትን ምስ ዶዲ ፋይድ ኣጋጢሙ።

እቲ ናይ ሽዑ ዜና ከምዘመልክቶ እታ ክልቲኦም ተሰቒሎምዋ ዝነበሩ ብፍጥነት እትጓዓዝ ዝነበረት ማርሰድስ ምስተጋጨወት እቲ መራሕ መኪናን ዶዲን ንእለቱ ክዓርፉ እንከለው ዲያና ግን ሆስፒታል በጺሓ ነይራ። እንተኾነ ዳሕራይ ብቃንዛ ኣፍልብን ሕጽረት እስትንፋስን ሰዓት ኣርባዕተ ወጋሕታ ዓሪፋ። ሰበስልጣናት ፈረንሳን ዓባይ ብሪጥንያን ከኣ ልእልቲ ድያና ከምዝዓረፈት ንህዝቢ ሓቢሮም።

ልእልቲ ዳያና ኣዝያ ፍትውቲ ብምንባራ፡ ሞታ ንህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያ ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ህዝቢ ዓለም እዩ ኣሰንቢዱዎ። ኣብ ቀብራ ዌስት ምኒስተር ኣቢይ ክልተ ሽሕ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብተሌቪዥን 32 ሚልዮን ክከታተሉዎ እንከለው፡ 2̋ ቢልዮን ህዝቢ ዓለም ከኣ ብዝተፈላለያ ስሙያት ማዕከናት ዜና ዓለም ተኸታቲሉዎ።

ሕጂ ድሕሪ 25 ዓመት፡ ቢቢሲ ንሓቅነት እቲ ሓደ ግዜ ኣብ መደብ ፓናሮማ ምስ ልእልቲ ድያና ንዝተገብረ ቃለ መሕትት ክምርምር ጀሚሩ ኣሎ።

እቲ መርመራ፡ ንሓቅነት እቲ ቅድሚ 25 ዓመታት ጋዜጠኛ ቢቢሲ ባሺር፡ ምስ ልእልቲ ዳያና ኣብ ፓኖራማ ንዝገበሮ ኣስታት 23 ሚልዮን ሰባት ዝተኸታተሉዎ ቃለ መሕትት እዩ ክርኢ።

ቢቢሲ ነቲ ሓቅነት ንምጽራይ ተመባጺዑ ኣሎ።

እዚ መርመራ’ዚ፡ ሓው ዳያና፡ ነቲ ኣብ 1995 ኣብ መደብ ፓኖራማ ዝተገብረ ቃለ መሕትት፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲማርቲን ባሺር ንሓፍቱ ብናይ ትምነያ ሕሳብ ባንኪ ከም ዘተታለላ ድሕሪ ምኽሳሱ እዩ ዝካየድ ዘሎ።

ነቲ ጉዳይ ሓደ ካብቶም ናይታ ሃገር ዝዓበዩ ጥሮተኛ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነበር ክርእዮ ተመዚዙ ኣሎ።

ዋና ሓላፊ ቢቢሲ ቲም ደይቪ ከም ዝሓበሮ፡ “ቢቢሲ ብዛዕባ ሓቅነታት ናይዚ ፍጻሜታት ክረክብ ወሲኑ ኣሎ፡ ስለዚ ኢና ከኣ ነጻ መርማሪት ኮሚሽን ዝመዘዝና” ኢሉ።

ሎርድ ዳይሰን ሓደ ካብቶም ፍሉጣትን ልዑል ኣኽብሮት ዘለዎምን ኮይኑ ነቲ መስርሕ ከኣ ግቡእ ብዝኾነ ኣገባብ ክመርሖ’ዩ።”

ሓዋ ንልእልቲ ድያና አርል ስፐንሰር ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ነጻ ዝኾነ መርመራ ክግበር ድሕሪ ምጽዋዕ፡ ነዚ ቃለ መሕትት ክውን ንምግባር “ግሉጽ ዝኾነ ዘይቅኑዕ ተግባራት ተፈጺሙ” ኢሉ።

ናብ ደይሊ መይል ብዝተጸብጸበን ናብ ደይቪ ኣብ ዝተጻሕፈን ደብዳቤ፡ አርል ባሺር ዝተተምየነ ሕሳብ ባንክ ተጠቂሙ፡ እቶም ክልተ ዓጀብታ ብዛዕባ ሓፍቱ ንዝምልከት ሓበሬታ ብናይ ጸጥታ ኣገልገልቲ ተኸፊሎም ዝብል ግጉይ ዝተሰነዐ መርኣያ ኣዳልዮም ይብል።

አርል ስፐንሰር፡ “ነዚ መግለጺ እዚ ብዓይነይ እንተዘይርእዮ ነይረ፡ ንባሺር ምስ ሓፍተይ ኣይመራኸቡዎን ነይረ” ይብል ኣብ ጽሑፉ።

ንሱ ብተወሳኺ፡ ኣብ ካልእ ምስ ደይሊ መይል ኣብ ዝተገብረ ቃለ መሕትት ማለት ኣነ ኣብ ዝተረኽብኩሉ ኣኼባ እቲ ናይ ሽዑ ናይ ፓናሮማ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣንጻር ቀዳሞት ዓበይቲ ንግስነታት ብዙሓት ናይ ሓሶትን ክብርኻ ዘጉድሉን ጥርዓናት ዘቅረቦ ክእመንን ናብ ሓፍቱ መእተዊ ኣጋጣሚ ክረክብን ሓጊዝዎ ይብል።

እዚ ጥርዓናት ከኣ ከም ናይ ዳያና ውልቃዊ መልእኽትታት ተኸፊቱ፡ መኪና ኣብ ምክትታል ኣትያ፡ ብተሌፎም እትዛረቦ ተመዝጊቡ፡ ዝብሉን ካልኦትን ‘ዘይመስል ሓሶት’ ብኢመይል ተገሊጹ።

ወዲ 57 ዝዕድሚኡ ኣሰናዳኢ ናይ ቢቢሲ ሃይማኖታዊ ዜናታት፡ ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ናይ ልቢ መጥባሕትን ብኮቪድ-19 ዝተሓላለኸ ጥዕንኡን ኣብ ምሕዋይ ዝርከብ ዘሎ፡ ዛጊት ኣብ ናይ አርል ስፐንሰር ክሲ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ኣሎ።

1.ቢቢሲ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ማርቲን ባሺር ኣብ ናይ 1995 ቃለ መሕትት ፓኖራማ ንምክያድ ዝተወስዱ ስጉምትታት እንታይ ነይሮም፧ እዚ ከኣ ነቲ ሕሳብ ባንክ ዝብል ባጫን፡ ንኣባላት ስድራ ቤት ንጉስ ተኸፊሉ ተባሂሉ ዝግለጽን፡ ካልኦት ስክፍታታት ብአርል ስፐንሰር ዝተላዕሉን ዘጠቓልል እዩ።

2. ኣብቲ ግዜ እቲ እዞም ደረጃታት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ንመለክዒታት ናይ ቢቢሲ ኣሰናዳእቲ ብዝምልከት ቅኑዓት’ዶ ነይሮም?

3. ንውሳነ ድያና ቃለ መሕትት ክትህብ፡ ተግባራት ቢቢሲ ብፍላይ ከኣ ማርቲን ባሺር ማዕረ ክንደይ ጸልይዎ?

4. ብዛዕባ ተዛማዲ መርትዖታትን ዝተተምነየ ሕሳብ ባንክን ቢቢሲ ኣብ 1995ን 1996 እንታይ ኣፍልጦ ነይርዎ?

5. ነቲ ናብ ቃለ መሕትት ዝመርሐ ህሞት ቢቢሲ ማዕረ ክንደይ ብጽፈት ሒዚዎ ነይሩ?

እቲ ውዕላት ናይ መወከሲ መርመራ ብሎርድ ዳይሰን ተዳልዩ፡ ብቢቢሲ ከኣ ተቀባልነት ረኺቡ።

ቢቢሲ እቲ መርመራ ብቀጥታ ከም ዝጅመርን “ንኹሎም ተዛመድቲ ኣብ መዝገብ ዝርከቡ ሰነዳት ከኣ” ከኣ ከረክብ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ዜና ከም ዘግሃዶ፡ መጀመርያ ካብ ዳያና ጠፊኡ ነይሩ ዝተባህለ ሓበሬታ፡ ማለት በቲ ምስ ቢቢሲ ፓኖራማ ብዝገበረቶ ቃለ መሕትት ሕጉስቲ ከም ዝነበረት ዝሕብርን፡ ነታ መርማሪት ኮሚተ ክወሃብ ከም ዝኾነን ኣቃሊዑ።

ነቲ መርመራ ዝመራሕ ከኣ ሎርድ ዳይሰን ማለት ማስተር ናይ ሮልስ ዝነበረን-ናይ ኢንግላንድን ዌልስን ካልኣይ ዝዓበየ ፈራድን ኮይኑ ከኣ ክሳብ ጥሮታ ዝወጽእ ማለት ክሳብ ጥቕምቲ 2016 ኣገልጊሉ።

ካልእ ኣብ ጸለወቲ ጽፍሕታት ዝሰርሓሉ ዝነበረ ከኣ ከም ኣብ ዝለዓለ ቤት ፍርዲ ናይታ ሃገር፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዳኛን፡ ሎርድ ጃስቲስ ናይ ይግባይ ቤት ፍርዲ ኢንግላንድን ዌልሽን እውን ነይሩ።

ኣባል ባይቶ ጁልያን ናይት፣ ኣቦ ወንበር ናይ ዲጂታል፡ ካልቸር፡ ሚድያን ስፖርት ኮሚቲን (DCMS) “ንርዝነት ናይቲ ጉዳይ ብምርኣይ” እቲ መርመራ ክካየድ ግቡእ እዩ ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ “DCMS ኮሚቲ ኣብዚ ጉዳይ ናይ ገዛእ ርእሳ መርመራ ክትገብር መደብ የብላን፡ እንተኾነ ግን ነቲ ውጽኢት ዳግም ርእያ ካልእ ተወሳኺ ስጉምቲ ዘድልዮ እንተኾነን ከኣ ነቲ ውሳነ ናይ ምቅያር ስጉምቲ ይወስዱ።”

ቅድሚ 25 ዓመታት ንመደብ ፓኖራማ ክሳብ 23 ሚልዮን ሰባት ተኸታቲሎሞ።

ኣብዚ ከኣ እታ ልእልቲ ብንጹር ከም ዝበለቶ፡ “ኣብዚ መርዓ እዚ ሰለስተ ኢና ኔርና”፡ ትብል ነታ ልእልቲ ናይ ዌልስ ምስ ካሚላ ፓርከር ቦውልስ ዝነበረ ዝምድና እናኣመልከተት።

ኣብቲ እዋን እቲ ልእልቲ ድያና ምስ ልኡል ቻርለስ እንተዘይተፋትሑ ግን ተፈላልዮም እዯም ነይሮም።