እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዝዓለበት ነፋሪት 'ኣየር ካናዳ' ደቂሳ ዝተረሰዐት ሰበይቲ
ቲፋኒ ኣዳምስ፡ ካብ ኪዩቤክ ናብ ቶሮንቶ ኣብ እትበርር ነፋሪት ደቂሳ ትጉዓዝ ነይራ። ካብ ድቃሳ ኣብ ዝተበራበረትሉ ግና ኣብ ሓያል ዛሕሊ፡ ኣብታ ሰብ ዝበሃል ዘይነበራ ነፋሪት ንነብሳ ረኺባታ።
ድሕሪ እዚ ኣጋጣሚ ድማ፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ምድቃሳ ከም እትብህርር ትዛረብ።
ኤየር ካናዳ ብወገኑ እቲ ኣጋጣሚ ሓቂ ከም ዝኾነን የጻርዮ ከምዘሎን ገሊጹ።
ከባቢ ፍርቂ ለይቲ እታ ነፋሪት ድሕሪ ምዕላባ ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት፡ ኣብ ኣዝዩ ቁርን ጸልማትን፡ ኣብቲ ዝተቐመጠትሉ መንበር፡ በቲ ናይ ድሕነት ቁልፊ ብእስርታ ከም ዝተበራበረት ኣዝዩ ዘፍርሕ ከምዝነበረን፡ ቲፋኒ ኣዳምስ ኣብ ፌስቡክ ገሊጻ።
ቲፋኒ፡ ንመሓዛኣ ዲያና ኣበይ ከምዘላ ብስልኪ ንምሕባር ኣብ ዝፈተነትሉ ፡ ተንቀሳቓሲ ስልካ ባትሪ ወዲኡ ዓጽዩ። ስርዓተ ኤለክትሪክ እታ ነፋሪት ጠፊኡ ብምንባሩ ድማ ባትሪ ክትመልእ ኣይከኣለትን።
በቲ ቀዳማይ ኣካል እታ ነፋሪት ኮይና ላምባዲና ምስ ኣብረሀት ግና፡ ሓደ ናይ ኣቑሑት ዓረቢያ ዝዝውር ሰብ ክርእያ ምኽኣሉ'ያ ትዛረብ።
ካብታ ነፋሪት ምስ ወጸት፡ ሰራሕተኛታት እቲ መገዲ ኣየር ግልጋሎት ሊሞዚን መኪናን ሆቴልን ዘቕረቡላ እንትኾን፡ ንሳ ግን ቀልጢፋ ናብ ገዝኣ ንምእታው ስለዝደለየት ኣይተቐበለቶን።
ሰብመዚ እቲ መገዲ ኣየር ንምጽራይ ክልተ ግዘ ከምዝደወሉላን ይቕረታ ከምዝሓተቱዋን ቲፋኒ ኣዳምስ ወሲኻ ሓቢራ።